ብሪጣንያ፡ ብጾታዊ ዓመጽ ዝተፈርደ ኢትዮጵያዊ ብጌጋ ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኡ ይህደን

ብጾታዊ ዓመጽ ንማእሰርቲ ዝተፈርደ ኢትዮጵያዊ ሓታቲ ዑቕባ ብጌጋ ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኡ ብፖሊስ ብሪጣንያ ይህደን ኣሎ።

ሓዱሽ ገብረስላሴ ቅብኣቱ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ተባሂሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ተወሲኑሉ ዝነበረ'ዩ።

ምንጭታት ቤትማእሰርቲ ከምዝሓበርዎ፡ ቅድሚ ናብ ሃገሩ ምጥራዙ ኣብ ቀይዲ ንክጸንሕ ናብ ሓደ ማእከል ኢሚግሬሽን ክሰጋገር'ዩ ተሓሲቡ ነይሩ።

ብኸመይ ካብ ኢድ ሓለውቱ ከምዝተለቐቐ ንምጽራይ መርመራ ከምዝተጀመረን፡ እቲ ሓለፍነት ተዋሂብዎ ዝነበረ ብዓልመዚ ካብ ስራሑ ደስኪሉ ከምዘሎን ተፈሊጡ'ሎ።

ኣፈኛ ኣገልግሎት ማእሰርቲ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ነቲ ብጌጋ ካብቲ ኣብ ኬልምስፈርድ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ዝተለቀ ገበነኛ ንምምላስ ብህጹጽ ምስ ፖሊስ ተወሃሂድና ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።

እቲ ስደተኛ ብ7 ሓምለ ነታ ኣብ ሓደ መንበር ኮፍ ኢላ ዝነበረት ጓል ክስዕማ ከምዝተነን፡ ቅሉዕ ጾታዊ ርእይቶታት ከምዝሃባን ኣኽበርቲ ሕጊ ንመጋባእያ ቤትፍርዲ ገሊጾም ነይሮም።

ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ፡ ብ8 ሓምለ፡ እውን ነታ ጓል ከምዝረኸባ፡ ክስዕማ ከምዝፈተነን ከምዝተንከፋን እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ይጠቅስ። ንሓንቲ ብዛዕባ ስራሕ ክትሕግዞ ዝፈተነት ካልእ ጓልኣንስተይቲ'ውን ጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመላ ተኸሲሱ'ዩ።

እቲ ፍጻመ ኣብ ከባቢ እቲ ተዓቚብሉ ዝነበረ፡ ኣብቲ ካብ ከተማ ለንደን ውጽእ ኢሉ ዝርከብ በል ሆቴል ሓያል ተቛውሞታት ኣስዒቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ፈለማ መስከረም ብሰለስተ ዝቐረበሉ ክስታት ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ ድማ ን12 ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ። ብዘይካ'ዚ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ምስ ዝኾነት ጓልኣንስተይቲ ከይቀርብን ከይራኸብን ተኣጊዱ።

ኣብ መዝገብ ገበነኛታት ጾታዊ ዓመጽ ን10 ዓመት ሰፊሩ ክጸንሕ'ውን ቤትፍርዲ ወሲንሉ እዩ።

"ንህዝቢ ምክልኻል ዝለዓለ ቀዳምነትና ስለዝኾነ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ መርመራ ጀሚርና ኣለና" ይብል እቲ ኣፈኛ ኣገልግሎት ቤትማእሰርቲ።

ጸሓፊ ክፍሊ ፍትሒ ብሪጣንያ ዴቪድ ላሚ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እቲ ካብ ቤትማእሰርቲ ኬልምስፈርድ ዝተኻየደ ግጉይ ምልቃቕ [እሱር] ዘሕዝን'ዩ" ክብል ነቒፉ።

"ብቕልጡፍ ንምርካቡ ምስ ፖሊስ ንሰርሕ ኣለና። ህጹጽ መርመራ ክግበር'ውን ኣዚዘ ኣለኹ"።

"ቅብኣቱ ኣብ ጎደናታትና ዘይኮነ ክህሉ ዘለዎ፡ ብዝፈጸሞ ገበናት ናብ ሃገሩ ክስጎግ'ዩ ዘለዎ" ይብል እቲ ላዕለዋይ ሚኒስተር ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

ነቲ ካባቢ ቤትማእሰርቲ እትውክል ኣባል ባይቶ ማሪ ጎልድማን ብወገና፡ እቲ ጌጋ ብኸመይ ከምዝተፈጸመ ንምፍላጥ ወግዓዊ ምጽራይ ክግበር ጠሊባ'ላ።

"እዚ ብፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ ኮይኑ፡ ንዝውክሎ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ'ዩ" ብምባል ቁጠዓኣ ገሊጻ። "ካብ ኣገልግሎት ቤትማእሰርቲ መልሲ እጽበ" ድማ ኢላ።

መራሒት ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓቃባውያን ከሚ ባደኖክ እውን፡ "ኣብ ትሕቲ [ምምሕዳር ገዛኢ ሰልፊ] ዕዮ ስርዓተ ቤትማእሰርቲ ብምልኡ ይፈርስ ኣሎ" ብምባል ነቒፋ።

"ዓቃባውያን ኣንጻር እቲ ብሰልፊ ዕዮ ዝተወስደ እሱራት ናይ ምፍታሕ ፕሮግራም ኣድሚጾም'ዮም፡ ምኽንያቱ ገበነኛታት ናብ ጎደናታትና ከምዝምለሱ ዝገብር ስለዝኾነ"።

"እዚ ሰብ እዚ ግን፡ ሕጂ'ዩ ተፈሪዱ። ክትኣምኖ ዘጸግም ሕመቕ'ዩ" ብምባል ድማ ነቲ ብሰልፊ ዕዮ ዝምራሕ መንግስቲ ነቒፋ።

ሰልፊ ዕዮ፡ ነቲ ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ዘሎ ጻዕቂ እሱራት ንምፉኻስ ብፈኲስ ገበናት ንዝተፈርዱ እሱራት ብምሕረት ክወጹ ዝገብር ፖሊሲ ከምዘጽደቐ ይፍለጥ።

ብጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ሰፊሕ ፖለቲካዊ ደገፍ እናረኸበ ዝኸይድ ዘሎ የማናዊ ፖለቲከኛ ናይጃል ፋራጅ ብወገኑ፡ "ሕጂ ኣብ ጎደናታት ኢሰክስ ሸናዕ ይብል ኣሎ። ብሪጣንያ ፈሪሳ'ያ" ክብል ተዛሪቡ'ሎ።

ዋሕዚ ስደተኛታት፡ 'ውዑይ ድንሽ' ፖለቲካ ብሪጣንያ

ጉዳይ ሓተትቲ ዑቕባ ዝርከብዎም ስደተኛታትን ብዝተፈላለየ ካልእ ምኽንያታት ናብታ ሃገር ዝኣትዉ መጻእተኛታትን ኣብታ ሃገር ቀንዲ ፖለቲካዊ 'ውዑይ ድንሽ' ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኩሎም ፖለቲካውያን ሰልፍታት ድማ፡ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ እንታይ ክገብሩ ከም ዝደልዩ ንህዝቢ ኣብ ምጉስጓስ ይርከቡ።

ወርሓት መስከረምን ጥቅምትን ወቕቲ ቀውዒ ሰልፊታት ፖለቲካ ብሪጣንያ ኮይኑ ዓመታዊ ጉባኤታተን ዘካይዳሉ እዩ።

በቲ ኣብ ብረክዚት መሪሕ ተራ ዝተጸወተ ናይጃል ፋራጅ ዝምራሕ የማናዊ ሰልፊ ጽገና (Reform UK) ኣብ ምርጫ ተዓዊቱ መንግስቲ ከቕውም እንተኺኢሉ ብጉዳይ ኢሚግረሽን ተሪር ለውጥታት ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሓደ ካብኡ ነቲ 'Indefinite Leave to Remain' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክስርዞ ምዃኑ ምግላጽ፡ ከምቲ ዘሎ በመንገዱ ዜግነት ምርካብ ከምዘይክኣል ወይ ከም ዝተርር ምግባር'ዩ።

ዝኾነ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብታ ሃገር ብዘይምቁራጽ እንተጸኒሑ ዜግነት ክሓትት ይኽእል'ዩ፡ ዝኾነ ገበናት እንተዘይብሉ ማለት'ዩ። ሰልፊ ሪፎርም ግን፡ ቀዋሚ መንበሪ ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ክንዲ ዜግነት ዝወሃቦ ካልእ ተወሳኺ ተሪር ቅጥዕታት ብምምላእ ከሐድሶ ጸቢብ ዕድል ከምዝረክብ'ዩ ዝእምም።

ብዘይካ'ዚ፡ ቀዋማኢ መንበሪ ፍቓድ፡ ማሕበራዊ ደገፍ፡ ማለት፡ ንመነባብሮ ዝኸውን ገንዘብ፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን ክትረክብ'ውን ዝገብር'ዩ።

ብሓጺሩ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ፡ ብዘይካ ኣብ ምርጫ ድምጺ ምሃብ ዳርጋ ኩሉ ዓይነት መሰላት ዜጋታት ይርከብ'ዩ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኪር ስታርመር ዝምራሕ ገዛኢ ሰልፊ ዕዮን መንግስቲን ብወገኖም ንዋሕዚ ስደተኛታት ብዝምልከት ለውጥታት ክገብሩ ምዃኖም'ዮም ዝገልጹ።

ከም ኣካል ናይቲ ዘቕረብዎ እማመ ፖሊሲ ኸኣ፡ እቲ ዜግነት ንምሕታት 5 ዓመት ዝወስድ ዝነበረ ቀዋሚ ነባሪነት፡ ናብ 10 ዓመት ምንዋሕ ዝብል'ዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ዜግነት ዝሓቱ ሰባት ልዑል ክእለት ቋንቋ እንግሊዝን ስነምግባርን ዘለዎም ክኾኑ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ዝነብርሉ ማሕበረሰብ ንምግልጋል ኣብ ወለንታዊ ንጥፈታት ከምዝሳተፉ ከም ቅድመ-ኲናት ምግባርን ዝብል ይርከቦ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ስታርመር፡ ነቲ ሰልፊ ጽገና ዓባይ ብሪጣንያ (ሪፎርም) ዝቐረበ እማመ "ዓሌታዊ"ን "ዘይሞራላዊ"ን ክብል ምግላጹ ይዝከር።

ብዘይካ'ዚ፡ ብፍላይ ነቲ ብናኣሽቱ ጃላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ብምስጋር ዝግበር ዋሕዚ ንምዕጋት ምስፈረንሳ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ይፍለጥ።

እቲ "ሓደ ክኣቱ፡ ሓደ ይወጽእ፡" ዝብል ውጥን ብሓደ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ'ዩ ተፈቲኑ ነይሩ። ንግዚኡ ብትእዛዝ ቤትፍርዲ'ኳ ክጸንሕ ተወሲኑ እንተነበረ፡ ናብ ፈረንሳ ዝተመለሰ ካልኣይ ስደተኛ ኮይኑ'ዩ።

እቲ 'ዮናስ' ብዝብል ክጥቀስ ዝሓተተ መንእሰይ፡ ኣብ ዝተናውሐ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብሰንኪ እምነቱ ኣደራዕ ከይወርዶ ብምስጋእ ካብ ሃገሩ ክሃድም ከም ዝተገደደ ገሊጹ'ሎ።

ብዓቃብውያን ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር ምስ ኪጋሊ ውዕል ፈሪሙ ምንባሩ ይዝከር። ድሕሪ ዘጋጠሞ ሕጋዊ ዕንቅፋታት ግን መንግስቲ ሰልፊ ዕዮ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ክቋረጽ ተወሲኑ።