ኬር ስታርመር፡ ፖሊሲ ስደተኛታት ሰልፊ ጽገና 'ዓሌታዊ'ን 'ዘይሞራላዊ'ን ኢሉ

ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኬር ስታርመር፡ ነቲ ሰልፊ ጽገና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሰባት ኣብ ብሪጣንያ ብዘይ ዝዀነ ገደብ ግዜ ቀዋሚ ናይ ኢሚግሬሽን ኵነታት ክረኽቡ ዝገብር ፖሊስ ንምእላይ ዝኽተሎ ዘሎ መገዲ "ዓሌታዊ"ን "ዘይሞራላዊ"ን ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ብኣድማዒ መገዲ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሕጋዊ መገዲ ክስጐጕ ዘኽእል ፖሊሲ ሰልፊ ጽገና፡ ዝሓለፈ ሰሙን ብመራሒ ሰልፊ ኒጀል ፋራጅ ወግዓዊ ኰይኑ።

ሰር ኬር፡ ደገፍቲ ሰልፊ ጽገና ዓባይ ብሪጣንያ ዓሌታውያን ኣይመስሉንን፤ ድሕሪ ናይ 14 ዓመታት "ውድቀት ቶሪ" ግን "ሕርቃን ኣለዎም" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን፡ ሰልፊ ዕዮ ዋዕላ ክጅምር እንከሎ፡ ብዛዕባ መሪሕነቱን ምውራድ ደረጃታት መረጻን ሕቶታት ይለዓል እዩ ዘሎ።

ንሱ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ፡ ሰልፊ ዕዮ ዓቢ ድምጺ ረኺቡ ዝኣተዎ መብጽዓታት ንኽፍጸም "ቦታ" ከም ዘድልዮ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ስደተኛታት ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብታ ሃገር ብዘይ ናይ ግዜ ገደብ ንኽጸንሑ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ድማ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብቐዋምነት ናይ ምንባር፣ ናይ ምምሃርን ምስራሕን መሰል ይህብ።

ሰልፊ ዕዮ፡ ነዚ ንምርካብ ዝወስድ ግዜ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ናብ 10 ዓመት ብዕጽፊ ከዕብዮ መደብ ከም ዘለዎን፡ ኣብ ግንቦት ድማ ከም ኣካል ናይቲ ዋሕዚ ስደት ንምንካይ ዝሓንጸጾ ውጥናት ምኽክር ከም ዝተኣወጀን ተገሊጹ።

ሰልፊ ጽገና ከም ዝብሎ፡ ስደተኛታት ዝያዳ ተሪር ሕግታት ዘለዎም ሓደስቲ ቪዛታት ዳግማይ ከመልክቱ እዮም ይብል።

እቲ ሰባት ተወሳኺ መሰላትን ተበጻሕነት ጥቕምታትን ዝህብ ኣብታ ሃገር ናይ ምጽናሕ ፍቓድ (ILR) ክስርዞ እዩ።

ሰር ኬር ኣብ ሊቨርፑል ዋዕላ ሰልፊ ዕዮ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ምእላይ እዚ ፖሊሲ ዓሌታዊ ዶ ይመስለካ ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ቀሪብሉ።

ንሱ ድማ "ዓሌታዊ ፖሊሲ ይመስለኒ፡ ዘይስነምግባራዊ ይመስለኒ - ብሽሙ ክጽዋዕ ይግባእ፡" ክብል መሊሱ።

ወሲኹ፡ "ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ኣብዚ ክህልዉ መሰል ዘይብሎም ሰባት ከነወግድ ኢና ምባል ሓደ ነገር'ዩ፣ ኣነ'ውን ንዕኡ ይሰርሕ እየ ዘለኹ። ብሕጋዊ መገዲ ናብዚ ዝኣተው ሰባት ክንትንክፍ ኢና ምባል ግን ፍጹም ዝተፈልየ ነገር'ዩ፡" ኢሉ።

እቲ ቐዳማይ ምኒስተር ወሲኹ፡ "መናብርትና እዮም፣ ኣብ ቍጠባና ኣበርክቶ ዘለዎም ሰባት እዮም፣ ኣካል መንነትና እዮም፡" ብምባል ከምዚ ዓይነት ስጕምቲታት ነታ ሃገር ክሃሲ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።

ሰልፊ ጽገና ንዓሌታውያን ክስሕብ ይፍትን ኣሎ ድዩ፣ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ሰር ኬር፡ "ኣይፋልን! ንጽገና ወይ ዘድምጹ ወይ ድማ ክመርጹ ዝሓስቡ ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ግን ብዙሓት ይመስለኒ።"

"ኣብ ትሕቲ ዓቃባውያን ናይ 14 ዓመት ውድቀት ነይሩ፤ ነገራት ክንቅይር ይደልዩና - ቅድሚ ሓደ ዓመት ንሰልፊ ዕዮ ድምጺ ሂቦም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም - ግን ነገራት ብቕልጡፍ ክቕየሩ ይደልዩ።"

"ብሓቂ ይርድኣኒ እዩ፡ ድሕሪ 14 ዓመት ደረጃ መነባብሮኻ እንተዘይተመሓይሹን ህዝባዊ ኣገልግሎታትካ እንተነክዩን ብርግጽ ለውጢ ትደሊ ኢኻ፡" ክብል መሊሱ።

ኣባል ሰልፊ ጽገና ዚያ ዩሱፍ፡ ንርእይቶ ኬር ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "መልእኽቲ ሌበር ንሃገርና ንጹር'ዩ - ዜጋታት ወጻኢ ንዘልኣለም ብመንግስቲ ንኽነብሩ ኣማኢት ቢልዮናት ክኸፍሉ ወይ ሌበር ዓሌታዊ ክብለኩም'ዩ፡" ኢሉ።

"ውጥን ሰልፊ ጽገና፡ ህዝቢ እንግሊዝ ጥራይ ድሕነት ክረክብ ከም ዝኽእልን ስደተኛታት ኣብ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ከም ዝገብሩን ዘረጋግጽ'ዩ።"

ብመሰረት ብሰንበት ዝተዘርግሐ ናይ ዳህሳስ ዩጎቭ (YouGov)፡ እቲ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንክረኽቡ ዘፍቅድ መስርሕ ምስራዝ፡ ነቲ ህዝቢ ከም ዝኸፋፈሎ የርኢ።

58 ሚእታዊት ብሪጣንያውያን ነቶም ድሮ ፍቓድ ዝረኸቡ ሰባት ምእላይ ይቃወሙ። ልዕሊ 44 ሚእታዊት ግን እቲ ፖሊሲ ምስራዝ ከም ዝድግፉ ክገልጹ እንከለዉ፡ 43 ሚእታዊት ድማ ነቲ ሓሳብ ይቃወምዎ።

ጸሓፊት ዘቤታዊ ጕዳያት ሻባና ማሕሙድ ብሰንበት ምስ ጋዜጣ ዘ ሳን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት፡ ኣብ ዙርያ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዘለው ሕግታት ብምጽናዕ ነቲ ሕጊ ክትቅይሮ ከም እትደሊ ሓሳብ ኣቕሪባ።

ሕጋዊ ስደት "ጽቡቕ ነገር" ምዃኑን፡ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ "ወትሩ ኣብዚ መጺኦም ክሰርሑን ዝደልዩ ሰባት ትቕበሎም ነይራ" - እንተዀነ ስደተኛታት "ኣብ ሰፊሕ ማሕበረሰብ ኣበርክቶ ክገብሩ" ከም ዘለዎም ገሊጹ።

መረጽቲ ኣብ ልዕሊ ሰልፊ ዕዮ ሕርቃን ኣለዎም። እቶም ካብ ህዝቢ ዝእከቡ ዘለው ዳህሳሳት ድማ፡ ሰልፊ ዕዮ ድሕሪ ሰልፊ ጽገና ምዃኑ እዮም ዘርእዩ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ን14 ዓመታት ዝጸንሐ ውድቀት ንምቕያር ልዕሊ 12 ኣዋርሕ ክወስድ'ዩ፡" ክብል ንመረጽቲ ተዛሪቡ።

"ኣብዚ ኮፍ ኢለ እዚ ዅሉ ኣብ ሓደ ህሞት ክቕየር ይኽእል እዩ ክብል ኣይክእልን እየ፤ ግዜ ክወስድ'ዩ... ክንገብሮ ዝግበኣና ንኽንገብር ቦታ ጥራይ እዩ ዘድልየኒ፡" ኢሉ።

ብዛዕባ ብድሆ መሪሕነት ዝምልከት ግምታት'ውን ይናፈስ እዩ ዘሎ። ኬር ስታርመር ግን፡ ዓባይ ብሪጣንያ "ቅድሚ ሕጂ ከም ሪፎርም ዝኣመሰለ ሓሳብ" ከም ዘየጋጠማ ብምግላጽ ዜጋታት ሓድነት ገይሮም "ንህላወ እዛ ሃገር፡" ክቃለሱ ጸዊዑ።

እቲ ጸገም ንስኻ ዲኻ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ "እዝነይ ኣይደፈንኩን። ቃልሲ ህይወትና ኣብ ቅድመና ኣሎ፡ ምኽንያቱ ንጽገናውያን ክንስዕሮ ስለ ዘለና፡ ክንስዕሮም ድማ ኣለና፡" ኢሉ።