ካብ ብሪጣንያ ናብ ፈረንሳ ዝተሰጐገ ኤርትራዊ፡ ናብ ሃገሩ ከይጥረዝ ይሰግእ

ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ብዝተሰማምዓኦ፡ "ሓደ ክኣቱ፡ ሓደ ይወጽእ፡" ዝብል ውጥን፡ ካብ ዓዲ-እንግሊዝ ናብ ፈረንሳ ዝተመልሰ ኤርትራዊ፡ ብሃውሪ ተመሪጹ ከም ዝተሰጐገ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ 'ዮናስ' ብዝብል ክጥቀስ ዝሓተተ መንእሰይ፡ ኣብ ዝተናውሐ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብሰንኪ እምነቱ ኣደራዕ ከይወርዶ ብምስጋእ ካብ ሃገሩ ክሃድም ከም ዝተገደደ ገሊጹ።

ዮናስ ብቤላሩስ፡ ፖላንድን ፈረንሳን ኣቢሉ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝተጓዕዘ፣ ምስ ካልኦት 71 ሰባት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ ተሰቒሉ ንመትረብ እንግሊዝ ከም ዝሰገረን ገሊኦም ምስኡ ዝነበሩ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዕቝባ ከም ዝረኸቡን ገሊጹ።

ንኽስጐግ ብሃውሪ ከም ዝተመርጸ ከም ዝኣምን ዝገለጸ ዮናስ፡ ቅድሚ ናብ ፈረንሳ ብነፋሪት ምግዓዙ ንኽልተ ኣዋርሕ ከም ዝተኣስረ ሓቢሩ።

ንምንታይ ካብ ካልኦት ንሱ ተመሪጹ ክምለስ ከም ዝተገብረ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ኣይፈልጥን፣ እቲ እንኮ ምኽንያት 'ካብ ውሑስ ሃገር መጺእካ' ዝብል እዩ። ኣነ ጥራይ ግን ኣይኰንኩን - ክንደይ ሰባት ይሰግሩ ኣለዉ? 3,000፡ 4,000 [ኣብ ወርሒ]?" ክብል ተመሊሱ ይሓትት።

ሕጂ ንግዜኡ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ማእከል ስደተኛታት ዝነብር ዘሎ ዮናስ፡ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ኤርትራ ክጥረዝ ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ እኳ እንተዀነ፡ እንተ ተመሊሱ ግን ከይእሰር ስግኣት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ሓምለ ዝተኣወጀ ውጥን፡ ሰባት ንመትረብ እንግሊዝ ከይሰግሩ ንምዕጋትን ስደተኛታት ኣብታ ኣህጉር ሕቶ ዕቝባ ከቕርቡ ንምትብባዕን ዝዓለመ እዩ።

ዛጊት 23 ሰባት ናብ ፈረንሳ ተመሊሶም ኣለዉ።

ብመሰረት እቲ ውዕል፡ ፈረንሳ ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተጓዕዙን ሕቶ ዕቝባኦም ዝተነጽገን ስደተኛታት ክትቅበሎም ተሰማሚዓ።

ከም ኣምሳያኡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነቲ መትረብ ክሰግር ዘይፈተነ ከም ስደተኛ ከለላ ዘድልዮ ካብ ፈረንሳ ክትቅበል እያ።

ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ 16 ሰባት ብሓንቲ በረራ ብሰንበት ናብ ፈረንሳ ከም ዝተጓዓዙን በዚ ውጥን ካብ ዝተሳለጡ ምምላሳት እቲ ዝዓበየ ምዃኑን ገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት፡ መትረብ እንግሊዝ ንምስጋር ዝተገብረ ፈተነታት ካብቲ ኣብ 2024 ዝተመዝገበ 36,816 ንላዕሊ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ሓደ ዓመት ክብረወሰን ዝሓዘ ቍጽሪ ሰገርቲ ኣብ 2022 ዝተመዝገበ ኰይኑ፡ 45,755 ይበጽሕ። እቲ ሎሚ ዓመት ተመዝጊቡ ዘሎ ድማ ነዚ ቍጽሪ ተቓሪቡዎ ኣሎ።

ኣሃዛት ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ካብ ዝሓለፋ 7 መዓልታት ኣብ ሽዱሽተ መዓልታት ዝሰገሩ ከም ዘይነበሩ የመልክት።

ካብ ሃገራት ዓለም ብብዝሒ በዚ መትረብ ዝሰግሩ ዜጋታት ክሳዕ ሰነ 2025 ኣብ ዝተመዝገበ ጸብጻብ ኣፍጋናውያን ቀዳሞት ክዀኑ እንከለዉ፡ ኤርትራውያን ድማ ብ5,975 ካልኣይ ደረጃ ሒዞም ኣለዉ።

ኢራናውያን፡ ሶርያውያን፡ ሱዳናውያንን ቬትናማውያንን ብቕደም ተኸተል ይስዕቡዎም።