እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ 2025፡ መንግስታት ይቕየሩ ኣለው፤ ጕዕዞ ስደት ከመይ ክመስል'ዩ?
ዓመታዊ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርአ ስደት ብቐጻሊ ይወስኽ እዩ ዘሎ። ሰባት ከኣ ኣብ መጻኢ ስደት ከቋርጹ ድዮም ዝብል ዝዀነ ዘመላኽት ነገር የለን።
እዚ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ሓያሎ ብድሆታት ከጋጥሞ ተራእዩ ኣሎ።
ዶናልድ ትራምፕ ብ2016 [ኣ.ኤ] ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ከባቢ ዶባት ሃገሩ "መንደቕ" ክሃንጽ እየ ምባሉ ይዝከር።
ብሪጣኒያ'ውን ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጺኣ።
እዚ ድማ ኣብ መንጐ ብሪጣኒያን ሕብረት ኤውሮጳን ዝነበረ ናጻ ምንቅስቓስ ሰባት ክቋረጽ ገይሩ።
ለበዳ ኮረናቫይረስ ተኸሲቱ፤ ጕዕዞታት ተሰናኺሎም።
ዓመተ 2025 ድማ እቶም ካብ ሃገሮም ወጻእ ክስደቱ ዝሓስቡ ዘለው ሰባት ብኣገደስቲ ፖለቲካዊ ለውጢታት ብድሆ ከጋጥሞም ከም ዝዀነ ይእመን።
ኣብ ኣመሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ይመጽእ ኣሎ፤ ጀርመን ከኣ ኣብ መጻኢ ወርሒ ለካቲት መረጻ ክተካይድ እያ።
እዚ መረጻ፡ እቶም ፖሊሲታት ስደት ክጸንዕ ዝደልዩ ዘለው ፖለቲካዊ ሰልፊታት ክዕወትሉ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ሕጂ ዓለማዊ ኵነታት ስደት ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣሎ?
ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ስደተኛታት ብቐጻሊ እናወሰኸ መጺኡ'ሎ።
ይኹን'ምበር፡ ምስ ዓለማዊ ህዝቢ ክነጻጸር እንከሎ፡ ናብ ካልእ ሃገር ዝግዕዙ ሰባት ብተዛማዲ ውሑድ እዩ።
"25 ዓመታት ዝወሰደ መረዳእታ ስደት፡ ከምኡ'ውን መረዳእታ መዐቀኒ ሰብኣዊ ምዕባለ ርኢና ኢና፤ ምስ ግዜ ድማ ኣብ ምዕባይ ካብ ዝርከባ ሃገራት ዝመጽኡ ሰባት ናብ ማእከላይን ልዑልን እቶት ዘለወን ሃገራት ክስደዱ ኣጸጋሚ ምዃኑ ርኢና ኢና" ትብል ሓላፊት ክፍሊ ምርምርን ሕትመትን ስደት ዓለምለኻዊ ትካል ስደት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ማሪ ማክኦሊፍ።
ንሳ ወሲኻ፡ ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ ልዑል ስደት ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ "ኣዝዩ ንጹር ኵነታት'ዩ ዘርእይ፤ ስሩዕ መገድታት ስደት ኣጸጋሚ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። መብዛሕትኡ ዓለምለኻዊ ስደት ኣብ መንጐ ሃብታማት ሃገራት'ዩ ዘሎ። እዚ ማለት ካብ ሓንቲ ሃብታም ሃገር ናብ ካልእ ሃብታም ሃገር'ዩ ዘሎ" ኢላ።
ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢኮዋስን መርኮሱርን (ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ዝሓዘ ጕጅለ) ዝኣመሰሉ ነጻ ናይ ምንቅስቓስ ስምምዓት ኣብ ዘለወን ዞባታት ስደት ዝለዓለ ምዃኑ ትዛረብ።
ብተወሳኺ፡ ካብ ደቡብ ኤስያ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝወስድ ዓቢ ናይ ስደት መስመር ከም ዘሎ ሓቢራ።
ብ2022፡ ኣብ ዓለም ኣስታት ሸውዓተ ሚሊዮን ዓለምለኻዊ ተመሃሮ ነይሮም
እዚ ኣብ ውሽጢ ትሕቲ ሰላሳ ዓመታት ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ'ዩ ኰይኑ።
ኣብ ሶርያ ዝነበረ ስርዓት ዓሳድ፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚሊዮን ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ካልኦት ሃገራት ክነብሩ ምኽንያት ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።
ስርዓት ኣሳድ ምስ ተኣልየ ኣብ ዝነበራ ናይ መጀመርታ መዓልቲታት፡ ኣብ ዶብ ቱርኪ ሓያሎ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ሶርያውያን ነዊሕ ሪጋታት ሒዞም ተራእዮም።
እንተዀነ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝህሉ ኵነታት ጸጥታን ብኸመይ'ያ ክትመሓደር ዝብልን ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ቀጻሊ ድዩ ዝብል ምግማት ኣጸጋሚ እዩ።
ምምጻእ ትራምፕ ንመደባት ስደት ብኸመይ ክጸልዎ'ዩ?
ስደት፡ ንዶናልድ ትራምፕን መሪሕነቱን ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ እዩ።
ኣመሪካ ኣብ ዓለምና ዝበዝሐ ስደተኛታት ዝኸዱላ ሃገር ኰይና፡ እዚ ጕዳይ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ 2016 ዓ.ም ትራምፕ ብዓብይኡ ዝሰርሓሉ ነይሩ።
"ሓጹር መንደቕ ንህነጽ" ዝብል ሓሳብ ኣብ ጐስጓሳት መረጻ ትራምፕ ብቐጻሊ ዝስማዕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ዘይሕጋዊ ስደት ንምዕጋት ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ክሃንጾ ዝተመጻብዖ ምንባሩ ይዝከር።
ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ነዚ ከዐውቶ እኳ እንተዘይክኣለ፡ ካልኦት ኣብ ስደት ጭቡጥ ጽልዋ ዘሕደሩ ስጕምቲታት ወሲዱ'ዩ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ 2017 ፕረዚደንት ምስ ኰነ ካብ ዝሰርሖም ቀዳሞት ነገራት ሓደ፡ ካብ ሸውዓተ (ኢራን፡ ዒራቕ፡ ሊብያ፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ ሶርያን የመንን) ዝበዝሑ ኣስላም ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዝመጽኡ ሰባት ናይ መገሻ እገዳ ኣውጺኡ።
እዚ ፖሊሲ "እገዳ ኣስላም" ተባሂሉ ይጽዋዕ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣብቲ እዋን፡ ናብ ኣመሪካ ኣብ በረራታት ዝነበሩ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዜጋታት እዘን ሃገራት፡ በረራታቶም ኣብ ኣመሪካ ምስ በጽሐ ተኣሲሮም'ዮም።
ካልእ ፖሊሲ ድማ ነቲ ኣመሪካ ብዓመታዊ ዕጫ ሎተሪ (ዲቪ) ኣቢላ ኣብ ኣመሪካ ናይ ምንባርን ምስራሕን መሰል እትህቦ ፕሮግራም ምስራዝ እዩ ነይሩ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 "ዕዳጋ ስራሕ ኣመሪካ ንምሕላው" ዝዓለመ'ዩ ብምባል ነዚ መስርሕ ደው ከብሎ ወሲኑ።
እዚ ድማ፡ ኣብ ህይወት ናይቶም ሓድሽ ናብራ ንምጅማር ዝዳለዉ ዝነበሩ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተዓወትቲ እቲ ዕጫ ሎተሪ ጽልዋ ኣሕዲሩ።
"ኣብ 2019 ተመዝጊበ፤ ውጽኢት ከኣ ኣብ ሰነ 2020 ተኣዊጁ- ከም ዝተዓወትኩ ድማ ርእየ" ትብል ጓል 27 ዓመት ካብ ቱርኪ ዝመጽአት ኢርማክ (ትኽክለኛ ስማ ኣይኰነን)።
"ከም መጠን ኣብ ክልቲኡ ጾታ ዘሎን ብሃይማኖት ዘይኣምን ሰብን ድማ ኣብ ቱርኪ ድሕነት ኣይስምዓንን። ብዛዕባ ኣመሪካ ዝፈትዎ ነገር እንተሃልዩ፡ ብሕታውነትኻ ዝኽበረሉ ቦታ ምዃኑ'ዩ። ኣብኡ ህይወት ክቐለለይ'ዩ ኢለ ሓሲበ ነይረ" ኢላ።
ጕዕዞኣ ምስ ተኸልከለ፡ ኢርማክ ምስ ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ዝነበሩ ሰባት ሕጋዊ ክትዕ ጀሚራ፤ ቤት ፍርዲ ውድቂ ስለ ዝገበሮ ግን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ኣመሪካ ናይ ምግዓዝ ዕድሎም ስኢኖም።
ምምሕዳር ትራምፕ ብተወሳኺ፡ ከም ስጕምቲ ህዝባዊ ጥዕና ተባሂሉ ዝተዳለወ ኣካታዒ ሕጊ ብምጥቃስ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ ስደተኛታት - ሓተትቲ ዑቕባ ሓዊሱ - ኣብ ዶብ ብቕልጡፍ ክሰጕዎም ዘኽእሎም መስርሓት ኣተኣታትዩ እዩ።
እዚ ተግባራዊ ካብ ዝዀነሉ ግዜ ኣትሒዙ ክሳብ ጥሪ 2021፡ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ተኣሲሮምን ተሰጒጐምን።
ካብ ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ እንታይ ክንጽበ?
ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዘካየዶ ጐስጓስ መረጻ ካብ ዝኣተውዎ መብጽዓታት ሓደ፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብጃምላ ምስጓጉ እዩ።
"እዚ ብዛዕባ ዋጋ ዘንቢል ናይ ምውሳን ሕቶ ኣይኰነን። ብሓቂ፡ ኣማራጺ የብልናን" ዝበለ ትራምፕ፡ እዚ ፕሮጀክት ንምፍጻም ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ንምጥቃም ሃገራዊ ህጹጽ እዋን ክእውጅ መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ትራምፕ ምክትል ፕረዚደንት ገይሩ ዝመረጾ ጄዲ ቫንስ፡ እቲ ምስጓግ ብሓደ ሚልዮን ሰባት "ክጅምር" ከም ዝኽእል እኳ እንተገለጸ፡ እዚ ተግባራዊ ክኸውን ድዩ ኣይከኣልን ዝብል ግን ክኢላታት ዕቃበታቶም ይገልጹ።
ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ቁጽሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣመሪካ ዝእሰሩ ሰባት ምስጓግ ትሕቲ 100 ሽሕ ሰባት ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።
"ነዚ ንምዕባይ - ኣብ ሓደ ዓመት ሓደ ሚልዮን ንምብጻሕ- ሰፊሕ ጸጋታት ክሓትት'ዩ" ክብል ዳይረክተር ፖሊሲ ቤት ምኽሪ ኢሚግሬሽን ኣሜሪካ ኣሮን ራይክሊን-መልኒክ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ክኢላታት ከም ዝግምትዎ፡ እቲ ሓደ ሚልዮንን ልዕሊኡን ምስጓግ ዓሰርተታት ወይ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላር ክሓትት ይኽእል። ።
ብተወሳኺ ስርዓት ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን ከምዚ ዝበለ ብዝሒ ቁጽሪ ከሰላስል ስለ ዘይክእል ዝዀነ መደብ ጃምላዊ ምስጓግ ሕጋዊ ብድሆታት ከጋጥሞ ተኽእሎ ኣሎ።
ትራምፕ ሕጋዊ ስደት ንምንካይ ዝውሰዱ ስጉምትታት ኣብ ምትግባር ዝያዳ ክዕወት ይኽእል እዩ።
እዚ ማለት፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ተዓወትቲ ዕጫ ሎተሪ (ዲቪ) ዝወሰዶ ስጕምቲ ማለት'ዩ።
ድሕሪ መረጻ ጀርመን እንታይ'ዩ ክመጽእ?
እታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ስደተኛታት ዝኸዱላ ሃገር ዝዀነት ጀርመን፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ለካቲት 2025 ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ምርጫ ሓድሽ መንግስቲ ክህልዋ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እታ ሃገር ንዕዮ እትደልዮም ሰባት ንምምልማል ስደተኛታት ክትቕበል ጸኒሓ'ያ።
እንተዀነ ጸረ ኢሚግሬሽን ዝዀኑ የማናውያን ሰልፊታት ናብ ስልጣን እንተመጺኦም እዚ ክቕየር ይኽእል ድዩ?
እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ንምግታሕ ገለ ሕግታት ኢሚግሬሽን ገይሩ ጸኒሑ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኦላፍ ሾልዝ ዝመርሖ ሶሻል ዲሞክራስያዊ ሰልፊ፡ ክርስትያን ዲሞክራትስ (DCU/CSU)ን ሓደ ካብ ሓሙሽተ ሰባት እታ ሃገር ደገፍ ዘለዎ ሕሉፍ የማናዊን (AfD) ስዒቡ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እዩ ዝርከብ።
"ሰልፊታት ጀርመን፡ ዘይስሩዕ ስደት ከቢድ ምግባር ኣካል ናይቲ ዘካይዱዎ ጐስጓስ መረጻ ገይሮምዎ ኣለው፤ ብፍላይ መሪሕ ሰልፊ ሲዲዩ/ሲኤስዩ።
እንተዀነ ሕሉፍ የማናዊን (AfD) ሕሉፍ ጸጋማዊን (BSW) ሰልፊታት'ውን ተመሳሳሊ እዮም ዝኽተሉ ዘለው" ትብል ሓላፊት ርክባት ማእከል ስደት ቤት ምኽሪ ጀርመን ቪክቶርያ ሪቲግ።
ዋላ'ኳ ሰልፍታት ጀርመን ብሰንኪ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ንስሩዕ ስደት ዝነቕፋ ውሑዳት እንተዀኑ፡ ካብ ዓሰርተ ሰባት ኣስታት ሽዱሽተ ነዘን ሰለስተ ውድባት ይድግፉ ኣለው።
እዚ ድማ "ፖለቲካዊ ሃዋህው እታ ሃገር ድሕሪ ምርጫ ለካቲት ክቕየር'ዩ፤ ጀርመን ከኣ ናብ ሓድሽን ጽኑዕን ፖሊሲታት ስደት ክትኣቱ'ያ። ብክርስትያን ዲሞክራት ዝምራሕ ድማ መንግስቲ ክኸውን ተኽእሎታት ኣሎ" ኢላ።
ካልኦት ሃገራት
ኣብቲ ዝመጽእ ዓመት ናብ ጀርመን ወይ ኣመሪካ ዝግበር ስደት ዝያዳ ክተሓላለኽ ይኽእል'ዩ።
ካልኦት ስደተኛታት ክኸዱለን ዝኽእላ ሃገራት ግን ተወሳኺ ማሕለኻታት ክገብራ እየ ዝብል ተኽእሎ የለን።
ኣብ ትሕቲ ከም ሕብረት ኤውሮጳን ኢኮዋስን ዝግበር ስደት፡ ከምኡ'ውን ካብ ደቡብ ኤስያ ናብ ወሽመጥ ዝግበር ጕዕዞ ኣይቋረጽን።
"እቲ ካብ ደቡብ ኤስያ ናብ ወሽመጥ ዓረብ ዝወስድ ዓብዪ መስመር፡ ድልየት ሰራሕተኛታት ስለ ዘሎ ክቕጽል'ዩ። ብዙሓት ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ይደልያ እየን" ትብል ማሪ።
ስለዚ ዝዀነ ዓብዪ ለውጢ ኣይርእን።