እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ እንተተሳዒሩ ካልእ ውድድር ከምዘይረኣዮ ኣሚቱ
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብዚ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዝደንታዊ መረጻ ኣመሪካ እንተ ተሳዒሩ ኣብ 2028 ዳግማይ ከም ዘይወዳደር ገሊጹ።
ወዲ 78 ዓመት ትራምፕ፡ ኣብ ሰለስተ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ሕጹይ ሪፓብሊካን ኰይኑ ዝቐረበ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ንቅርጺ እቲ ሰልፊ ኣዝዩ ቀይርዎ እዩ።
ምስ ማዕከን ሓበሬታ ሲንክለይር ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ኣብዚ መረጻ በታ ንዲሞክራት ወኪላ ትወዳደር ዘላ ምክትል ፕረዚደንት ካምላ ሃሪስ እንተ ተሳዒሩ መሊሱ ክወዳደር እንተዀይኑ ተሓቲቱ፡ ትራምፕ “ኣይፋሉን... ዘብቅዕ እምስለኒ። ንሱ (ንኻልእ ውድድር) ኣይረኣየንን ” ክብል ምላሽ ሂቡ።
ትራምፕ ወሲኹ፡ “ከም እንዕወት ኣመና ትስፉው እየ” ኢሉ።
ሕጊ መንግስቲ ኣመሪካ ፕረዚደንታት ልዕሊ ክልተ እብረ ከየገልግሉ ዝድንግግ እዩ። ትራምፕ ኣብዚ ናይ ሕጂ መረጻ እንተተዓዊቱ እውን፡ ኣብ 2028 ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ትጽቢት ኣይግበርን።
እቲ ኣመና ሃብታም ሪልስቴት ዝዀነ ዶናልድ ትራምፕ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መረጻ ክሰዓር ከም ዝኽእል ሳሕቲ እዩ ዝዛረብ ነይሩ። በዚ ድማ ኣብ መረጻ ዓወት ከም ዝጽንበል ኣብ መደረታቱን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝዝርግሖም ጽሑፋትን ብምግላጽ ንደገፍቱ ከለዓዕል ጸኒሑ እዩ።
ይዅን’ምበር ትራምፕ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ንካልኣይ እዋን እዩ፡ ስዕረት ከጋጥም ከም ዝኽእል ገሊጹ ዘሎ።
ብሓሙስ ብካውንስል እስራኤል-ኣመሪካውያን ኣብ ዝተዳለወ መደብ፡ ስዕረት ከጋጥም ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ ንዘጋጥም ስዕረት ግን ብግጉይ ድምጺ ኣይሁዳውያን ከም ዝኸውን ተዛሪቡ።
“ኣብዚ መረጻ እንተድኣ ዘይተዓዊተ እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ይፈልጡ ድዮም? እዚ (ስዕረት) እንተድኣ ኣጋጢሙ ኣይሁዳውያን ብዙሕ ክሰርሑ ምተገበኦም፤ ምኽንያቱ 40 ሚእታዊት (ደገፍ) ማለት፤ 60 ሚእታዊት ንጸላኢ ይመርጹ ኣለዉ ማለት እዩ” ከም ዝበለ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እዚ ርእይቶ ትራምፕ፡ ብጐስጓስ መነሓንሕቱ ካምላ ሃሪስ፡ ብኢሻራዊ ኮሚቴ ኣይሁድ-ኣመሪካውያንን ብሊግ ጸረ-ጸለመን ተዀኒኑ’ዩ።
ዶናልድ ትራምፕ ስዕረት ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ምሃቡ፡ ጆ ባይደን ካብቲ መረጻ ከንሳሕብ ድሕሪ ምውሳኑን ካምላ ሃሪስ ሕጽይቲ ኰይና ድሕሪ ምቕራባን፡ ተስፋ ውድብ ዲሞክራትስ ከም ዝተለወጠ ዘንጸባርቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ካምላ ሃሪስ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ዘካየደቶ ጐስጓስ 190 ሚልዮን ዶላር ዝተኣከበ ክኸውን እንከሎ፡ ጐስጓስ ትራምፕን መሻርኽቲ ትካላትን ድማ 130 ሚልዮን ዶላር እዮም ኣዋህሊሎም።