እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ዳግማይ ፈተነ ቅትለት ተኻይዱሉ - 'ፍጹም ኢደይ ኣይህብን'
ዳግማይ ፈተነ ቅትለት ዘጋጠሞ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ “ኣብ ውሑስ ቦታ” ከም ዝርከብን “ጥርጡር” ኣብ ማእሰርቲ ከም ዘሎን ሰብመዚ ኣመሪካ ኣረጋጊጾም።
ትራምፕ፡ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ ኣብ ሜዳ መጻወቲ ጎልፍ እንከሎ እዩ፡ እዚ ፈተነ ቅትለት ተኻይዱሉ።
ሻምበቆ ጠበንጃ ኣብ ቈጣቝጢ ክንቀሳቐስ ዝረኣዩ ኣካላት ኣገልግሎት ጸጥታ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጡቕ ተዅሲ ከም ዝኸፈቱ ሰብመዚ ሓቢሮም።
ኤፍቢኣይ ብወገኑ፡ ትራምፕ ካብቲ ዕጡቕ ካብ 275 ክሳብ 455 ሜትር ርሕቐት ከም ዝነበረ ገሊጹ።
ድሒሩ፡ ኤኬ47 ክላሽን፡ ክሻፋ፡ ክልተ ዝሕንገጡ ሳናጡን ‘ጎፕሮ’ ካሜራን ኣብቲ ቦታ ከም ዝተረኸበ ፖሊስ ሓቢሩ።
ሓደ ምስክር ዓይኒ፡ ኣካላት ጸጥታ ብተደጋጋሚ ምስ ተኰሱ፡ እቲ ጥርጡር ካብቲ ቈጣቝጢ ብምጉያይ ናብ ጸላም ኒሳን ዝዓይነታ መኪና ክዘልል ከም ዝረኣየ ተዛሪቡ።
እቲ ምስክር ዓይኒ፡ ምስልን ቍጽሪ ሰሌዳን እታ መኪና ዝሰኣለ ኰይኑ፡ ድሒሩ እታ መኪና ማርቲን ካውንቲ ኣብ ዝተበሃለ ሜዳ ጎልፍ ተረኺባ።
ሓለቓ ፖሊስ ግዝኣት ፓልም ቢች ሪክ ብራድሻው፡ ንቤት-ጽሕፈት ፖሊስ ግዝኣት ማርቲን ብዝሃብዎ መጠንቀቕታ መሰረት፡ እቲ ጥርጡር ኣብ መኪናኡ እንከሎ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓለ ሓቢሩ።
“ነታ መኪና ብምንጻር ነቲ ጥርጡር ጐቲቶም ብምውጻእ ኣሲረሞ። ብድሕሪኡ ነቲ ምስክር ዓይኒ ናብኡ ወሲድናዮ። ንሱ ድማ፡ እቲ ካብ ቈጣቝጢ ብምጉያይ ናብ መኪና ክዘልል ዝረኣዮ ሰብ ምዃኑ ኣለልዩ” ኢሉ።
ዶናልድ ትራምፕ ናብ ደገፍቱ ኣብ ዝጸሓፎ ኢመይል፡ “ውሑስን ደሓንን” ከም ዝዀነ ገሊጹ።
“ዝዀነ ነገር ኣይክሕልለንን’የ፤ ፍጹም ኢደይ ኣይህብን!” ኢሉ።
እዚ ዳግማይ ፈተነ ቅትለት፡ ድሕሪ እቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ባትለር ፐንሲልቬንያ ጐስጓስ ፕረዝደንታዊ መረጻ የካይደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተገበረ ፈተነ ቅትለት ድሕሪ ክልተ ወርሒ እዩ ተፈጺሙ ዘሎ። ሽዑ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ካብ ዝተተኮሱ ጠያይት እታ ሓንቲ ንላዕለዋይ ክፋል የማናይ እዝኑ ከም ዝወቅዓቶ ይፍለጥ።
ኣገልግሎት ጸጥታ፡ ብሰንበት ሰዓት 8፡00 [እቲ ከባቢ] ምስ ትራምፕ ብዝዛመድ ንዘጋጠመ ክስተት ይምርምሮ ከም ዘሎ ብመገዲ ኤክስ ሓቢሩ።
ድሕሪ'ዚ ፍጻመ እቲ ኣብ ግዝኣት ፍሎሪዳ ዝርከብ ማር-ኣ-ላጎ ዝበሃል ገዚፍ መንበሪ ገዛ ትራምፕ፡ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ሜዳ ጐልፍን መንገድታት እቲ ከባብን ዝተዓጸዉ ኰይኖም፡ ኣካላት ፀጥታ ብብዝሒ ተዋፊሮም ይርከቡ።
ማዕከናት ዜና ኣመሪካ እቲ ጥርጡር ነባሪ ግዝኣት ሁዋይ ወዲ 58 ዓመት ራያን ወስሊ ራውዝ ከም ዝዀነ ኣቃሊሐን።
ቢቢሲ ቬሪፋይ ንማሕበራዊ ሚድያ እዚ ውልቀሰብ ኣብ ዝገበሮ መርመራ፡ ዜጋታት ወጻኢ ናብ ዩክረይን ብምኻድ ኣንጻር ሓይልታት ሩስያ ክዋግኡ ይጽሕፍ ነይሩ።
ራያን ኣብ ኖርዝ ካሮላይና ኣብ ዝነበረሉ ካብ 2002 ክሳብ 2010 ኣብ ዘሎ እዋን ዝተፈላለዩ ገበናት ይፍጽም ከም ዝነበረ፡ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።
እቲ ጥርጡር ብሕቡእ ኣጽዋር ብምእታው፡ ኣይእሰርን ኢሉ ብምባል፡ ብሞተር ሳይክል ሓደጋ ፈጺሙ ብምህዳምን ዝተሰረቐ ንብረት ሒዙ ብምርካብን ገበነኛ ተባሂሉ ይፈልጥ እዩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ምክትሉ ካምላ ሃሪስን ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት መብርሂ ከም ዝሃቡ ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ።
ጆ ባይደን፡ “እቲ ፕረዚደንት ነበር ጉድኣት ስለ ዘይወረዶ ቀሲነ’የ” ኢሉ።
እታ ንፕረዚደንትነት ምስ ትራምፕ ከቢድ ንሕንሕ ዘላ ካምላ ሃሪስ ድማ፡ “ፖለቲካዊ ናዕቢ ኣዝየ እዅንን። ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ብዝተገብረ ፈተነ ቅትለት ኣመና እሓዝን" ኢላ።