ሓደጋ 277 ሰባት ዘሳፈረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ

ሓደጋ ዘጋጠማ መርከብ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

ሓንቲ ገዛፍ፡ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሜክሲኮ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ምስ ድልድል ብሩክሊን ብምግጫዋ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብውሕዱ 19 ሰባት ድማ ቆሲሎም።

ከንቲባ እታ ከተማ ኤሪክ ኣዳምስ፡ እታ 'ኳውተሞክ' ብዝብል እትፍለጥ መርከብ፡ ቅድሚ እቲ ትማሊ ቀዳም ምሸት ዝበጽሓ ሓደጋ፡ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመዘጋጠማ ገሊጹ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ኣብታ ናይ ደስደስ ጉዕዞ እትገብር ዝነበረት ናይ ልምምድ መርከብ፡ 277 ሰባት ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ቀዳም ምሸት ብትሕቲ እቲ ፍሉጥ ድልድል ኣብ እትሓልፈሉ ዝነበረት እዋን፡ እቶም ነዋሕቲ ጫፋት [ዓንድታት] እታ መርከብ፡ ነቲ ድልድል ጨሪፉ ክሓልፍ የርኢ።

ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ኣብ ላዕሊ ደው ኢሎም ከምዝነበሩን ኩሎም ድማ ናብ ባይታ'ታ መርከብ ከምዝወደቑን ሰብመዚ ገሊጾም።

ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ኤሪክ ኣዳምስ ኣብ X ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ፡ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 19 ድማ ቆሲሎም፡ ካብዚኦም እቶም ክልተ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዘለዉ ገሊጹ።

ብድምር 277 ሰባት ኣብታ መርከብ ነይሮም።

ድልድል ብሩክሊን ዝኾነ ዓቢ ጉድኣት ስለዘይበጽሖ፡ ድሕሪ መባእታዊ መርመራ ዳግማይ ተኸፊቱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፖሊስ፡ "መካኒካዊ ጉዳያት" ከምኡ'ውን ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ እታ መርከብ ምስ ሓደ ካብ ኣዕኑድ ናይቲ ድልድል ክትጋጮ ምኽንያት ከምዝኾነ ከምዝኣምኑ ገሊጹ።

ሓለዋ ባሕሪ ኒውዮርክ፡ እታ መርከብ ሰለስቲአን ዓንድታታ ከም ዝሰኣነትን፡ ኩሎም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ኣባላት ድማ ከም ዝተቘፅሩን ገሊፆም።

ንሳቶም ከምዝብሉዎ፡ ናብ ባሕሪ ዝጠለቐ [ዝጠሓለ] ሰብ ኣይነበረን።

እቶም ኣዕምዲ ምስቲ ድልድል ኣብ ዝተጋጨውሉ እዋን፡ ብዙሓት ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ካብ ወሰን እቲ ማይ ክሃድሙ ተራእዮም።

"ኣብታ መርከብ ሓያል ስንባደ" ከምዝነበረ፡ ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉ ዝነበረ ነባሪ ብሩክሊን ኒክ ኮርሶ ገሊጹ።

ንሱ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ብዙሕ ኣውያት ይስማዕ ነይሩ፡ ገለ ባሕረኛታት ኣብቲ ቅርቅርቲ ተሰቒሎም ነይሮም" ኢሉ።

ካልእ ምስክር ኬልቪን ፍሎረስ ዝተባህለ፡ ነቲ ሓደጋ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ኣብ ስራሕ ከምዝነበረ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ናብ ጽርግያ ወጺኡ ምስ ረአየ፡ ብዙሕ "ዕግርግርን ብዙሕ ህውከትን" ከምዝንበረ፡ መጥፋእቲ ሓዊን ፖሊስን ናብቲ ቦታ ክበጽሑ ፈቲኖም ጽርግያታት ግን ብትራፊክ ተዓጽዮም ምንባሮም መስኪሩ።

"እቲ ሓደጋ ብዓይንኻ ምርኣይ ዘሰንብድ እዩ ነይሩ። ስትሬቸር ዝሓዙ ሰባት... ነቶም ዝተጎድኡ ከውጽኡ ይጽዕሩ ነይሮም።"

ፕረዚደንት ሜክሲኮ ክላውድያ ሸንባም በቲ ሓደጋ ክልተ ኣባላት እታ መርከብ ህይወቶም ብምስኣኖም ከምዘሕዘነት ገሊጻ።

መርከብ-ኳውተሞክ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ካብቲ ቦታ ተጎቲታ ክትርሕቕ ተገይራ።

እታ 297 ጫማ ንውሓት (91 ሜትሮ)ን 40 ጫማ (12 ሜትሮ) ስፍሓትን ዘለዋ መርከብ፡ ብመሰረት ሓይሊ ባሕሪ ሜክሲኮ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1982 እያ ስራሕ ጀሚራ።

እታ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ፡ ዓመት መጸ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ወተሃደራዊ ስልጠና ትጓዓዝ፡ ንተመረቕቲ ድማ ተዝናኒ።

ሎሚ ዓመት ብ6 ሚያዝያ ካብ ወደብ ኣካፑልኮ ሜክሲኮ ከምዝተበገሰት ሓይሊ ባሕሪ ገሊጹ። ናይ መወዳእታ መዕረፊኣ ኣይስላንድ ክኸውን እዩ ተወጢኑ ነይራ።

ቁመት እቶም ዓንድታት 45 ሜትሮ (147 ጫማ) ከምዝኾነ ብፃባት ይሕብሩ።

መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ መጓዓዝያ ኒውዮርክ፡ እቲ ድልድል 135 ጫማ ንውሓት ከም ዘለዎ ይግልፅ።