ቢቢሲ፡ 50 ሰባት ንዝሞቱዋ ጃልባ ንዘበገሰ ሰምሳሪ ዝገበሮ ስዉር ምክትታል

ኣብ ጥሪ፡ ሓንቲ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ን14 ኣጨናቕቲ መዓልታት ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ምጥፋኣ፡ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ሰሜን ኣፍሪቃ ድሒና ነይራ።
ኣብቲ ጕዕዞ ኣስታት 50 ሰባት ሞይቶም፣ ብዙሓት ድማ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ውሑስን ሕጋውን መንገዲ ምዃኑ ብኣሰጋገርቲ ሰባት ሓሶት ተነጊሩዎም።
ኣካል ምጥላል ሓበሬታ ቢቢሲ (BBC Verify) ንሓደ ካብዞም ኣሰጋገርቲ ሰባት ተጸናትዩ፡ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ዝሰርሖ ስራሕ ተዓዚቡ ኣሎ።
ኣብ ኖዋክቾት - ርእሰ ከተማ ሞሪታንያ - ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ቤት-መግቢ ሰለስተ ሰባት ኮፍ ኢሎም ኣብ ቪድዮ ይርኣዩ። ኣብቲ ዝወልዑዎ ቪድዮ ድማ ሙዚቃ ራፕ ፑንጃቢ ይስማዕ። በብተራ ናብ ካሜራ እናጠመቱ ፍሽኽ ክብሉ ጸኒሖም ግልጽ ኢሎም ናብ ዕላልን ወኻዕካዕታን ይምለሱ።
ሰለስተኦም ኣዕሩኽ ምዃኖም ብንጹር ይርአ። ሱፍያን ዓሊን ኣቲፍ ሻህዛድን ካብ ገጠራት ፓኪስታን ዝመጽኡ ደቂ ሓወቦታት እዮም።
ነቲ ወግዒ እምብዛ ዝዕብልሎ ዝነበረ ግን እቲ ሳልሳዮም ኰይኑ፡ ፋዲ ጉጃር ዝበሃል ሰምሳሪ (ኣሰጋገሪ ሰባት) እዩ።
እቲ ኣብ ናይ ጉጃር ቲክቶክ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሓደ ካብቶም ኣካል ምጥላል ሓበሬታ ቢቢሲ ዝረኣዮም ልዕሊ 450 ቪድዮታት እዩ። እዘን ቪድዮታት እዚኣተን፡ እንታይ ከም ዝገብርን ምስቶም ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ ዘለዎ ዝምድናን ፍንጪ ዝህባ እየን።
እዚ ቪድዮ ኣብ ኢንተርነት ካብ ዝዝርጋሕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዓሊን ሻህዛድን ሞይቶም - ኣብቲ ብጉጃር ዝተሳለጠሎም ናይ ጃልባ ጕዕዞ። ንሱ ብውሑስ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ከም ዝኣትዉ ቃል እኳ እንተ ኣተወሎም፡ ንሶም ግን ኣብ ማእከል ውቅያኖም ብኣሰጋገርቲ ተቐጥቂቶም እዮም ህይወቶም ስኢኖም።
ፈደራላዊ መርማሪ ፒኪስታን ኣብቲ መቕዘፍቲ ብዝተጻወቶ ተራ ንጉጃር እኳ እንተ ደለዮ፡ ንሱ ግን ሃዲሙ ክስወር ክኢሉ።
ኣካል ምጥላል ሓበሬታ ቢቢሲ ካብ ዝደሓኑ ሰባት ቍጽሪ ተለፎኑ ረኺቡ ምስ ደወለሉ፡ ጉጃር፡ እቶም ዝደሓኑ ሰባት ስሙ ምስቲ ዘጓነፈ መቕዘፍቲ ብምትእስሳር ከም ዝጠቀኑዎን ኵሉ ንኣምላኽ ከም ዝገድፎን ተዛሪቡ።
ፋዲ ጉጃር፡ እቲ ኣስጋሪ
ፓኪስታናዊ ፋዲ ጉጃር ካብ ዞባ ጃውራ ኰይኑ ኣብ 30ታት ዕድመኡ ይርከብ። ሓቀኛ ስሙ ካዋር ሓሰን እኳ እንተዀነ፡ ቢሺ ጉጃር ተባሂሉ'ውን ይጽዋዕ እዩ።
ቢቢሲ ኣቐዲሙ፡ ፓኪስታናውያን ሰምሰርቲ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ብጃህራ ኣብ ኢንተርነት ናይ ምዝራብ ዝንባለ ከም ዘለዎም ጸብጺቡ ነይሩ።
ጉጃር ግን ጥንቁቕ እዩ። ብደይ-መደይ ኣርትዖት ዝተገብረሎም ናይ ጕዕዞ ቪድዮታት ጥራሕ እዩ ኣብ ኢንተርነት ዘካፍል። መብዛሕትኦም እቶም ኣካል ምጥላል ሓበሬታ ቢቢሲ ከም ዓማዊሉ ዝረኸቦም ሰባት፡ ካብ ዞባ ጃውራ እዮም። ብዛዕባ እቲ ዝህቦ 'ኣገልግሎት' ካብኡ ዘይኰነ፡ ካብ ካልኦት ሰባት ዝሰምዑ ይመስሉ።
ናይ ፈይስቡክ መዝገቡ ኣብታ መዕረፊ ሰምሰርቲ ዝዀነት ኢስታንቡል ቱርኪ ከም ዘሎ እዩ ዘመልክት። እቶም ኣብ ቲክቶክ ዝለጠፎም ቪድዮታት'ውን ካብ ሓምለ 2022 ጀሚሩ ኣብታ ከተማ ከም ዝቕመጥ ይሕብር። እቲ ሰምሳሪ ኣብታ ፍልጥቲ ቦታ ሃግያ ፍያን ብፓኪስታናዊ እትውነን ስፐርማርኬትን ኰይኑ ዘርኢ እዩ።
ካልእ ኣገዳሲት ቦታ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣፍሪቃ እትርከብ ሞሪታንያ እያ። ቀንዲ መደበር ናይ ስርሒቱን ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላብኡ ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ዝጅምራሉን እዩ።
ካብ 2023 ጀሚሩ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM)፡ ሞሪታንያ ማእከል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኰይና ከም ዘላ ይገልጽ፣ እዚ ድማ ካልኦት መስመራት ስለ ዝተፈልጡ ከም ኣማራጺ ዝተፈጥረ እዩ።
እቲ መስመር ቀታሊ እዩ። ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ከም ዘመልክቶ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ፡ 14 ህጻናት ዝርከቡዎም 170 ሰባት ኣብኡ ሞይቶም ወይ ደሃዮም ጠፊኡ።
ብዙሓት ኣብ ኤውሮጳ ቍጠባዊ ዕድላት ዝደልዩ ፓኪስታናውያን ነቲ ሓደጋ ክወስዱ ድሉዋት እዮም። እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ህይወት በቶም ድሮ ናብታ ኣህጉር ዝሰገሩ ሰባት ተቐናጅዩ እዩ ዝቐርብ። ከም ብዓል ጉጃር ዝኣመሰሉ ድማ ነዚ ኵቱር ባህጊ ሰባት ከም መኻዕበቲ ሃብቶም ይጥቀምሉ።
እዞም ስደተኛታት ብህይወቶምን ናብራኦም እዮም ዝጣልዑ። ነቲ ጕዕዞ ንምፍጻም ካብ ስድራኦም ወይ ንብረት ሸይጦም እዮም ዝነቕሉ። ሓደ ካብ'ቶም ዝደሓኑ 13,000 ዶላር ከም ዝኸፈሉ ይገልጽ።
ካብ ፓኪስታን ናብ ሞሪታንያ ቀጥታዊ በረራ ስለ ዘየሎ፡ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ብኢትዮጵያ ወይ ብማእከላይ ምብራቕ ኣቢሎም እዮም ዝሰጋገሩ። ካብኡ ብጽርግያ ወይ ንፈለግ ሰኔጋል ብጃልባ ሰንጢቘም ናብ ሰኔጋል ይኣትዉ።
ኣካል ምጥላል ሓበሬታ ቢቢሲ ንሰነድ ጕዕዞ ጉጃር ተወኪሱ ከም ዘረጋገጾ፡ ንባዕሉ ተመሳሳሊ መንገዲ ከም ዝተኸተለ እዩ። ኣብ 2024 ክልተ ሳዕ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ዳካር ኣትዩ።
ብዙሓት ቪድዮታቱ ከኣ ካብ ጥቅምቲ 2024 ኣትሒዙ ኣብ ኖዋክቾት - ሞሪታንያ - ከም ዝቕመጥ የመልክቱ - ዋላ'ኳ እቲ ቪድዮ ዝተቐድሓሉን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ዝተሰቕለሉን ዕለት ዝፈላለ እንተዀነ።

ምንጪ ስእሊ, TikTok/Fadi Gujjar
ብዓሊን ሻህዛድን ኣብ ቲክቶክ ዝተኻፈሉ ተወሰኽቲ ቪድዮታት ከም ዘመልክቱዎ፡ ጉጃር ድሮ ኣብ ነሓሰ 2024 ኣብ ሞሪታንያ ከም ዝነበረ ይሕብሩ። ሰለስተኦም ኣብ ናሕሲ ናይ ሑጻዊ ህንጻታት ኖዋክቾት፡ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ኣብ ዝርከባ ቤት-መግቢ እናተመገቡ ይረኣዩ - ብዙሓት ካልኦት ስደተኛታት ከምዚ ምቾት ከስተማቕሩ ዓቕሚ የብሎምን።
እቶም ቪድዮታት ከም ዝሕብሩዎ፡ እቶም ሰባት ካብ ሓንቲ ዓዲ ዝመጽኡ መቕርብ እዮም። ሓወቦኦም ኣሕሳን ሻህዛድ ቻውድሪ፡ ወዲ ሓዉ ሱፍያን ዓሊ ምስ ጉጃር ዕርክነት ከም ዝነበሮ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ጥልመት መብጽዓ
ኡዛየር ባት ዝተባህለ ሓደ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ሰብ፡ ጉጃር ብውሑስን ሕጋውን መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ከም ዘእትዎ ቃል ከም ዝኣተወሉ ገሊጹ። በቲ ትኽክለኛ ስሙ ካዋር ሓሰን ዝብል ናብ ባንክ ሕሳቡ ዘሰጋገረሉ ገንዘብ ንመርትዖ ንቢቢሲ ልኢኹ።
ኡዛየር ናብ ሞሪታንያ ምስ በጽሐ ግን እቲ ኣሰጋጋሪ ቃሉ ዓጺፉ።
ካብዚ ብኣየር ምኻድ ኣይከኣልን እዩ ኢሉ፡ "ብዓባይ መርከብ ክሰደልካ እየ፡" ከም ዝበሎ ኡዛየር ይዝክር። "በጃኹም ተሓባበሩ፡ ቪዛኹም [ናብ ኤውሮጳ] ብእኡ ኣይመጽእን'ዩ፡" ኢሉዎም።
ኣብ መወዳእታ ኡዛየር ዕረፍቲ ረኸበ።
ቢቢሲ፡ ኦኣሊ፡ ሻህዛድን ዑዛየርን ዝተባህሉ ሰባት ንጕዕዞኦም ክብሉ ንጉጃር ከም ዝኸፈሉዎ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ኖዋክቾት ምስ በጽሑ ኣብ "ውሑስ ገዛውቲ" ከም ዝተቐመጡ ይዛረቡ። እቶም ገዛውቲ ብድሕሪ እቲ ህንጻታት ዝርከቡ ሕቡኣት ኰይኖም፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝጸንሑሎም እዮም።
ሓደ ዝተፈለየ ወኪል ዝጥቀም ሰብ፡ ብጉጃር ኣብ ዝመሓደር ውሑስ ገዛ ከም ዝሓድር ገሊጹ።
ቢቢሲ፡ ሓደ ቦታ ኣብ ጥቓ ወደብ ኖዋክቾት ከም ዝርከብ ኣረጋጊጹ። ሓደ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ሰብ፡ ጉጃር ሳሕቲ ናብቲ ቦታ ከም ዝበጽሕ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, TikTok/Fadi Gujjar
ጕዕዞ ብጃልባ
ሓደ ካብ ሞት ዝደሓነ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ብ2 ጥሪ ወጋሕታ ብንእሽቶ ጃልባ ናይ ገፈፍቲ ዓሳ ካብ ኖዋክቾት ከም ዝተበገሱ ሓቢሩ። መብዛሕትኦም እቶም ተጓዓዝቲ፡ ኣብ ፓኪስታን ንዝርከቡ ኣሰጋገርቲ ገንዘብ ከፊሎም ዝመጽኡ እዮም።
እንተዀነ፡ እቲ ናይ ሳልስቲ ጕዕዞ ዝተባህሎም፡ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ናይ ክልተ ሰሙን ጕዕዞ እዩ ተቐዪሩ።
ኡዛይር፡ እቶም ስደተኛታት ካብታ ፋልመይቲ መዓልቲ ጀሚሮም ካብታ ጃልባ ማይ እናገሓጡ ከውጽኡ ከም ዝጀመሩ ይዛረብ። ቢላዋል ኢክባል ዝተባህለ ካልእ ሰብኣይ ድማ ሰባት ማይ ባሕሪ ክሰትዩ ከም ዝጀመሩ፣ ኣብ ምርባሽ ከም ዝወደቑን ከም ዝሓመሙን ይገልጽ።
እቶም ዝደሓኑ ሰባት ከም ዝበሉዎ፡ እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት - በቶም ኣሰጋገርቲ ዝተቘጽሩ ደቂ ምዕራብ ኣፍሪቃ - ነቶም ፓኪስታናውያን ስደተኛታት መግብን ማይን ብምኽላእ፡ ከም ዘጽምኡዎምን ዘጥመዩዎምን መዓልታዊ ይሃርምዎም ምንባሮም እዩ።
ዕቕባል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሓንቲ ካብ ጥርሙዝ ማዮም ክወስድ ስለ ዝፈተንኩ ብገመድ ኣብ ርእሰይ ስለ ዝወቕዑኒ ንድሕሪ ወዲቐ፡" ኢሉ። "ቀጺሎም ኣጻብዕተይ ብማርቴሎ ገይሮም ሃሪሞምኒ። ክሳዕ ሕጂ ቍስሊ ኣለኒ።"
ሱፍያን ዓሊን ኣቲፍ ሻህዛድን በቶም ሰባት ተቐጥቂጦም ከም ዝሞቱ፡ እቲ ዘጋጠሞም ካብቶም ዝደሓኑ ሰባት ከም ዝተሓበሮ ሓወቦኦም ገሊጹ።
ካልኦት ድማ ብጥሜት፡ ጽምኢ ማይን ቀዝሕን ሞይቶም።

እቶም ሻቡ ብህይወት ዝጸንሑ - እቶም ሰራሕተኛታት'ውን ንባዕሎም - ኣዝያ ዓባይ መርከብ ብቕድሚኦም ናብኦም ገጻ ክትመጽእ ክሳዕ ዝርእዩ ተስፋ ቈሪጾም ነይሮም። ኡዛየር ናብ ውቅያኖስ ዘሊሉ ሓገዝ ንምርካብ ናብታ መርከብ ገጹ ሓምበሰ።
እቶም ሓለዋ ባሕሪ ናብ ወደብ ዳክላ ወሲዶሞም። ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ኣብታ መርከብ 15 ሬሳታት ክርከቡ ከለዉ፡ 35 ሰባት ድማ ኣብቲ ባሕሪ ደሃዮም ከም ዝጠፍአ ገሊጹ።
ሰብመዚ ፓኪስታን ንጉጃር ሓደ ካብቶም ኣብቲ ትራጀዲ ዝተሳተፉ ዓሰርተ ኣሰጋገርቲ ምዃኑ ረቚሖሞ ኣለዉ። ገሊኦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ከለዉ፡ ጉጃር ግን ገና ኣይተኣስረን።
ኣካል ምጥላል ሓበሬታ ቢቢሲ ብመሰረት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቲክቶክ ዝጸሓፎ ኣብ ባኩ - ኣዘርባጃን - ክህሉ ከም ዝኽእል እዩ ሓበሬታ ረኺቡ። እንተዀነ፡ ኣብኡ ምህላው ርግጸኛ ንምዃን ኣይከኣልን።
ዜና ናይቲ መቕዘፍቲ ካብ ዝጋዋሕ ንደሓር፡ ኣደኡን ሓደ ሓዉን ኣብ ፓኪስታን ተኣሲሮም ኣለዉ። ካብ'ቶም ናብ ኤውሮጳ ንምኻድ ዝነቐሉ ሰባት ገንዘብ ተቐቢልኩም ዝብል ክሲ እዩ ቀሪብሎም ዘሎ።

ቢቢሲ ካብ ፑንጃብ ዝተላእከ ሽዱሽተ ጸብጻባት ፖሊስ እውን ተመልኪቱ። እዚ ድማ ብስድራቤት ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሰባት ዝቐረበ እዩ። ጉጃር ኣብቲ ኣብ ጥሪ ዝተኻየደ ጕዕዞ ብዝነበሮ ተራ 75,000 ዶላር ከም ዝወሰደ ይዛረቡ። ብመሰረት እቲ ጸብጻባት፡ ሰለስተ ሰባት ምሉእ ገንዘብ ክኸፍሉ እንከለዉ፡ እቶም ካልኦት ሰለስተ ድማ ንገለ ክፋል ናይቲ ገንዘብ ጥራሕ ከፊሎም።
ጉጃር ድሕሪ እቲ ኣብ ጥሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ'ውን ገና ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ጕዕዞታት የሳልጥ ከም ዝነበረ እዩ ቢቢሲ ዝኣምን።
ኣብ መጋቢት ካብ ዝደሓኑ ሰባት ብዝረኸቦ ቍጽሪ ተለፎን ተጠቒሙ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ብሕቡእ ምስ ጉጃር ተራኺቡ። ነቲ ጕዕዞ ኣብ ምስላጥ ዝሕግዝ ሰብ "ከም ዝፈልጥ" እኳ እንተ ገለጸ፡ ባዕሉ ብቐጥታ ኣብቲ ስራሕ ከም ዘሎ ግን ኣይሓበረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







