‘መጻወድያ ሞት’ - መትረብ እንግሊዝ ዝሰግሩ ስደተኛታት ብኸመይ ካብ ጀርመን ጀልባ ይረኽቡ?

‘መጻወድያ ሞት’ - መትረብ እንግሊዝ ዝሰግሩ ስደተኛታት ብኸመይ ካብ ጀርመን ጀልባ ይረኽቡ?

ንብምሉኡ ጕዕዞ 15 ሽሕ ዩሮ ወይ (12,500 ፓውንድ) ከም ዝኸውን ተነጊሩና። ንመትረብ እንግሊዝ ክንሰግር ድማ፡ ሞተርን 60 ጃኬታትን ህይወት ኣድሕን ከምኡ'ውን ጃልባ ከምዝወሃበና ተሓቢሩና።

እዞም ክልተ ኣስገርቲ ሰባት ኣብ ከተማ ኤሰን - ብዙሓት ስደተኛታት ዝነብሩላ ወይ ዝሓልፉላ ከተማ ምዕራባዊ ጀርመን - ንሕቡእ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዝህብዎ ዋጋ እዩ።

ቢቢሲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዘካየዶ መርመራ፡ ጀርመን ምስቲ ኣብ መላእ መትረብ እንግሊዝ ዝካየድ ሓደገኛ ንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ርኡይ ምትእስሳር ከምዘለዋ ኣቃሊዑ።

ሓድሽ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ክምክት ቃል ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ንመትረብ እንግሊዝ ንምስጋር ዝውዕላ ጀላቡን ሞተራትን ኣብ ጀርመን ከምዝኽዘኑ’ዩ እዚ መርመራ ዘረጋግጽ።

ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክትዎ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 28 ሽሕ ሰባት ብንኣሽቱን ሓደገኛ መንገዲ ልዕሊ ዓቐን ብዝጽዕና ጀላቡ ከምዝጓዓዙ የመልክት።

እዚ ቀጺሉ ዝቐርብ ዛንታ፡ ኣሰጋገርቲ ምስ ፖሊስ ጀርመን ኣንጭዋን ድሙን እናተጻወቱ ብኸመይ ሕቡእ መኽዘናቶም ከምዝጥቀሙ የመልክት።

ምስጢራዊ ጋዜጠኛና ኣብ ክዳኑ ካሜራ ሓቢኡ ኣብ ደገ ማእከላይ መደበር ከተማ ኤሰን እናተጸበ እዩ።

እዚ ስሙ ተቐይሩ ሓምዛ ኢልና እንጽውዖ ሪፖርተና፡ ምስ ስድራኡን ፈተውቱን ቻነል ሰጊሩ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኸይድ ህንጡይ ኰይኑ እዩ ቀሪቡ።

ሓምዛ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ስደተኛታት ብዝነበሮ ርክብ ኣቢሉ ቍጽሪ ተሌፎን ድሕሪ ምርካቡ፡ ንኣዋርሕ፡ ብዋትስኣፕ ከዘራርቦ ምስ ዝጸንሐ ሰብ ንመጀመርታ ግዜ ብኣካል ክራኸብ’ዩ ዝጽበ ነይሩ።

እቲ ሰብ ኣቡ ሰሓር ከምዝበሃል እዩ ገሊጹሉ። ንሱ ንሓምዛ ናብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ዓዲ እንግሊዝ ንምብጻሕ ጃልባ ከምዘቕርብ ተዘራሪቦም እዮም።

ሓምዛ፡ ምስቶም ኣብ ዞባ ካሌ ዝርከቡ ጕጅለታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሕማቕ ተመኵሮታት ስለዘጋጠሞ፡ ምስ ስድራኡን ፈተውቱን ንበይኖም ዝሳገሩላ ጃልባ ከምዝደሊ ነጊርዎ’ዩ - እዚ ድማ ዘይተለምደ ስጕምቲ'ዩ ነይሩ።

ሳሃር ድሮ “ሓዳስ” እትንፋሕ ጃልባ ቪድዮ ሰዲዱሉ እዩ፤ ንሱ ከምዝበሎ እዛ ጃልባ ኣብ ከባቢ ኤሰን ኣብ ዝርከብ መኽዘን እያ ተኸዚና።

ካልኦት ተመሳሳሊ መልክዕ ዘለወን ጀላቡ ከምኡ'ውን ሞተራትን ቪድዮ ሰዲዱሉ ነይሩ።

ሚስጥራዊ ሪፖርተርና ብዛዕባ እተን ዘቕርብወን ጀላቡ ቪድዮታት ተላኢኹሉ’ዩ
መግለጺ ስእሊ, ሚስጥራዊ ሪፖርተርና ብዛዕባ እተን ዘቕርብወን ጀላቡ ቪድዮታት ተላኢኹሉ’ዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓምዛ፡ ብቕዓት ናይተን ጀላቡ ባዕሉ ከረጋግጽ ከምዝደሊ ብምግላጽ እዩ ብኣካል ክራኸቡ ተዛሪቡ።

ጕጅለ ቢቢሲ ኣብ ቀረባ ኰይና፡ ምንቅስቓስ ሓምዛ እናተኸታተለት ትርከብ። ዝዀነ ጌጋ እንተጋጢሙ ድማ ቀልጢፋ ንሓምዛ ክተውጽኦ እያ።

እዞም ክልተ ሰባት ምስ ተራኸቡ፡ ነታ ጃልባ ንምርኣይ ናብቲ መኽዘን ምኻድ ኣዝዩ “ሓደጋ” ከምዘለዎ ይገልጽ።

ሓምዛ፡ እተን ጀላቡ ኣብዚ ክፋል ጀርመን ስለምንታይ ይቕመጣ ክብል ይሓትት። ሳሃር ብዛዕባ “ድሕነት”ን “ሎጂስቲክስን” ይገልጸሉ።

ኤሰን ካብ ከባቢ ካሌ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓታት ጥራይ እያ ርሒቓ ትርከብ፤ ጀላቡ ብቕልጡፍ ንኽበጽሓ ዘኽእል ርሕቐት እዩ። ናብቲ ብብዝሒ ክትትል ዝግበረሉ ገማግም ባሕሪ ሰሜናዊ ፈረንሳ እውን ኣዝዩ ዝቐረበ ኣይኰነን።

ወፍሪ ፖሊስ ብርግጽ ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ። ይዅን እምበር ምድላዋት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ጀርመን ብቴክኒካዊ መዳይ ዘይሕጋዊ ኣይኰነን። ብፍላይ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ወጻኢ ናብ ዝዀነት ሳልሰይቲ ሃገር ዝግበር ምስግጋር ጸገም የለን። ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ድሕሪ ብረክዚት፡ ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ኣይኰነትን።

ኣብ በርሊን ዝርከብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ጀርመንን ዓባይ ብሪጣንያን ጂኦግራፍያዊ ጐረባብቲ ስለዘይኰና፡ ብሓቂ “ቀጥታዊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር” ከምዘይፍጸም እዩ ዝምጕት። እንተዀነ ግን ብዛዕባ እዚ መርገጽ ጀርመን ሕርቃን ከምዘሎ ሓደ ምንጪ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ንቢቢሲ ሓቢሩ እዩ።

ሰሃር ንሓምዛ ሒዝዎ ናብ ሓደ ካፈ ይኸዱ። ሽጋራ ወሊዖም ቡን እናሰተዩ ዕላል ይጅምሩ። ኣብ ጐድኖም ተዛረብቲ ዓረብ ስለዝነበሩ፡ ሳሃር ከይሰምዕዎም ጣውላ ቀይሮም ኮፍ ክብሉ ይገብር።

ድሕሪ ኣስታት 35 ደቓይቕ ሳሃር ካብ መንበሩ ተሲኡ ንሓምዛ “ድምጽኻ ኣትሕት፡ ይመጽእ ኣሎ” ይብሎ።

እዚ ሰብ “ኣል-ኻል” ብዝብል ስም ተላልይዎ - ኣል-ኻል ትርጕሙ ኣኮይ ኰይኑ ብቋንቋ ዓረብኛ መግለጺ ኣኽብሮት’ዩ
መግለጺ ስእሊ, እዚ ሰብ “ኣል-ኻል” ብዝብል ስም ተላልይዎ - ኣል-ኻል ትርጕሙ ኣኮይ ኰይኑ ብቋንቋ ዓረብኛ መግለጺ ኣኽብሮት’ዩ

ጽቡቕ ክዳንን ቆቢዕን ዝተኸደነ ሰብ ናብኣቶም ይቐርብ። “ኣል-ኻል” ተባሂሉ ይጽዋዕ፤ ትርጕሙ ድማ “ኣኮ” ማለት ኰይኑ፡ ብቋንቋ ዓረብ ርኡይ መግለጺ ኣኽብሮት እዩ።

ኣል-ኻል ምስ ካልኣዩ እዩ መጺኡ፤ እቲ ካልኣይ ሰብ ብሓፈሻ ስቕ ዝበለ ኰይኑ ሓላዊኡ ከይኰነ ኣይተርፍን።

ኣል-ኻል ምስታ ኣሳሳይት ብቋንቋ ጀርመን ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ምስ በዓል ሓምዛ ብዓረብኛ ክዘራረብ ጀሚሩ።

ሓምዛ ኣብ ካልእ ጣውላ ዝነበረት ተሌፎኑ ክህቦ ይንገሮ።

እቲ ሓላዊ ኣብ ጐድኒ ሓምዛ ኮፍ ኢሉ፡ ንኣስታት 22 ደቓይቕ ኣተኲሩ ይጥምቶ ነይሩ።

ብሰንኪ ጽኑዕ ሕጊ ጀርመን፡ ኣብቲ ርክብ፡ ቢቢሲ ቪድዮ ጥራይ እምበር ድምጺ ክቐርጽ ኣይክእልን።

ስለዚ ጸብጻብና ብኸፊል ኣብ ቅጽበታዊ ተዘክሮ ናይቲ ሚስጥራዊ ጋዜጠኛና ዝተመርኮሰ እዩ።

እዚ ድማ ብቶም ኣብ መንጐ ሓምዛን ኣሰጋገርትን ዝተገብሩ መልእኽትታት፡ መዛግብቲ ጻውዒትን መዘኻኸሪታት ድምጺን ዝድገፍ እዩ።

ኣል-ኻል፡ ሓምዛ መን ምዃኑን እንታይ ከምዝደሊን ይሓትት፤ “ዓው ኣይትበል” ይብል።

ሓምዛ ነቲ ዝተዳለወሉ ዛንታ ብዘእምን መንገዲ ደጊሙ ይነግሮ። ብተወሳኺ፡ እቲ ሕጂ ዝዛረቡሉ ዘለዉ ዕድጊ ጃልባ፡ ብሓቂ፡ ብሰንኪ ኣብ ሕጊ ጀርመን ሃጓፍ ምህላዉ፡ ዘይሕጋዊ ከምዘይከውን እውን ይእምት።

ኣል-ኻል ግን ነዚ ሓሳብ እዚ ይነጽግ። “መን’ዩ ከምኡ ኢሉካ?” ኢሉ ይሓቶ። “ሕጋዊ ኣይኰነን” ብምባል ድማ ሓምዛ ዝበሎ ሓቂ ከምዘይኰነ ይገልጽ።

ኣብ ጀርመን ኣብ ዙርያ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጀላቡ፡ ሕጋዊ ክፍተታት እንተሃለወ እውን፡ እዞም ሰባት ግን ኣብ ዝሰፍሐ ገበናዊ መርበብ ከምዝተሳተፉ ዝፈልጡ እዮም ዝመስሉ።

እቶም ኣሰጋገርቲ ኣብ ከባቢ ኤሰን ኣስታት 10 መኽዘናት ከምዘለዎም ንሓምዛ ይጀሃረሉ።

እዚ ድማ፡ ፖሊስ ዘመተ እንተጋጢሙ ኣቑሑቶም ዘህድሙሉ ኣሰራርሓ ከምዝዀነ እዩ ዝግለጽ። ንኣብነት "ቅድሚ ገለ መዓልታት" ተመሳሳሊ ፍጻመ ኣጋጢምዎም ነይሩ።

ሓደ ሓደ ግዜ፡ ፖሊስ ይመጹ ከምዘለዉ ሓበሬታ ይረኽቡ’ሞ፣ ከም መጋገዩ ገለ ንብረት ይገድፉሎም። እዚ ማለት ስራሕ እቶም ኣሰጋገርቲ ዘይዘርጉ ገለ ኣቑሑት እቶም ፖሊስ ክወርስዎ ይገድፍሎም።

ስደተኛታት መትረብ እንግሊዝ ንምስጋር ዝጥቀሙለን ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታት ዝርከባ ንኣሽቱ ጀላቡን ሞተራትን

ምንጪ ስእሊ, Gareth Fuller/PA Wire

መግለጺ ስእሊ, ስደተኛታት መትረብ እንግሊዝ ንምስጋር ዝጥቀሙለን ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታት ዝርከባ ንኣሽቱ ጀላቡን ሞተራትን

እቶም ኣሰጋገርቲ ኣብ ውሽጢ “ሰለስተ፡ ኣርባዕተ ሰዓታት” ኣቑሑ ናብ ካሌ ከብጽሑ ዓቕሚ ከምዘለዎም ይዛረቡ፤ እዚ ድማ ብቀንዲ ጽርግያታት ክጓዓዙ ድፍረት ከምዘለዎም ዘመልክት እዩ።

ኤሰን ቀረባ ብምዃና ጀላቡ ብንግሆኡ ወይ ድሕሪ ቀትሪ ክበጽሓ ይኽእላ እየን።

መጽናዕቲ ዓለማዊ ተበግሶ ኣንጻር ስግረ-ሃገራዊ ዝተወደበ ገበን ከምዘመልክቶ፡ ጀላቡ ብተለምዶ ካብ ጀርመን፡ ቤልጅየም ወይ ሆላንድ ብቫን ወይ መካይን ናብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ይጓዓዛ፡ ጀርመን ድማ “ብፍላይ ኣገዳሲት መተሓላለፊት ማእከል” እያ።

መብዛሕትአን እተን ጀላቡ ኣብ ቻይና ከምዝተሰርሓን መጀመርያ ብኮንተይነር ናብ ቱርኪ፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ኣውሮጳ ከምዝኣትዋን እውን እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

ሓንቲ ካብቶም ኣዳላውቲ እቲ ጸብጻብ ዝዀነት ቱስደይ ረይታኖ፡ ጀርመን ከም ማእከል ዘለዋ ተራ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከምዝወሰኸ ትዛረብ።

ብተወሳኺ ሰበስልጣን ጀርመን ኣብ ጉዳይ ምስጋር ቻነል ዘለዎም ተገዳስነት ውሑድ ከምዝዀነ ትኣምን። ምኽንያቱ ድማ፡ “ኣብ ዶቦም ዘጋጥም ጸገም ኣይኰነን” ትብል።

ኣብቲ ኣኼባ ኣቡ ሳሃርን ኣል-ካልን ብዛዕባ ገንዘብን ሎጂስቲክስን ተዛሪቦም
መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ርክብ ኣቡ ሳሃርን ኣል-ኻልን ብዛዕባ ገንዘብን ሎጂስቲክስን ተዛሪቦም

ኣብቲ ካፈ፡ ኻል ንሓምዛ ስለዝኣመኖ ብዛዕባ ዋጋ ክዘራረብ ጀሚሩ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ሓምዛ ነቲ 15 ሽሕ ዩሮ ውዕል “ፓኬጅ” እንተመረጸ እዩ።

እዚ ድማ ነታ ጃልባ ኣብ ጥቓ ካሌ ምስ ሞተር፡ ነዳዲ፡ 60 ጃኬታት ህይወት ኣድሕን ምቕባል ዘጠቓልል እዩ።

እቶም ኣሰጋገርቲ ዝረኽብዎ መኽሰብ “ዘይተለምደ” ክኸውን ይኽእል፤ ኣብ ሓደ መገሻ ዓሰርተታት ሰባት ኣብ ጃልባ ኣሳፊሮም ንሓደ እዅል ሰብ ኣስታት 2,000 ዩሮ እዮም ዘኽፍሉ - ብመሰረት ግሎባል ኢኒሸቲቭ።

ሓምዛ ሕጂ በቲ ውዕል እንተተሰማሚዑ፡ ኣል-ኻል ክሳዕ ጽባሕ ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ 200 ሜትሮ ጥራይ ርሒቑ ናብ ዝርከብ ቦታ ጃልባ ከብጽሓሉ ከምዝኽእል ይዛረብ።

ኣል-ኻልን ሳሃርን’ውን “ሓድሽ መሳገሪ ነጥቢ” ይጠቕሱ፤ እዚ ድማ ዋላ’ኳ በየን ሸነኽ ከምዝዀነ እንተዘይገለጹ፡ ዓይኒ ሰበስልጣን ፈረንሳ ብዙሕ ዝፈልጦ ከምዘይኰነ ዘመልክት’ዩ።

ሓምዛ ክሳዕ ሕጂ ከቕርቦ ዝጸንሐ ካልኣይ ዝሓሰረ ኣማራጺ እውን ኣሎ።

ብኣስታት 8,000 ዩሮ፡ ሓምዛ ነታ ጃልባ ባዕሉ፡ ካብቲ ኣብ ኤሰን ኣብ ዝርከብ መኽዘን ወሲዱ፡ ብናጻ ናብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ከብጽሓ ከምዝኽእል ዝገልጽ ኣማራጺ እዩ ነይሩ።

እንተተታሒዙ ግን እቶም ኣስገርቲ ‘ተሓተትቲ’ ኣይንኸውንን ይብሉዎ።

ሓምዛ ከመይ ገይሩ ነታ ጕጅለ ገንዘብ ከምዝኸፍላ፡ እንተወሲኑ ድማ እንታይ ከምዝገብር ከዕልሉ ጀሚሮም።

ኣል-ኻል እቲ ጥረ ገንዘብ ኣብ ቱርኪ ክኽፈሎ እዩ ዝደሊ፤ ምኽንያቱ “ኵሉ ኣቑሑት” ካብ ቱርኪ እዩ ዝመጽእ።

እቲ ገንዘብ፡ ብስርዓት ሓዋላ ኣቢሉ ክኽፈል ከምዝኽእል’ውን ይእምት፤ እዚ መስርሕ ባንክታት ከይተጠቐሙ ኣብ መርበብ ወከልቲ ተመርኲሶም ጥረ ገንዘብ ናብ ስግረ ዶባት ንምብጻሕ ዘኽእሎም እዩ።

ድሒሩ ሓምዛ ኣብ ዋትስኣፕ ናይ ሕሳብ ኣካውንት ስም ይለኣኸሉ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባኦም ዝተላእኩ ካልኦት መልእኽትታትን መዘኻኸሪታት ድምጺን እውን ነይሮም - ብዓረብኛ። ሳሃር ኣየኖት ዓይነታት ጀልባ ክመርጽ ከምዘለዎ ዝሕብሩ እዮም።

ኣብቲ ናይ መሸጣ ሜላ ጸቕጢ ዝመስል፡ ሓምዛ፡ እቶም ኣሰጋገርቲ "ውሱን" ኣቑሑ ግን ከኣ ብዙሓት ዓደግቲ ከምዘለዎም'ውን ይሕብሩ።

ኣል-ኻል ኣብ ርክባቱ ዝያዳ ጥንቁቕ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ሓንቲ ሳሃር ዘሰጋገራ መዘኻኸሪ ድምጺ ግን፡ ምስ ሓምዛ ድሕሪ ምርኻቡ፡ “ዓርክኻ፡ ደሓን ኣይመስልን” ብምባል ቅሳነት ከምዘይተሰምዖ ይገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓምዛ ጃልባ ክገዝእ ድዩ ኣይገዝእን ክውስን ከምዘለዎ ንሳሃር ይነግሮ። “ኣብ ዝቕጽል ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት ሕተቶ” ይብሎ።

ኣብ መወዳእታ ሓምዛ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ውዕል ክቕጽሎ ከምዘይክእል የፍልጦም።

ቢቢሲ ነዞም ሓቀኛ መንነቶም ብርግጽ ክንፈልጦም ዘይከኣልና ሰባት ዝዀነ ገንዘብ ኣይከፈለን።

ብዛዕባ’ተን ጀላቡ ዝረኸብናዮ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ንኣቦ መንበር ሃገራዊ ናጻ ማሕበር ጀላቡ ህይወት ኣድሕን ኒል ዳልተን ኣርኢናዮ፤ ንሱ ድማ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መራኽብ ኣብ “ቀላይ” ከምዘይኣቱ ይዛረብ።

ምስ “መጻወድያ ሞት” ብምንጽጻር፡ ብሰንኪ እቲ “ኣዝዩ ድኹም” ዲዛይን፡ ንዓሰርተታት ሰባት ኣብዘን ጀላቡ ኣንሳፊርካ ነቲ ቻነል ምስጋር “ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ሓደጋ” ክህልዎ ይኽእል’ዩ ይብል።

ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብ መንጐ ጀርመንን ዓባይ ብሪጣንያን፡ ኣብ ምምካት ነዞም ጕጅለታት ዝግበር ምትሕብባር ክመሓየሽ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ኣብ ጀርመን፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምትሕብባር፡ ማእሰርትን ዘመተ መኽዘናትን ተኻይዱ'ሎ - እቲ "ጐድናዊ ገበን" ዝበሃል፡ ከም ዓመጽ ወይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዘጠቓልል ተግባር፡ ኣብ ውሽጢ ጀርመን ዘኽስስ እዩ።

ኣብ ለካቲት ኣብ ጀርመን ጀላቡ፡ ሞተር፡ ሰደርያ ህይወት ኣድሕን ንህጻናት ዝኸውን መንሳፈፊ መሳርሒታትን ተታሒዞም፤ 19 ሰባት ድማ ተኣሲሮም። እዚኦም ግን ብፍርዳዊ ትእዛዝ ቤልጅየምን ፈረንሳን ዝተገበሩ እዮም። ኣብ 2022 ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ስርሒት፡ ኣብ ፈረንሳ መስርሕ ፍርዲ ይቕጽል ኣሎ።

ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ብጓሓፍ ዝተበላሸዉ መሳገሪታት ተዓብሊሉ ይርአ
መግለጺ ስእሊ, ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ብጓሓፍ ዝተበላሸዉ መሳገሪታት ተዓብሊሉ ይርአ

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ምስ ጀርመን ትርከቦም ሃገራት “ንገበነኛታት ጕጅለታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንምምካት” ዝሰርሖ ስራሕ “ኣመና የቀላጥፎ ኣሎ”፡ እንተዀነ “ኵሉ ግዜ ብሓባር ዝስራሕ ዝያዳ ንጥፈት ኣሎ” ኢሉ።

ሰበስልጣን ፈረንሳ እዉን ነዚ ስምዒት የቃልሑ።

ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ኣኽባሪ ሕጊ ፓስካል ማርኮንቪል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እዘን ጀላቡ ምስ ኣብ ገማግም ባሕሪና ዝፍጸሙ ገበናት ዝተኣሳሰራ ምዃነን፡ ጀርመናውያን ክፈልጡ ምግባር ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ድማ ጣልቃ ክኣትዉ ዘኽእሎም እዩ” ኢሉ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት በርሊን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክልተኣዊ ምትሕብባር “ኣዝዩ ጽቡቕ” ምዃኑን፡ ሰበስልጣን ጀርመን ብሕቶ ዓባይ ብሪጣንያ ስጕምቲ ክወስዱ ከምዝኽእሉን ገሊጹ።

እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ፡ ካብ ጀርመን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝግበር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሓገዝ ምግባር ዘይሕጋዊ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ናብተን ናብቲ መትረብ ዝሕለፈለን ቤልጅየም ወይ ፈረንሳ ዝግበር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ምሕጋዝ ግን ዘቕጽዕ ምዃኑ ገሊጹ።

መርመራ ቢቢሲ “ልክዕ ነቲ ክንሰርሓሉ እንደሊ ዓይነት ንጥፈት” ዘጕልሕ’ዩ ይብል መንግስቲ ብሪጣንያ።

ወግዓዊ ወሃቢ ቃል ኬር ስታመር፡ ጀርመን ኮንትሮባንድ ዝንፋሓ ጃላቡ ደው ንምባል ዝያዳ ክትጽዕር ኣለዋ’ዶ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ “ኣብ ምትግባር ዘለና ኣገባብ ኣሐይልና ክንቅጽሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፤ እዚ ድማ ንኻልኦት ሃገራት እውን ዝምልከት እዩ” ኢሉ።

"ምስ ደረጃ ንጥፈታቶም ክንከይድ ኣለና፡ ምስ ጀርመናውያንን ካልኦትን ድማ ኣዝዩ ብቐረባ ክንሰርሓሉ ዝግበኣና ነገር'ዩ።"

እዚ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣል-ኻል ርእይቶ ክህብ ሓቲትና ነይርና።

ኣል-ኻል ግን ዝዀነ መልሲ ኣይሃበን።