ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስክፍታታት ዘስዕብ ዘሎ ቅድመ-ሽኮርያ፡ ኣገደስቲ ነጥብታት

ዝርገሐ ቅድመ-ሽኮርያ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስክፍታታት ይፈጥር ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, THINKSTOCK

መግለጺ ስእሊ, ዝርገሐ ቅድመ-ሽኮርያ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስክፍታታት ይፈጥር ኣሎ

መጠንቀቕታ፤ እዚ ጽሑፍ እዚ ክብደት ሰብነት ብቕልጡፍ ምንካይ ዝምልከት ሓበሬታን ምኽርን ዝሓዘ እዩ። እዚ ንምግባር ድማ ከነቓቕሓኩም ተኽእሎ ኣሎ። እንተዀነ፡ ብዘይ ቍጽጽርን ምኽርን በዓል ሞያ ሕክምና ክትፍትንዎ ኣይግባእን።

ትዅረት እዚ ጽሑፍ ቅድመ-ሽኮርያ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር፡ እምበር ኣብ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ዘተኮረ ኣይኰነን።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓፈሻዊ ዝርገሐ ቅድመ-ሽኮርያ ኣስታት 13 ሚእታዊት ከምዝበጽሕ ይግለጽ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን እውን ከም ብዙሓት ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት፡ ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝርገሐ ቅድመ-ሽኮርያን ይቃለሳ ኣለዋ።

ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝርገሐ ቅድመ-ሕማም ቅድመ-ሽኮርያ ዝምልከት ፍሉይ መረዳእታ ድሩት እኳ እንተዀነ፡ እቲ ስክፍታ ግን እናወሰኸ ዝኸይድ ከምዘሎ ይግለጽ።

ብወገን ኢትዮጵያ ድማ መጠን ዝርገሐ ቅድመ-ሽኮርያ ካብ መጽናዕትታት ናብ መጽናዕትታት ይፈላለ።

ገለ መጽናዕትታት ኣስታት 5.4 ሚእታዊት ከምዝዀነ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ፡ ካብኡ ዝለዓለ ምዃኑ ይጠቕሱ።

እዚ ማለት ካብ ሚእቲ ሰባት፡ ኣስታት እቶም 5 ኣብ ደረጃ ቅድመ-ሽኮርያ ይርከቡ።

ምስ ምድፋእ ዕድመ፡ ስድራቤታዊ ታሪኽ ሕማም ሽኮር፡ ልዕሊ ዓቐን ክብደት/ክራሸ፡ ከምኡ'ውን ምርጫታት ኣነባብራ ብዝተኣሳሰር ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ዝግለጽ።

ዶክተር ሄለን ይፍጠር፡ ኣብ ርዋንዳ ሆስፒታል ኪንግ ፋይሰል ከም ሕማም ሽኮር፡ ሕማማት ታይሮይድ፡ መኻንነት፡ ጉዳያት ዕብየት፡ ጸገማት ምምሕያሽ መግቢ ዝኣመሰሉ ሕማምት እትሕክም ክኢላ ወይ ኢንዶክሪኖሎጂስት እያ።

ንሳ ከምእትብሎ፡ ማሕበረሰባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኽተልዎ ኣመጋግባ ኣብ ልዑል ካርቦሃይድሬት ዘለዎም መግብታት ዘተኰረ ስለዝዀነ፡ ዝርገሐ ቅድመ-ሽኮርያ ክብርኽ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።

"ሰብነትና ብመልክዕ ስብሒ እዩ ሓይሊ ዘዋህልል" ትብል እታ ዶክተር። እዚ ዝተኸዘነ ስብሒ ኣብ ጥቕሚ እንተዘይውዒሉ ድማ ቅድመ-ሽኮርያን ከምኡ'ውን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ክነማዕብል ተኽእሎ ኣሎ።

ቅድመ-ሽኮርያ ብመሰረቱ መጠን ሽኮር ደም ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ክኸውን ከሎ ዝመጽእ ኵነታት'ዩ ማለት'ዩ።

እዚ ማለት ግን እቲ መጠን ሽኮር ክንድቲ ከምቲ ኣብ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ዝርከብ ማለት ኣይኰነን።

ቅድመ-ሽኮርያ ምልክታት ዘይከርኢ ስለዝኽእል ብዙሓት ሰባት ከይፈለጡ ይጸንሑ
መግለጺ ስእሊ, ቅድመ-ሽኮርያ ምልክታት ዘይከርኢ ስለዝኽእል ብዙሓት ሰባት ከይፈለጡ ይጸንሑ

ብቐንዱ ድማ ለውጢ ኣነባብራ ብምግባር ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ከይምዕብል ምክልኻል ይከኣል። ብፍላይ ኣብ ኣመጋግባ ዝግበር ወሳኒ ለውጢ ካብ ቅድመ-ሽኮርያ ምሉእ ብምሉእ ክንወጽእ ከምዘኽእል ኣብ ዲያቤትስ ብሪጣንያ ላዕለወይቲ ክሊኒካዊት ኣማኻሪት ኤስተር ዋልደን ትገልጽ።

"ገለ ሰባት፡ ቅድመ-ሽኮርያ ከምዘለዎም ክንገሮም ከሎ፡ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ምምዕባሎም ዘይተርፍ ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል'ዩ፣ ብዙሓት ሰባት ሓደጋ ምምዕባል እቲ ሕማም ከጕድሉ ይኽእሉ'ዮም።"

"ቅኑዕ ደገፍ እንተሃልዩ፡ ጥዕና ዘለዎ መግቢ ብምምጋብ፡ ደረጃ ምንቅስቓስ ብምውሳኽ፡ ልዕሊ ዓቐን ክብደት እንተሃልዩካ ድማ ክብደት ሰብነት ብምጕዳል ክሳብ 50 ሚእታዊት ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ምክልኻል ወይ ክድንጒ ምግባር ይከኣል'ዩ" ብምባል ለውጢ ኣነባብራ ዘለዎ ኣበርክቶ ትገልጽ።

ቅድመ-ሽኮርያ ከምዘለና ብኸመይ ንፈልጥ?

ቅድመ-ሽኮርያ ፍጹም ምልክታት ዘይብሉ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ማለት ብቐሊሉ ከይተፈልጠ ነዊሕ ክጸንሕ ይኽእል።

"እቲ ዘሕዝን፡ ብዙሓት ሰባት ከም ኣካል ናይቲ ስሩዕ መርመራ፡ ልዑል መጠን ሽኮር ኣብ ደም እንተዘይተላዒሉ፡ ቅድመ-ሽኮርያ ከም ዘለዎም ኣይፈልጡን'ዮም" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖቲንግሃም ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ኣመጋግባን ስነ-ኣመጋግባን ዶክተር ኣማንዳ ኤቨሪ።

ኣመጋግባ ቅድመ-ሽኮርያ ከስዕብ ይኽእል'ዶ?

ሓደጋ ምምዕባል ቅድመ-ሽኮርያ ዝድርኹ ውሑዳት ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ኣለዉ።

ካብ ብሄርን ዕድመን ክሳብ ኣመጋግባን ክብደትን ኵሎም ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ።

"ኣብ ሽኮርያ ዝፍጠር ኢንሱሊን ዝተበሃለ ሆርሞን፡ ብዝተኻእለ መጠን፡ መጠን ሽኮር ኣብ ደም ንቡር ንኽኸውን ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ሓደ ሰብ ልዕሊ ዓቐን ክብደት እንተሃልይዎ፡ ኢንሱሊን መጠን ግሉኮስ ኣብ ምቍጽጻር ዝያዳ ከጸግሞ ይኽእል" ትብል ዶክተር ኣማንዳ።

"ብመሰረቱ፡ መጠን ልዕሊ ዓቐን ስብሒ ኣካላትና እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ፡ እቶም ዋህዮታት ዝያዳ ተጻዋርነት ኢንሱሊን የማዕብሉ። ኣካልና ነዚ ጽልዋ ንምምካት ዝያዳ ኢንሱሊን ንምፍራይ ልዑል ጻዕሪ ይገብር።"

ስለዚ፡ ልዕሊ ዓቐን ስብሒ ኣካላት ክህልወና ዝገብር ኣነባብራን ኣመጋግባን፡ ቅድመ-ሽኮርያ ናይ ምምዕባል ሓደጋ ዘበርኽ እዩ።

ቅድመ-ሽኮርያ እንተሃልዩና ብኸመይ ኣመጋግባና ንቕይር?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኣገባብ መነባብሮ ለውጢ ብምግባር መብዛሕትኡ ግዜ ቅድመ-ሽኮርያ ናብ ንቡር ንኽምለስ ከምኡ'ውን ምዕባለ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ክድንጒ ንምግባር ከምዝሕግዝ መጽናዕትታት የመልክቱ።

ኣብ ቀረባ ግዜ በብእዋኑ ወይ እናኣረሓሓቕና እንገብሮ ጾም ዝህቦ ረብሓ ኣዝዩ እናገነነ ይመጽእ ኣሎ። ክብደት ሰብነት ንምጕዳል ስለ ዝሕግዝን ጥዕናዊ ረብሓታት ስለ ዝህብን ድማ ብዙሓት ሰባት ከዘውትሩዎ ይረኣዩ ኣለዉ።

ዶክተር ሄለን'ውን "ንነዊሕ ሰዓት ክንጸውም እንከለና ናይ ሽኮር መጠንና ትሑት ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ፡" ብምባል ጾም ምስ ትሑት ሽኮር ምትእስሳር ከምዘለዎ ተስምር።

"ብዙሕ መግቢ ክንምገብ እንከለና ንሰውነትና ብዙሕ ጸቕጢ ካሎሪ ኢና ንፈጥረሉ። ስለዚ፡ እዚ ጸቕጢ ክንቅንሰሉ እንከለና መጠን ኢንሱሊን ይወርድ ኣሎ፣ መጠን ሽኮር'ውን ይወርድ ማለት'ዩ። ክብደትና ይቕንስ ኣሎ።"

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ሰብነትና ንነዊሕ ግዜ መግቢ እንተ ዘይረኺቡ፡ ነቲ ዝተኸዘነ ሓይሊ ክጥቀም ስለ ዝግደድ ከም ዝዀነ ዶክተር ሄለን ትዛረብ።

ካብ ጾም ወጻኢ እንታይ ዓይነት ኣመጋግባ እዩ ቅድመ-ሽኮርያ ንኸይነማዕብል ዝሕግዝ ንዝብል ሕቶ፡ ኤስተር ዋልደን "ኵሉ ሰብ ይፈላለ'ዩ፣ ስለዚ ንዅሉ ቅድመ-ሽኮርያ ዘለዎ ሰብ 'ማዕረ ዝምጥን' ኣገባብ ኣመጋግባ የለን" ትብል።

እዚ ክበሃል ከሎ፡ ዝተወሰኑ ዓይነታት ኣመጋግባታት ዘጠቓልል እዩ።

ንኣብነት፡ እቶም ልዑል ስብሒ፡ ልዑል ግላይሰሚክ ደረጃ (Glycemic Index) ከምኡ'ውን ትሑት ጽሕግን ዘለዎም መግብታት፡ "ምስ ምውሳኽ ሓደጋ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ዝተኣሳሰሩ" ከምዝዀኑ ወሲኻ ትገልጽ።

ልዑል ግላይሰሚክ ደረጃ (Glycemic Index) ዝበሃሉ፡ ምስ ተበልዑ መጠን ሽኮር ደም ብቕልጡፍ ክውስኽ ዝገብሩ መግቢታት እዮም።

መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ስጕምትታት ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ከደናጉዩ ወይ እውን ክከላኸሉ ይኽእሉ።

ልዕሊ ዓቐን ስብሒ ኣካላት ቅድመ-ሽኮርያ ናይ ምምዕባል ሓደጋና ክብርኽ ይገብር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልዕሊ ዓቐን ስብሒ ኣካላት ቅድመ-ሽኮርያ ናይ ምምዕባል ሓደጋ የዛይድ

1. 10 ሚእታዊት ክብደትና ምጕዳል

ቅድሚ ክብደት ሰብነትና ምንካይና፡ ኵሉ ግዜ ምስ ሓኪምና ክንማረኽ ከምዘለና ኣይንረስዕ። ቅድመ-ሽኮርያ ምስ ክብደትና ዝተኣሳሰር እንተዀይኑን ዝተወሰነ ክብደትና ምንካይ ድማ ውሑስ ድዩ ኣይኰነን ንሓኪም ክንሓትት ይግባእ።

'ላይፍ ዊዝኣውት ዲያቤትስ' (ካብ ሽኮርያ ነጻ ህይወት) ዘርእስታ መጽሓፍ ዝደረሰ ዶክተርን ተመራማሪን ፕሮፌሰር ሮይ ቴይለር፡ ኣብ 2011 ንመጀመርያ ግዜ ዓይነት 2 ሕማም ንድሕሪት ክምለስ ከም ዝኽእል ዘረጋገጸ መጽናዕቲ መሪሑ እዩ።

ንሱ፡ "ንመብዛሕትኦም ሰባት፡ ካብቲ ሕጂ ዘለዎም ክብደት ሰብነት 10 ሚእታዊት ምንካይ፡ ነቲ ኣብ ጸላም ከብዲ ዝተኣከበ ልዕሊ ዓቐን ስብሒ ስለዘጥፍኦ፡ ነቲ መሰረታዊ ጸገም ክእረም ይገብር" ይብል።

"እዚ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ከም ተኣምር ዝርአ ዝነበረ ውጽኢት እዩ። ምሉእ ብምሉእ ሕማም ሽኮር ናይ ምምዕባል ሓደጋ ይጠፍእ - እቲ ክብደትና መሊሱ ክውስኽ እንተዘይተፈቒድና።"

ኣብዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እንተሃልዩ፡ እቲ እትቕንሶ ብዝሒ ጠቕላላ ክብደትና እዩ።

ቴይለር፡ "'ስብሒ' ዝብል ኣምር ኣገዳሲ ኣይኰነን" ይብል። "ሓደ ውልቀሰብ፡ ካብ 'ውልቃዊ ደረት ስብሒ' ምስ ዝሓልፍ፡ ናብ ቅድመ-ሽኮርያ ይኣቱ፡ እዚ ድማ ዝዀነ ደረጃ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ክኸውን ይኽእል" ክብል ይውስኽ።

ቴይለር ዝብሎ ዘሎ፡ ውልቃዊ ደረጃታት ስብሒ ይፈላለ'ዩ፣ ስለዚ ዋላ'ውን ኣብ ክራሸ ዘይተመደቡ ሰባት ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ይኽእሉ'ዮም።

ቅልጡፍ ክብደት ሰብነት ዝቕንስ ኣመጋግባ ድማ ናይዚ መፍትሒ እዩ።

"ሰባት ይፈላለዩ እዮም፣ እንተዀነ ቅልጡፍ ምጕዳል ክብደት ሰብነት (ኣብ መዓልቲ 800 ካሎሪ) ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ኣብ ምእላይ ዝሕግዝ ዕዉት ኣገባብ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተረጋገጹ'ዩ" ይብል።

እዚ ክበሃል ከሎ ግን፡ ሰባት ዘድልዮም መኣዛታት ይረኽቡ ከምዘለዎ ምርግጋጽ ኵሉ ግዜ ኣገዳሲ'ዩ።

2. ዝነከናዮ ክብደት ምዕቃብ

ገለ ሰባት ኣዝዩ ትሑት ካሎሪ ዘለዎ ኣመጋግባ ቀልጢፎም ርኡይ መጠን ክብደት ኣብ ምጕዳል ክሕግዞም ከምዝኽእል ይርድኡ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመጋግባ ግን ንኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ዘላቒ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ኣብ ነዊሕ ግዜ ክውንነታዊ ዝዀነ ክብደት ክንቅንስ እንኽእለሉ መንገዲ ምርካብ ኣገዳሲ'ዩ።

ኣመጋግባ መዲተራንያን፡ ጸቕጢ ደም ንምንካይን ሓፈሻዊ ጥዕና ንምምሕያሽን ዝሕግዝ ኣገባብ ኣመጋግባ፡ ቬጀቴሪያን (ስጋ፡ ደርሆን ዓሳን ዘየጠቓልል) ኣመጋግባ፡ ቬጋን (ከም ስጋ፡ ዓሳ፡ ደርሆ፡ ጸባ፡ እንቋቑሖን መዓርን ዝርከብዎም ኵሉ ፍርያት እንስሳታት ዘየጠቓልል) ኣመጋግባ ብማእከላይ ደረጃ ካርቦሃይድሬት ዝተነከዮ ኣመጋግባ፡ እዚኦም ኵሎም ምስ ምንካይ ሓደጋ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ትካል ሕማም ሽኮር ዓባይ ብሪጣንያ ይገልጽ።

3. ነዞም ዝስዕቡ መቐወም ምንካይ

ገለ ፍሉያት መግብታትን መስተታትን ምስ ምውሳኽ ሓደጋ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ምትእስሳር ከምዘለዎም መጽናዕትታት የመልክቱ።

ስለዚ ነዚኦም ስዒቦም ዝተገልጹ መቐወም ካብ ሓፈሻዊ ኣመጋግባኻ ምንካይ ሓጋዚ ክኸውን ከምዝኽእል ዋልደን ትገልጽ።

ብሽኮር ዝተመቀሩ መስተታት

ብሽኮር ዝተመቀሩ መስተታት መብዛሕትኡ ግዜ ካሎሪ ዘለዎም ኰይኖም ግን ከኣ ናይ ምጽጋብ ተኽእሎ ስለዘይብሎም ምስ ምውሳኽ ክብደት ሰብነት ዝተኣሳሰሩ'ዮም።

እዚ ድማ ምስ ግዜ ኣብ ተጻዋርነት ኢንሱሊን ጽልዋ ከሕድር ይኽእል'ዩ።

ቀያሕትን ዝተመስረሑን ስጋታት

ከም ስጋ ከብቲ፡ ዕየት፡ ስጋ ሓሰማ፡ ሰለፍ ሓሰማ ሃምን ዋህረም (ሶስጅን) ዝኣመሰሉ ምስ ቀያሕትን ዝተመስረሑን ስጋታት ምምጋብ ምስ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ምትእስሳር ከምዘለዎም ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

ዝተመጻረየ ካርቦሃይድሬት

ከም ሽኮር ዘለዎ ምቍር መግብታት፡ ጻዕዳ ባኒ፡ ሽኮር ዘለዎ ኣእካል ዝኣመሰሉ መግብታት ዝተጻረየ ካርቦሃይድሬት ዝሓዙ እዮም። እዞም መግቢታት ክጻረዩ እንከለዉ እቲ መስርሕ ብተደጋጋሚ ነቲ ጽሕጊ ስለ ዘወግዶ፡ እቲ መጠን ስታርች ዝበሃል ዓይነት ሽኮር ካብቲ ኣብቶም ዘይተጻዩ ዝርከብ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝገብር መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ድንሽ ብፍላይ ዝተጠብሰ ድንሽ ወይ ፍሬንች ፍራይስ

ከምዚ ዓይነት መግቢ ብተደጋጋሚ ምምጋብ፡ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ናይ ምምዕባል ሓደጋ ክብ ከብል ተኽእሎ ኣሎ።

ፍረታት፡ ኣትክልትታትን ቀጠልያ ቆጽሊ ዘለዎም ኣሕምልትን ኣገደስቲ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፍረታት፡ ኣትክልትታትን ቀጠልያ ቆጽሊ ዘለዎም ኣሕምልትን ኣገደስቲ እዮም

4. ምስ ምጉዳል ሓደጋ ሕማም ሽኮር ዝተኣሳሰሩ መቐወም ምምጋብ

"እዞም ዝስዕቡ መግብታትን መስተታትን ምስ ምንካይ ሓደጋ [ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር] ምትእስሳር ክህልዎም ከምዝኽእሉ መጽናዕትታት ኣረጋጊጾም እዮም" ትብል ዋልደን።

ፍረታት፡ ኣትክልትታትን ቀጠልያ ቆጽሊ ዘለዎም ኣሕምልትን

ከም ብሉቤሪ፡ ወይንን ኣፕልን እውን ኣገደስቲ እዮም።

ኣብ 2012 ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ከምዚኦም ዝበሉ መግብታት ምስ ምንካይ ሓደጋ ዝተኣሳሰሩ ከምዝዀኑ የመልክት።

ኣብ 2013 ዝተገብረ መጽናዕቲ ድማ ብሉቤሪ፡ ወይንን ኣፕልን እውን ኣበርክቶ ከምዘለዎም ኣረጋጊጹ።

ዘይተመጻረየ እኽሊ

ኣብ ኣመጋግባና እንወስዶ ዘይተመጻረየ መጠን እኽሊ ንሓደጋ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ከምዘጕድሎ ሓያሎ መጽናዕትታት የጕልሑ።

ኣብ 2015 ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ፡ ብድምር ኣስታት 45 ግራም ዘይተመጻረየ እኽሊ ዘጠቓልል መግቢ፡ ሓደጋ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ብ20 ሚእታዊት ክጎድል ክገብር ይኽእል።

ኣሕምልትን ፍረታትን ብምምጋብ ሕማም-ሽኮር ምክልኻል ይከኣል።

ርግኦን ፎርማጆን

መዓልታዊ ውጽኢት ጸባ ዝወስዱ ሰባት፡ ብዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ናይ ምጥቃዕ ዕድሎም ብ5 ሚእታዊት ከምዝንኪ ተረጋጊጹ'ሎ።

ብፍላይ እቲ ጸባ ትሑት ትሕዝቶ ስብሒ ዘለዎ እንተዀይኑ እቲ ሓደጋ ብ10 ሚእታዊት ይንክይ።

ኣብ 2016 ዝተገብረ መጽናዕቲ'ውን ብቐጻሊ ርግኦ ምስታይ ነቲ ሓደጋ ብ14 ሚእታዊት ከጕድሎ ከምዝኽእል የመልክት።

ዘይተመቀረ ሻሂን ቡንን

መዓልታዊ ሻሂን ቡንን ምስታይ ምስ ትሑት ሓደጋ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ምትእስሳር ከምዘለዎ መጽናዕቲታት ይሕብሩ።

ኣይንረበሽ

ቅድመ-ሽኮርያ ምምዕባል ዘፍርሕ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እንተዀነ ግን ጥዕናና ንምምሕያሽን ከምኡ'ውን ዓይነት 2 ጠቕሊሉ ንምውጋድን ከም ዝሕግዝ ዕድልን ድርኺትን ክንርእዮ ከምዘለና ክኢላታት ይምዕዱ።

ኣብ ኣመጋግባና ምሉእ ብምሉእ ምትዕርራይ ምግባር ዘይክውንነታዊ ኰይኑ እንተተሰሚዑና፡ ብቐሊሉ ክንፍጽሞም ብንኽእሎም ንኣሽቱ ስጉምትታት እንተጀመርና ይምረጽ።

ንኣሽቱ ለውጥታት ኣመጋግባ፡ ዘድልየና ጥዑይ ክብደት ንክህልወና ዝሕግዙ እንተዀይኖም፡ ምስ ግዜ ዓቢ ለውጢ ከምጽኡ ተኽእሎ ኣሎ።