ኣብ ኣመሪካ ስደተኛታት ምስ ሓለዋ ጸጥታ ተጋጭዮም

ኣብ ኣመሪካ ኣንጻር ውጥን ምስጓግ ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ንካልኣይ መዓልቱ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ብፍላይ ላቲናውያን ብብዝሒ ኣብ ዝነብሩሉ ፓራማውንት ዝተበሃለ ከባቢ ትማሊ ቀዳም ዝጀመረ እዩ።

ነበርቲ ምስ ሰራሕተኛታት ፌደራል ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ምግጫዎም ስዒቡ ተቓወምቲ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን በትሪን ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓለ ተገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ንምግጣም 2000 ሓለውቲ ጸጥታ ኣዋፊሩ ኣሎ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ፌደራል ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ብዘካየድዎም ስርሒታት፡ 118 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም እዮም።

ካብዚኦም እቶም 44 ብዓርቢ ዝተታሕዙ ኰይኖም፡ ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶም፡ ነቲ ዘመተ "ጭካነ" ክብል ኮኒንዎ።

ብትራምፕ ዝተወከለ ግን፡ "ሎስ ኣንጀለስ ውሑስ ንገብራ ኣለና" ክብል ንማዕከን ዜና ፎክስ ኒውስ ገሊጹ።

እቲ ከባቢ ብድሕሪኡ ኣዝዩ ሃዲኡ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ኣኽበርቲ ሕግን ግን ሕጂ ግጭት የጋጥም ኣሎ።

ፖሊስ ከተማ ሎስ ኤንጅልስ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሒደት ደቓይቕ ዘንብዕ ጋዝን ብምትኳስ ተቓወምቲ ንምብታን እናጸዓረ ይርከብ።

ንክወጹ ዝፈርሑ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ትካላት ንግዲ ተዓጽዮም ከምዘለዉ ነበርትን ሰልፈኛታትን ይገልጹ።

ነበርቲ እቲ ፓራማውንት ዝተበሃለ ከባቢ ልዕሊ 80 ሚእታዊት መበቆሎም ላቲን እዩ።

ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ዓመጽቲ ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ ስርሒታት ምስጓግ ዘካይዱ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን መጥቃዕቲ ፈጺሞም" ይብል።

ዲሞክራት መራሕቲ ካሊፎርንያ ዜጋታቶም ከምዘይተኸላኸሉ ዝወቐሰ እቲ መግለጺ፡ "ስለዚ ድማ እዩ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ክበላሾ ዝተፈቕደሉ ሕጊ ኣልቦነት ንምፍታሕ 2000 ሃገራዊ ሓለውቲ ዘዋፈር ፕረዚደንታዊ መዘክር ፈሪሙ" ክብል ይጠቅስ።

እቲ ኵነታት ብውልቁ ንምክትታል ናብ ሎስ ኣንጀለስ ዝተጓዕዘ ሆማን ብወገኑ፡ "ሎሚ ምሸት ንሃገራዊ ሓለዋ ክንጅምር ኢና። ስራሕና ክንቅጽል ኢና" ኢሉ።

ንዝኾነ ይኹን ዓመጽ ወይ ኣብ ውልቃዊ ንብረት ንዝበጽሕ ጉድኣት "ዜሮ ተጻዋርነት" ክህሉ ምዃኑ'ውን ኣጠንቂቑ።

ምክትል ዳይረክተር ኤፍ.ቢ.ኣይ ዳን ቦንጊኖ ድማ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ንስኻትኩም ህውከት እንተምጺእኹም፡ ንሕና ድማ መቑሕ ክንመጽእ ኢና። ሕግን ስርዓትን ክስዕር'ዩ" ብምባል ነቶም ሰልፈኛታት ኣጠንቂቑ።

ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ግን ሎሚ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ መንግስቲ ፌደራል "2000 ወተሃደራት ንምውፋር" ዝወሰዶ ስጉምቲ "ወጥሪ ዘጋድድ ጥራይ'ዩ" ኢሉ።

ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል መድረኹ ኣኽበርቲ ሕጊ ስርሖም ክሰርሑ እንተዘይክኢሎም "ሽዑ ፌደራል መንግስቲ ጣልቃ ኣትዩ ነቲ ጸገም ክፈትሖ እዩ" ክብል ነቲ ኣመሓዳሪ መልሲ ሂቡ።