እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓለም ዘዛረበ ፍቕሪ ትራምፕን ማስክን ናብ ዝኸፍአ ጽልኢን ጸርፊን ይዓርግ
ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኣመሪካን ኣማኻሪኡ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ሃብታም ዓለም ኢሎን ማስክን ዝነበረ ዓለም ዘዛረበ ፍቕሪ ፈሪሱ ናብ ጽልኢን ምጽርራፍን ተሰጋጊሩ'ሎ።
እቶም ክልተ ቢልዮነራት ብሓሙስ ኣብ ዝውንኑወን ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቐፌታን ጸርፊን ክዳራበዩ እዮም ውዒሎም።
ትራምፕ ንማስክ 'ኣእምሮኡ ስሒቱ'ሎ" ብምባል ክገልጾ እንከሎ፡ ማስክ ብወገኑ ኮንግረስ ንትራምፕ ካብ ስልጣኑ ክኣልዮ ከምዝሰማማዕ ገሊጹ። ብዘይካ'ዚ ንትራምፕ ምስ ሓደ ብገበን ጾታዊ ንግዲ ደቂኣንስትዮ ዝተኸሰሰ ውልቀሰብ'ውን ከተሓሕዞ ፈቲኑ'ሎ።
ቅድሚ ሒደት ሳምንቲ ካብቲ ዝነበሮ ሓድሽ መዝነት (ሓላፊ ክፍሊ መንግስታዊ ኣድማዕነት) ምስ ወረደ ነቲ ብምምሕዳር ትራምፕ ናብ ኮንግረስ ዝተላእከ ሓድሽ ባጀታዊ እማመ ምቅዋሙ ነቲ ፕረዚደንት ባህ ኣየበሎን።
በዚ ዝተላዕለ ትራምፕ ብሓሙስ ንግሆ፡ ማስክ ዘቕረቦ ነቐፌታ ከም "ዘሕዘኖ" ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ "ጽቡቕ ዝምድና" ከምዝበትኮ ኣሚቱ።
ነዊሕ ከይጸንሐ ግብረመልሲ ዝሃበ ማስክ ብወገኑ ንትራምፕ "ምስጋና ዘይፈልጥ" ክብል ብምንቃፍ "ብዘይ ብኣይ ትራምፕ ኣብ ምርጫ ኣይምተዓወተን" ክብል ኣብቲ ዝውንኖ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ጽሒፉ።
እቲ ዳርባ ቃላት ንሰዓታት ብተኸታታሊ ክቕጽል ድሕሪ ምውዓሉ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ጉዳይ ከተሃዳድኦ ፈቲኑ። ጋዜጠኛታት ብዛዕባ'ቲ እንካን ሃባን ምስ ሓተትዎ ከም ከቢድ ጉዳይ ከምዘይርእዮ ብምግላጽ ከነኣእሶ ተሰሚዑ። ንዓርቢ ብቴለፎን ክዘራረቡ ምዃኖም ተሓጋገዝቱ ገሊጾም'ኳ እንተነበሩ፡ ትራምፕ ሎሚ ክድውለሉ መደብ ከምዘይብሉ ዋይት ሃውስ ድሒሩ ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ።
ማስክ ብወገኑ፡ ሓደ ቢል ኣክማን ዝብሃል ቀንዲ ደጋፋይ ትራምፕ ምዃኑ ዝንገረሉ ሃብታም ክተዓረቑ ንዘቕረቦ ርእይቶ፡ "ኣይተጋገኻን" ክብል ብምምላስ ነቲ ባእሲ ክተሃዳድኦ ድሌት ከምዘለዎ ዝኣመተ'ዩ ነይሩ።
ትራምፕ ነቲ ናብ ባይቶታት ወከልቲ ህዝብን ሰነትን ዘቕረቦ ባጀት "ዓቢን ውቁብን" ክብል'ዩ ዝገልጾ።
ማስክ ግን እቲ "ዘፈንፍን" ከምኡ'ውን "ስጋ-ሓሰማ" ክብል ዝገለጾ ናይ ትሪልዮናት ዶላራት ባጀት ንዕዳ መንግስቲ ዘዕቢን ንቁጠባ እታ ሃገር ናብ ቅልውላው ዘውድቕን ብምዃኑ ኮንግረስ ከየጽድቖ ተማሕጺኑ።
በዚ ዝተቖጥዐ ትራምፕ ብወገኑ፡ "ኢሎን ይረቅቕ ኣሎ፡ [ካብ መዝነቱ] ከልግስ ሓቲተዮ፡ ነቲ ኩሉ ሰብ ዘይደልዮ ናይ ኤለክትሪክ መካይን ክዕድግ ዝገብር መምርሒታት ኣልየዮ (ከምኡ ከምዝገብር ንኣዋርሕ ፈሊጥዎ ዝጸንሐ'ዩ)፡ ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ዓቢዱ" ክብል ኣብቲ ናቱ 'ትሩዝ ሶሻል' ዝብሃል ማሕበራዊ መራኸቢ ጽሒፉ።
ኣብቲ ኣቕሪብዎ ዘሎ ባጀት ቢልዮናት ዶላራት ክቑጥብ ዝሕግዞ ዝቐለለ ኣገባብ'ውን ነቲ "ኢሎን ካብ መንግስቲ ዝረኽቦ ድጎማን ኮንትራትን ደው ከምዝብል ምግባር'ዩ። ባይደን ስለምንታይ ከምኡ ከምዘይገበረ'ውን ኩሉ ሳዕ ይገርመኒ'ዩ" ክብል'ውን ትራምፕ ኣጠንቂቑ።
ትካላት ኢሎን ማስክ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብውሕዱ 38 ቢልዮን ዝግመት ኮንትራት ካብ መንግስቲ ከምዝተዋህቦም ይግለጽ።
ትራምፕ ነቲ ውዕላት እንተሰሪዝዎ፡ ንሱ'ውን ነቲ ጠፈርተኛታት ብሮኬቱ ናብ ጠፈር ንምብጻሕ ምስ ትካል ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ) ዘለዎ ውዕል ክስሕቦ ክጅምር ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ብርእይቶ ትራምፕ ዝረሰነ ማስክ ቀጺሉ "ዓቢ ቦምባ" ክድርቢ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ትራምፕ ኣብ ፋይላት ናይቲ ኣብ 2019 ብጾታዊ ዓመጽ ትሕቲ ዕድመ ደቂኣንስትዮ ተኸሲሱ ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ ዝሞተ ጀፍሪ ኢፕስቲን ተጠቒሱ ከምዘሎ ጽሒፉ። ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ልዕለቲ ትራምፕ ዝቐረበ ዝኾነ ክሲ ከምዘየለ ይፍለጥ።
"ትራምፕ ፕረዚደንት ኮይኑ ክቕጽል 3.5 ዓመት ተሪፍዎ'ሎ፡ ኣነ ግን ንልዕሊ 40 ዓመታት ክጸንሕ'የ" ከብል'ውን ማስክ ነቲ ሓዊ ነዳዲ ወሲኽሉ።
ኣብዚ ኹሉ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ናይ ቃላት ውግእ፡ ትካላት ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተወሊዱ ናብ ካናዳ ዝኸደን ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ኣመሪካ ንትምህርቲ ዝኣተወ ማስክ ዓቢ ገንዘባዊ ክሳራ ወሪድወን ኣሎ።
ብርክታት ናይቲ መካይን ዝሰርሕ ኩባንያ ተስላ ጥራይ ልዕሊ 15 ሚእታዊት ምንቁልቋል ኣጋጢምዎ ኣሎ። እቲ ሓደ ትሪልዮን ዝትመን ትካል ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ ኣስታት ቢልዮን ዶላር ዝግመት ክሳራ ወሪድዎ ከምዘሎ ይግለጽ።
ማስክ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ኣመሪካ ኢዱ ብምእታው ጸግዒ ትራምፕ ምውሳዱ ድሮ ዓቢ ክሳራ ኣስዒቡሉ ነይሩ'ዩ። ብዙሓት ሰባት ተስላ ዝዓይነተን መካይን ካብ ምዕዳግ ምሕያቦም መጠን መሸጣ ነክዩ። ገለ'ውን ንማስክ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ዝነበራኦም መካይን ክሸጥወን ተራእዮም።
ነዚ ዝተዓዘበ ትራምፕ መካይን ተስላ ናብ ዋይት ሃውስ ብምምጻእ ከወዓውዓሉ ተራዩ ነይሩ። ከም መርኣያ ደገፉ'ውን ንባዕሉ ሓንቲ ሓዳስ ቀያሕ ተስላ ዓዲጉ።
ሎሚ ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጽኡ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ግን ትራምፕ ነታ መኪና ክሸጣ ይሓስብ ኣሎ።