ኬንያ፡ 'ንበዓል ልደት ናብ ዓደይ ምስ ከድኩ ተኸንሺበ'

ጓል 12 ዓመት ካትሪን መንግኣኒ፡ ከምቲ ዓመት መጸ እትገብሮ በዓል ልደት ከተኽብር ምስ ስድራኣ ናብ ዓዳ ምስ ገሸት፡ ንህይወታ ንሓዋሩ ዝቐየረ ፍጻመ ኣጋጠማ። ወለዳ፡ ናብ ዓዶም ኣብ ዝኸድሉ ብሓደ ሓኪም ክትክንሸብ መደብ ኣውጺኦም ጸንሑዋ።
መጠንቀቕታ፤ እዚ ዛንታ ብዛዕባ ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ (FGM) ብዝርዝር ዝገልጽ እዩ።
ካትሪን ኣብ ናይሮቢ ስለ ዝዓበየት፡ ካብቲ ኣብ መላእ ኬንያ ዝካየድ ባህላዊ ልምድታት ኣብ ውሑስ ቦታ ዝተቐመጠት እዩ ዝመስላ ነይሩ።
ወለዳ ንቝሓት፡ ኣብ ከተማ ዝነብሩን ኣብኡ ዝሰርሑን ስለ ዝዀኑ፡ ከምተን በቲ መስርሕ ዝሓልፋ ካልኦት ኣዋልድ ገይራ ንነብሳ ትርእያ ከም ዘይነበረት ትዛረብ።
ቅድሚ 30 ዓመት ግን፡ ካብተን ካልኦት ዘይፍለ ዕጫ እዩ ገጢሙዋ።
"ካብ ናይሮቢ ናብ ዓድና ክጓዓዝ ከለኹ ኣብኡ ክሳብ ንበጽሕ ከምኡ ከም ዘጋጥመኒ እፈልጥ ኣይነበርኩን፣ ሓደ ውራይ ከም ዝህሉ ግን ወረ ከም ዝነበረ እዝክር።"
ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 230 ሚልዮን ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ከም ዝተገብረ፡ ትካል ህጻናትን ቈልዑን ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ይሕብር።
ምኽንሻብ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሓዊሱ ኣብ 30 ሃገራት ዝያዳ ዝዝውተር እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ገለ ሃገራት እስያ፡ ላቲን ኣመሪካ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ኣብ ዝነብሩ ስደተኛታት'ውን ይፍጸመ ከም ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
"ሕክምናዊ ምኽንሻብ" ግዳማዊ ብልዕቲ ጓለንስተይቲ ኰነ ኢልካ ንዝግበር ምቝራጽ ወይ ምእላይ የመልክት፣ ብሰብ-ሞያ ሕክምና ድማ ይካየድ።
መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ ወይ ብኸፊል ምእላይ ወይ ምቝራጽ ክንፈር-ብልዕቲ (ላብያ)ን ጕድበ ወይ ጭንቅራ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ከኣ፡ "ብዘይ ሕክምናዊ ምኽንያት ንብልዕቲ ጓለንስተይቲ ዝጐድእ ኣገባብ፡" ክብል ይገልጾ።
ብሰብ-ሞያ ሕክምና ዝካየድ ምኽንሻብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓኪም ስለ ዝገብሮ ከም ውሑስ እዩ ዝሕሰብ፣ እንተዀነ፡ ንሱ'ውን ንኣካላዊ፡ ኣእምሮኣውን ጾታውን ጥዕና እታ ጓለንስተይቲ ይጐድእ እዩ። መሳርሒታት መብጣሕቲ ምጥቃም ከኣ ዝያዳ ከቢድ መጕዳእቲ ከስዕብ ይኽእል።
ብሓካይም ዝካየድ ምኽንሻብ - ኣብ መላእ ዓለም
• እቲ ዝለዓለ መጠን ብሕክምናዊ መንገዲ ዝፍጸም ምኽንሻብ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት እዩ፤ ግብጺ (38%)፡ ሱዳን (67%)፡ ጊኒ (15%)፡ ኬንያ (15%)ን ናይጀርያ (13%)ን።
• ካብ ዓለም ብመጠን ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ብጽሒት ትወስድ፣ ልዕሊ 144 ሚልዮን።
• እስያ ብልዕሊ 80 ሚልዮን ትስዕብ፣ ተወሳኺ ሽዱሽተ ሚልዮን ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተመዝጊቡ።
• ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሚልዮን ደቀንስትዮ ድማ ኣብተን ብውሑድ መጠን ዝዝውተረለን ኰነ ስደተኛታት ዝኸዱወን ሃገራት የጋጥም።
ወለዳ ንካትሪን ምኽንሻብ ጓሎም ብሕክምናዊ ኣገባብ ክካየድ እዮም መሪጾም - ብመንገዲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሰራሕተኛ ሕክምና።
ቅድሚ እቲ ፍጻመ ኣብ ዝነበራ መዓልታት፡ ብኸምቲ ደቂ'ቲ ከባቢ ዝጽውዕዎ፡ "ክትግዘር" ምዃና ተረድአት፣ እንታይ ማለት ምዃኑ ግን ኣይተረድኣን።
"ንኣዕሩኽን ቤተሰብን ዕድመ ይለኣኽ ነይሩ፣ ጽምብል እዩ ነይሩ፡" ክትብል ትዝክር።
ድሕሪ ቍሩብ መዓልታት ድማ እታ ሰራሕተኛ ጥዕና ኣብ ገዛኣ በጽሐት።
"እተን ደቀንስትዮ ከቢበን ይርእየንን ደርፍታት ይደርፋን፣ ኣዝየን ድማ ሕጕሳት ነይረን፡" ትብል።
"ድሕሪኡ ድማ ኮፍ ከም ዝብል ገበራኒ።"
"ገለ ደቀንስትዮ ሒዘናኒ ነይረን፣ እታ ሓኪም ጓንቲ ወድያ ላማ ኣውጺኣ።"
"ክትነብዕን ክትጭድር እዩ ዝግባእ። እንተዀነ፡ ድምጺ እንተ ኣስሚዕካ ከም ድኽምቲ ስለ እትሕሰብ ስቕ ከም እትብል ክገብሩ እዮም ዝፍትኑ።"
"ኣጸቢቐ እየ ዝዝክሮ፣ ብዙሕ ደም ፈሲሱኒ፣ ደው ንምባል ድማ ብዙሕ መድሃኒት ሂቦምኒ።"
ብድሕሪኡ፡ ኣብ ምድንጋርን ስንባደን ከም ዝነበረት ትዝክር።
"እቲ ኣብ እእምሮይ ዝፈጠረለይ ስንባደ ክሳዕ ሕጂ ኣሎ፣ ካብ ዝዀነ ካልእ ነገር'ውን ዝኸፍአ እዩ።"
'ተመኲረዮ፣ ጸሊአዮ'ውን'
ንካትሪን ነርስ ምዃን ማለት፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኬንያ - ኣውራጃ ሚጎሪ - ንዝርከባ ደቀንስትዮ እወታዊ ጽልዋ ከተሕድረሉ ዘኽእላ መንገዲ እዩ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ዕስራ ዓመታት ዝተመኰረትሉ ሓኪም ሕማም ለበዳ ኰይና ትርከብ። ምስቶም ጾታ መሰረት ንዝገበረ ዓመጽ ዝቃለሱ ሕብረተሰባት ከኣ ብቐረባ ትሰርሕ፣ እንተላይ ኣንጻር ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ትዓዪ።
ካትሪን ጐድኒ ጐድኒ ናይ ሕክምና ስርሓ፡ ኣብቲ ኣውራጃ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ስራሓት ትነጥፍን ተወሃህድን።
"ኣብ ሕብረተሰበይ ዝርእዮ ዝነበርኩ ጸገማት ደው ኣብ ምባል ክሕግዝ ዝኽእል ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣብ ዕድመ ኵትትናአን ይጠንሳ፣ ምኽንያቱ፡ ምስ ተኸንሸባ 'ድሉዋት' ዝዀና ስለ ዝመስለን ኣኽቢደን ኣይርእዮአን እየን።"
ካትሪን፡ ነታ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝኸንሸበታ ሰበይቲ ትኸዳ እያ፣ ገና ክሳዕ ሕጂ ምኽንሻብ ትቕጽል ኣላ።
"ነታ ሰበይቲ እፈልጣ እየ፣ ንብዙሕ ዓመታት ድማ ጸሊአያ እየ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ከተማታት [ናይዛ ኣውራጃ] ክሊኒክ ነይሩዋ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ንዓይ ንስኺ ዋልታይ ክትኰኒ እዩ ዝግባእ ነይሩ፣ እንተዀነ ግዳ ብኣንጻሩ ኣብ ጐዳኢ ነገር ኢኺ ተሳቲፍኪ። ንጥዕናይ ጽቡቕ ከም ዘይኰነ እናፈለጥኪ ኢኺ ውዒልክዮ። ገና'ውን ትቕጽልዮ ኣለኺ፡" ኢለያ።
"ክብድሃ ዝደልየሉ እዋን ነይሩ፣ ምስ ግዜ ግና ካብ ውሽጠይ ፍወሳ ክረክብ ከም ዘለኒ ተገንዚበ፡" ትውስኽ።
ካትሪን፡ ካብ ሕሉፍ ተደሪዀም ኣብ ጣዕሳ ክወድቁ ስለ ዘይደለየት፡ ብዛዕባ'ዚ ምስ ወለዳ ከም ዘይተዛረበት ትገልጽ። ኣብዚ ትገብሮ ጐስጓስ ግን ኣደኣ ቀንዲ ደጋፊታ ምዃና ትሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Catherine Meng’anyi
ኬንያ ኣብ 2001 ንምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ብኸፊል ኣጊዳቶ፣ ኣብ 2011 ድማ ነቲ ተግባር ምሉእ ብምሉእ ክውገድ ኣጽዲቓ።
እንተዀነ፡ ኣብ ገለ ሕብረተሰባት ብባህልን ልምድን ዝተሰረተ ብምዃኑ፡ ምኽንሻብ ገና መሊኡ ደው ኣይበለን።
ካትሪን ኣብቲ እዋን'ቲ ምኽንሻብ ዘይሕጋዊ ስለ ዘይነበረ፡ ነታ ከንሻቢታ ኰነ ወለዳ ዝመጽኦም ሳዕቤን ኣይነበረን።
ሓያሎ ሰባት ንምኽንሻብ፡ ከም ቅድመ-ኵነት ንመርዓ፡ ከም ናብ ዓቕመ-ሄዋን መሰጋገሪ ወግዒ፡ ከምኡ'ውን ብዓይኒ እቲ ሕብረተሰብ ከም ናይ ንጽህና ምልክት ገይሮም ይሓስቡዎ።
ካትሪን ክልተ ኣብ ዕድመ ኵትትና ዝርከባ ኣዋልድ ኣለዋኣ፣ ብዛዕባ እቲ ኣገባብ ድማ ምስአን ብኽፉት መንፈስ ከተዕልል ጀሚራ ኣላ።
"ክሳዕ ሕጂ ንደቀይ እንተ ዘይኣኸንሺብክየን ባዕልና ክንክንሽበን - ባህልና እዩ ዝብላኒ ሓካይም ኣለዋ።"
"እታ በዅሪ ጓለይ 18 ዓመት፡ እታ ምንኣሳ ድማ 16 ዓመት ገይረን ኣለዋ። ኣይተኸንሸባን፣ እዚ ድማ ንኣይ ኣዝዩ ዘሐጕሰኒ እዩ።"
"ምስ ተመርዓኹ ብድሆ እዩ ገጢሙኒ። ንደቅኻ ከተኸንሽበን ኣለካ ኢሎም ይዛረቡ ነይሮም። መብዛሕትኡ ግዜ'ውን ነቲ ሓሳቦም ብጸርፊ የሰንዩዎ ነይሮም።"
ደቃ ሓድሓደ እዋን "ሞሳጋነ" ተባሂለን ይጽውዓ፣ ብቛንቋ ኩርያ "ዘይተገርዘት ጓል" ማለት እዩ።
"ኣነ ንባዕለይ'ውን ከም ዝተኸንሸብኩ ነጊረዮም። ኣእምሮኣዊ በሰላ ድማ ሓዲጉለይ እዩ። ሓድሓደ እዋናት፡ ከም ረኽሲ ኣብ ሻምብቈ-ሽንቲ ዝኣመሰለ ጸገማት ኣለኒ።"
'ብሓካይም ዝካየድ ምኽንሻብ ኣይዝረበሉን እዩ'
ኣብ ኬንያ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት፡ ምኽንሻብ ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 19 ዓመት ኣብ ዘለዋ ደቀንስትዮ ብልዕሊ ፍርቂ ከም ዝነከየ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኬንያ ንምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ዝያዳ ደው ከብሎ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ካትሪን ዘተሓሳስብ ነገራት ከም ዘጋጠመ ትዛረብ። እቶም ከንሸብቲ ንኸይትሕዙ ይጽዕሩ ኣለዉ።
ከም ባህሊ፡ እቲ ወግዒ ምኽንሻብ ብግልጺ ንግሆ ንግሆ ዝካየድ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከባቢ 10-12 ዕድመ ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ደቀንስትዮ ይካየድ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ምእንቲ ከይፍለጣ፡ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚአን ቈልዑ ከም ዝኽንሸባ ይግበር ኣሎ።
"ብዛዕባ ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ኣይዝረብን እዩ። ሰባት ብዛዕባኡ ክዛረቡ ስለ ዘይደልዩ ድማ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ'ዩ፡" ክትብል ትገልጽ።
"ክኽንሽቡን ክሕብኡን እዮም ጸኒሖም፡" ትውስኽ።
"እቶም ምኽንሻብ ዘዘውትሩ ሕብረተሰባት ንምቕጻሉ ገና ዓቢይ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ። ሕጂ'ውን ኣወዳት ኣምሲሎም፡ ኣዋልድ ናብቶም ከንሸብቲ ይወስዱ ኣለዉ።"
"ንኸይትሓዙ ብስሉጥ እዮም ዝገብሩዎ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብዙሕ ጕድኣት የብጽሑ። እተን ኣዋልድ ብዘይግቡእ ይኽንሸባ ኣለዋ። ክትምርምረን ከለኻ፡ ብታህዋኽ ዝተገብረ እዩ ዝመስል።"
ክሳዕ 2020፡ ኣብ መላእ ዓለም ብገምጋም 52 ሚልዮን ደቀንስትዮ ብሓካይም ከም ዝተኸንሸባ ዩኒሴፍ ይገልጽ።
ኣብ ሚያዝያ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ንመምርሒታቱ ኣመሓይሹ። ብሓካይም ዝግበር ምኽንሻብ ብዝሑ ብምውሳኹ ድማ ስክፍታታቱ ገሊጹ።
ገለ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሩዎ፡ ብሰራሕተኛታት ጥዕና ክፍጸም ከሎ ዝያዳ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ዝዓሞቐን ዝኸበደን ምቝራጽ ከስዕብ ስለ ዝኽእል፡ ይብል ውድብ ጥዕና ዓለም።
ካትሪን ኣብ መጻኢ ናይ ደቂሃገራ ደቀንስትዮ ትስፍውቲ እያ።
ኣብ ገለ ኣካላት ሕብረተሰብ ምኽንሻብ ይቕጽል እኳ እንተ'ሎ፡ ዋላ ከምቲ ዝድለ ኣይኵን ምዕባለ ግን የርኢ ከም ዘሎ ትዛረብ።
ኣብ ኬንያ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት፡ ኣብ 15 ክሳብ 19 ዓመት ዝዕድመአን ደቀንስትዮ፡ ካብ 26% ናብ 9% ልዕሊ ፍርቂ ከም ዝነከየ መረዳእታ ዩኒሴፍ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







