ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም 'ኣማራጺ' ይርእዮ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, FB
ዝሓለፈ ሸሞንተ መጋቢት 2025፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝተመስረተ ክልተ ዓመቱ ዝደፈነ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ መንጎ ህወሓት ብዝተፈጥረ ምምቅቓል ኣብታ ክልል ናይ ስልጣን ሃጓፍን ቅልውላውን ፈጢሩ'ሎ።
ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ "ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብስራሕ ስለ ዝጸውዓኒ እየ ንኣዲስ ኣበባ መጺአ እምበር ኣይሃደምኩን፣ ስርሐይ ምስ ወዳእኩ ናብ መቐለ ክምለስ እየ፡" ኢሉ ነይሩ።
እንተዀነ ከምቲ ዝበሎ ኣይተመለሰን።
እቲ 'ውግእ የንጸላሉ ስለ ዘሎ ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣለዎ' ብዝብል ጽሑፍ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ዝተማሕጸነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ'ውን ደሃዩ ኣይተሰምዐን።
ካልኦት ምስ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኰይኖም ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ'ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸዱ ምንጭታት ይሕብሩ።
ቢቢሲ ንገሊኦም ሰበ ስልጣናት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ኣዘራሪቡ'ሎ።
ኣቶ ጠዓመ ዓረዶም፡ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ብዓልመዚ ቍጽጽርን መድሃኒትን ትካላት ሕክምናን ትግራይ ኰይኑ ብጌታቸው ረዳ ኣብ ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ላዕለዋይ ካድር እዩ።
ቅድሚ ኵናት ትግራይ፡ ብዓል ሞያ ፋርማስን ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ድማ ላዕለዋይ ክኢላ ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ እቲ ሓላፊ፡ ኵናት ትግራይ ምስ ተወልዐ ናብ ሓይልታት ትግራይ ተጸምቢሩ ከም ዝተዋግአ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ቃለመሕትት ተዛሪቡ።
እቲ ብደብዳበ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ከም ዝተሸመ ዝጠቅስ ኣቶ ጠዓመ፡ ህወሓት ናብ ክልተ ምስ ተመቕለ ግን ምስቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ከም ዝተሰለፈ ይገልጽ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ጠዓመ'ውን፡ "ብስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጻእኩ ኵነታት ስለ ዝተበላሸወ፡ ድሕነት ስለ ዘይተሰምዓኒ ኣብዚ ክጸንሕ ወሲነ፡" ይብል።
ቢቢሲ፡ "ስራሕ ደኣ ብኸመይ ተካይዶ ኣለኻ? ስግኣትካኸ እንታይ እዩ?" ዝብል ሕቶታት ኣቕሪብሉ'ዩ። ክሳዕ ሕጂ ኣብ ስልጣኑ ከም ዘሎ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ "ኣብዚ ኰይነ ብቴለፎን ምስ ምክትለይን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ብዘካይዶ ዝርርብ እየ ዝመርሕ ዘለኹ፡" ይብል።
"ናብ ትግራይ ሕዚ ተመሊስካ ምኻድ ዘስግኣኒ ድማ ምስ እቲ ሓደ ምቃል ህወሓት ዘለዉ ላዕለዎት ካድረታት 'ንመስዋእቲ ተዳሊኻዶ ኴንካ?' ዝብል መልእኽቲ በጺሑኒ'ዩ፡" ይበለ ኣቶ ጠዓመ።
"ኣብ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ብጾተይ ዝነበሩ ናይ ኮሎኔል መዓርግ ዘለዎም ኣዘዝቲ ሰራዊት 'ሱቕ ኢልካ ደቅኻ ዘይተዕቢ፡ እዞም ሰባት ከይጐድኡኻ' ዝብል መልእኽቲ ሰዲዶሙለይ'ዮም፡" ይብል።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከደ፡ ዝበዝሑ ኣባላት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሃለዋቶም ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዘሎ ዝተሓተተ፡ ንድሕንቱ ስሙ ዝዓቀብናዮ ካልእ ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ "ኣብ ወረዳን ጣብያን ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ጸቕጢ እውን እንተ`ለዎም ኣብ ከከባቢኦም ከም ዝርከቡ፡ መብዛሕኦም ኣባላት ካቢነ ድማ ኣብ መቐለ ኣብ ስራሖም ኣለዉ፡" ኢሉ።
እቲ ካብ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወጻኢ ዘሎ ስልጣን፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓይሊ፡ (ካብ ኮር ንላዕሊ) ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ንዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ከም ዘረከበ እዩ ዝንገር።

ምንጪ ስእሊ, Teame Aredom
ቢቢሲ፡ ከንቲባታት መቐለን ዓድግራትን ብጓይላ ተዓጂቦም ነናብ ቤት ጽሕፈቶም ክኣትዉ ዘርእዩ ቪድዮታት ተመልኪቱ'ሎ።
እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣስዒቡ፡ "እቲ በቲ ሓደ ክፋል ህወሓትን ላዕለዎት ናይ ኮር ኣዘዝትን ዝተወስደ ስጕምቲ ዕልዋ መንግስቲ'ዩ፡" ይብሎ።
እዚ ክንፊ ነቲ 'ዕልዋ' ኢሉ ዝጸውዖ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት፡ "ምስ መንግስቲ ፈደራል ንምድርዳር የኽእለኒ'ዩ፡" ካብ ዝብል ግጉይ ቅማረ ከም ዝጀመረ ዝገልጽ እቲ ሓላፊ፡ ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ወጻኢ ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ጠቒሱ።
እቶም ነቲ ብውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ መንግስቲ ክምእዘዙ ዝግባኦም ዝነበሩ ወተሃደራዊ መራሕቲ'ውን ብተመሳሳሊ ካብ ተልእኾኦም ወጻኢ ፖለቲካዊ ስልጣን ንሓደ ፖለቲካዊ ጕጅለ ከረክቡ ሓይሊ ምጥቃሞም ዘይሕጋዊ ተግባር'ዩ ኢሉዎ።
ጕጅለ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ነቶም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ንውዕል ፕሪቶርያን ከም ዘፍረሱዎን ከም መጋበርያ መንግስቲ ፈደራል ከም ዝዀኑ እዮም ዝኸሱዎም።
እዚ ክንፊ ህወሓት ኣብ ትግራይ ብዘይካ ናይ ክልል ኣብያተ ዕዮታት ኵሎም ናይ መንግስቲ መሓውራት ከም ዝተቘጻጸረ ዝገልጽ ሓላፊ ብዓልመዚ ምቍጽጻር መድሓኒትን ትካላት ሕክምናን ትግራይ ኣቶ ጠዓመ ዓረዶም ብወገኑ፡ "እቲ ጕጅለ" እናበለ ዝጽውዖ ሓይሊ፡ ካቢነ ሓለፍቲ ዘይቀየረሉ ምኽንያት፡ "ካብቶም ነቲ ናይ ፕሪቶርያ ውዕል ዘፈራረሙ ኣካላት ኵነነ ከየጋጥሞ'ዩ እምበር፡ ከይቈጻጸር ዝኸልከሎ ሓይሊ የሎን፡" ይብል።
ካብ ድሕረ ኵናት ትግራይ፡ ክረዳድኡ ስለ ዘይከኣሉ ናብ ክልተ ዝተመቐሉ መራሕቲ ህወሓት ነንባዕሎም ክካሰሱ ካብ ዝጅምሩ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኰይኑዎም ኣሎ።
እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ሓደ ክፋል ህወሓት፡ ነቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ መንግስቲ ብኽሕደት ክኸስስ እንከሎ፡ እቲ ብግዝያዊ መንግስቲ ዝምራሕ ክንፊ ከኣ ብብልሽውናን ስሰዐን ይኸሱዎም።

ዕጥቃዊ ቃልሲ?
ገለ ላዕለዎት ኣመራርሓ ናይቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቶም፡ "ብኣፈ ሙዝ ዝተመንጠልናዮ ስልጣን ብኣፈሙዝ ኣምሊስና ህዝብና ሓራ ክነውጽእ ኢና፡" ዝብል ሓሳብ ኣስሚዖም ነይሮም።
ካብቲ ክውንነት ብምብጋስ ቢቢሲ፡ ነቲ ቃለመሕትት ዝሃበ ሓደ ላዕለዋይ ኣመራርሓ፡ "ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚርኩም ዲኹም?" ዝብል ሕቶ ኣቕሪብሉ'ዩ።
እቲ ሓላፊ ብግደኡ፡ "ንሕና ከም ሓደ ናይ ህወሓት ሓይሊ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም መማረጺ ኣይንወስዶን ኢና። ከምቲ ትብሎ ዘለኻ ካብቶም ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ኰነ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት 'ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚርና ኢና' ዘስምዕ ሓሳብ እንተ ጽሒፎም ተጋግዮም'ዮም፡" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
እቲ ሓላፊ ኣስዒቡ፡ "ነቲ ብዘይ ምቍራጽ ካብ ናይ ኵናት ፍጻመታት ርሒቑ ዘይፈልጥ ህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ናብ ሓድሕድ ኵናት ዝወስዶ ናይ ዕጥቂ ቃልሲ ኣይንድግፍን፡" ዝበለ ኰይኑ፡ "ጉዳይና ብድርድርን ሕጋዊ ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክነፈጽሞ ኢና እንደሊ፡" ኢሉ።
እቲ ኣብ ትግራይ ብሓይሊ ዝተገበረ ዕልዋ መንግስቲ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ምግታእ፡ "ተጋሩ ነንባዕልና ክንታዀስ ዝገብር ሓደገኛ መገዲ ስለ ዝዀነ ብውልቀይ ከም መፍትሒ ገይረ ኣይመርጾን፡" ዝበለ ኣቶ ጠዓመ'ውን፡ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ዘሎ ህወሓት ጸገማቱ ብድርድርን ልዝብን ክፈትሖ ሕርያኡ ከም ዝዀነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ብሓይሊ ዝተደገፈ ምትኽኻእ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ናብ ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ትግራይ ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ይተኣኻኸቡ ከም ዘለዉ፡ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ይገልጹ።
እንተዀነ ምስቶም ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝተደፍኡ ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምትእስሳር ይሃልዎም ኣይሃልዎም ግን ንጹር ኣይኰነን።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓሙስ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ንሕቶታት ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝመለሰሉ ኣኼባ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክቕጽል ዘኽእሎ ናይ ሕጊ ምምሕያሻት ይግበር ከም ዘሎን ናይ ሓለፍቲ ለውጢ ክግበር ከም ዝኽእልን ኣመላኺቱ ነይሩ።

ትማሊ ባሕቲ ሚያዝያ፡ ፓርላማ ኢትዮጵያ ከኣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ናይ ክልል ጉዳያት ጣልቃ ንኽኣቱ ዝሕግዞ ሕግታት ከም ዘማሓየሸ ብዜና ተቓሊሑ ኣሎ።
ብዛዕባ እቲ ዝቐውም ግዝያዊ ምምሕዳር ንምውቓር ዘኽእል ድርድራት ይካየድ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ እቲ ስሙ ክንዕቅበሉ ዝሓተተ ብጌታቸው ረዳ ናይ ዝምራሕ ህወሓት ላዕለዋይ ሓላፊ፡ "እቲ ምምሕዳር ናይ ሓደ ፓርቲ ዓብላልነት ዘይብሉ ሓቛፋይ ክኸውን ኢና እንደሊ፡" ኢሉ።
"ኣብ ግዜ መኸተ ዝተጣየሸ ሰራዊት ትግራይ ተጸዋዕነቱ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኰይኑ፡ መደባት መንግስቲ ዘፈጽም'ዩ ክኸውን ዘለዎ፡" ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ "ንናይ ጸጥታ ስግኣትና ኣብ ግምት ዘእተወ ሓይሊ ተወዲቡ እቲ ዝተረፈ ድማ ብዲዲኣር ነናብ ስርሑን ናብራኡን ክጣየስ'ዩ ዘለዎ" ኢሉ።
ምስ እዚ ተዛሚዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ኰነ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ብውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ዘይተመለሰሉ ኵነታት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ብዲዲኣር ምጥያስ ማለት 'ሕማም ደሓር' ገዲፍካ ምኻድ'ዩ ዝብል ሓሳብ ከንጸባርቑ ይረኣዩ እዮም።
ቢቢሲ ነቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ናብ ትግራይ ክምለሱ ዝግብኦም ከባቢታት ትግራይ ዘይተመለሰሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ዘይተመለሰሉ ምኽንያት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ዝፈረሞ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ቃሉ ስለ ዘይተረኸበ'ዩ፡" ኢሉ።
ምዕራብ ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ኵናት ዝነበሮ ምምሕዳራዊ ግዝኣት ትግራይ እንተ ተመሊሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ከይዅርዩ' ኢሉ ዝሰግኦም ሓይልታት ከም ዘለዉን ምስ ህወሓት ምሉእ ምትእምማን ስለ ዘየሎን ምስ ካልእ ናይ ደገ ሓይሊ ክራኸቡ ዕድል ዝኸፍት'ዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ'ውን እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።
እንተዀነ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ብምልኡነት ምፍጻምን ኣብ ትግራይ ዕድመኡ ክናዋሕ ናይ ሕጊ ምምሕያሽ ዝግበረሉ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓቛፋይ ገይርካ ፖለቲካዊ ስልጣን ምምቕራሕ ብሕታዊ መዋጽኦ ፖለታዊ ውጥጥ ትግራይ ከም ዝዀነ'ዩ ዝኣምን።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ "ናብ መረበቶም ዘይተመለሱ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ፡ ብሰንኪ ፖለቲካን ሰብኣውነት ዝጐደሎም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓድሓደ ፖለቲከኛታት ከም ዝዀነ ተዛሪቡ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ድሕሪ እቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት በሊዑ ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ዝበለ ኵናት ትግራይ፡ ምምቕቓል ህወሓት ስዒቡ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ሓደ ክንፊ ህወሓት ኢና ድግፍ ኢና ኢሎም፡ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ብምክያዶም፡ ትግራይ ናብ ካልእ ሓደገኛ ኵናት ሓድሕድ ከይትኣቱ ንብዙሓት የሻቕል ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







