እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓዲ እንግሊዝ፡ ዓቃባውያን 750 ሽሕ ስደተኛታት ንምስጓግ ይሕነዩ
ዓቃባውያን ኣብ ዝቕጽል መረፃ እንተተዓዊቶም፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት 750 ሽሕ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዘባርሩ ይሕነዩ።
እቲ ሰልፊ ዓመታዊ ዋዕላኡ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ ብዘይ ፍቓድ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዉ ሰባት ንሓዋሩ ዑቕባ ከይሓቱ ክእግድ ቃል ኣትዩ።
ብተወሳኺ እቶም ሕቶኦም ዝተነፅገ፡ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ቀሪቦም ከይኸሱን ከይመላለሱን፡ ኣብ ክንድኡ ሕቶ ይግባይ ብሰበስልጣን ቤት ጽሕፈት ውሽጢ ዓዲ- ጥራይ ክረአ እዩ።
ሰበስልጣን ሓለዋ ዶባት፡ "ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ወይ እንተበዝሐ ኣብ ውሑዳት መዓልታት" ሰባት ክመልሱ መምርሒ ክወሃቦም ምዃኑ ቶሪስ [ዓቃባውያን] ይገልጹ።
እቲ ሓድሽ "ሓይሊ ዕማም"፡ ወፃኢኡ ብዕጽፊ ናብ 1.6 ቢልዮን ፓውንድ ኣብ ዓመት ክውስኽ ምዃኑ እቲ ሰልፊ ይገልፅ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ተጣበቕቲ- ሰልፊ ቶሪስ ኣብ ማንቸስተር ንዓመታዊ ዋዕላ ኣብ ዝእከቡሉ ዘለዉ እዩ።
ኣብ ትሕቲ መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊ ኬሚ ባዴኖች ኣብ ማንቸስተር ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ኣብ ዙርያ ሓሳብ 'ሪፎርም ዓባይ ብሪጣንያ' ን ቀፃሊ ብድሆ ብኸመይ ክገጥምዎ ይኽእሉ ዝብሉ ሕቶታትን ዘትዩ።
ኣብ ምጅማር እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝፀንሕ ጉባኤ፡ እቲ ሰልፊ ድሮ ነቲ ናይ 75 ዓመታት ኣባልነት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤውሮጳዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት (ECHR) ከም ዘብቅዖ ገሊጹ ኣሎ።
እዚ ድማ ብሰፊሑ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣካል ናይቲ ዘዘራርብ ዘሎ ናይ ፖሊሲ ለውጢ እዩ።
ብመሰረት እቶም ሓደሽቲ እማመታት፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽን ቤት ጽሕፈት ውሽጢ-ዓዲ፡ እቲ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ዝኣሊ ሓይሊ ዕማም [Removal Force] ተባሂሉ ዳግማይ ክጽዋዕን ሰፊሕ ስልጣን ክወሃቦን፡ ዑቕባ ዝህቡ ሆቴላት ብምዕጻው 820 ሚልዮን ዝግመት ወፃኢታት ከትርፍን ከም ዝከኣል ይገልጹ።
እቲ ሰልፊ፡ ነቲ ሓድሽ ኣሃዱ ኣብ ዓመት ብውሑዱ 150 ሽሕ ሰባት ከውጽእ "ትእዛዝ" ከም ዝወህቦን፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ፡ ብድምር 750 ሽሕ ሰባት ከም ዝሰጉግ ይገልጽ።
እዚ ድማ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዘይሕጊ ዝነብሩ ሰባት ከምኡ'ውን ኣብ መጻኢ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣትዉን፡ ብኸበድቲ ገበናት ዝተፈርዱ ወጻእተኛታት ዜጋታትን ዘጠቓልል ምዃኑ እቲ ሰልፊ ይገልጽ።
እዚ ውጥን ዓቃባውያን፡ ሰልፊ 'ሪፎርም ዩኬ' ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ፡ ኣብ መረፃ እንተተዓዊቱ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ 'ውዕል ስደተኛታት ሕብረት ኣውሮጳ' ከብቅዕን፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት 600 ሽሕ ስደተኛታት ንምስጓግን ተመሳሳሊ መብጽዓ ድሕሪ ምእታዉ እዩ።
ቶሪ፡ ነቲ ውዕል ሕብረት ኣውሮጳ ምብቃዕ ዝብል ውሳነ፡ ምስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሌበር ቀንዲ ኣፈላላይ ዝፈጥር ነጥቢ ኰይኑ ኣሎ።
መንግስቲ ሌበር፡ ነቲ ውዕል ክቐድድ ዝመረጸ ኮይኑ ግን ምስ ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ ብኸመይ ከምዘስማምዖ ይግምግም ኣሎ።
ኩሎም ሰልፍታት ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተመሳሳሊ ቅዋም ዝሕዙ ዘለዉ ዀይኖም፡ ሌበር ብቻነል ኢንግሊዝ ዝግበር ምትሕልላፍ ንምግታእ ዝያዳ ተሪር ስጉምቲ ንምውሳድ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብፍላይ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ፈረንሳይ መሊስካ ምስጓግ ዝብል ስጉምታት፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ከመላልስን ከዘራርብን ቀንዩ ኣሎ።
ሓደ ኤርትራዊ፡ ቤትፍርዲ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ናብ ፈረንሳ ንኸይምለስ ዝገበሮ ምድንጓይ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ በቲ መንግስታት ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን "ሓደ ክኣቱ፡ ሓደ ይወጽእ፡" ዝብል ስምምዐን መሰረት ናብ ፈረንሳ ክምለስ ተገይሩ።