እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ፉጅያን'፡ ዘመናዊት መርከብ ውግእ ቻይና ንኣመሪካ ተስግኣ ድያ?
ኣብ ሕዳር 2025 ዝተበገሰት ሳልሰይቲ መርከብ ጽዕነት ነፈርቲ ቻይና፡ ካብተን ቅድሚ ሕጂ ዝነበራ ክልተ መራኽብ ኣዝያ ዘመናዊት ምዃና ክኢላታት ይገልጹ።
እዚ ድማ ንበይጂን ናብቲ ኣብ ምዕራባዊ ፓስፊክ ዝነበረ ዕብለላ ኣመሪካ ንምብዳህ ዝወጠነቶ ዕላማ ዓቢ ዝላ ምዃኑ ይእመን።
እዛ 80 ሽሕ ቶን ክብደት ዘለዋ ፉጅያን፡ ብስም እታ ናብ ታይዋን እትቐርብ ግዝኣት ዝተሰምየት ኰይና፡ ክሳብ 70 ነፈርቲ፡ ምዕቡላት ዝተፈላለያ ነፈርቲ ውግእ፡ ሄሊኮፕተራትን ቅድመ-መጠንቀቕታ ዝህባ ነፈርቲን ክትሽከም ትኽእል።
ካብ ነዊሕ ርሕቀት ዝመጻ ሓደጋታት ብቐሊሉ ከተለሊ፣ ስርዓት ምክልኻል ኣየር ከተወሃህድን ዕሉም-መጥቃዕቲ ንምክያድ ተኽእልን ምዃና ይንገረላ።
ንሓይሊ ባሕሪ ቻይና ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ምዕራፍ ከምዝሰጐመ እተርእን፡ ተዓጻጻፍነትን ትወስኽን ካብ ምዃን ሓሊፋ፡ ቻይና ዘለዋ ዓብላልነት ንምርግጋጽ ዕላማ ዝሃረመት ምዃና ዘነጽር እዩ።
እዛ ሓዳስ መርከብ ጽዕነት ነፈርቲ ውግእ፡ ናይ መጀመርያ ኤሌክትሮ-ማግነታዊ ካታፑልትን ጽፍሒ መብረሪ ቦታ ዘለዋ ኰይና፡ ዓቢ ክብደት ዘለወን ነፈርቲ ውግእ ክትውንጭፍ፣ ዝያዳ ነዳዲ ክትክዝንን ከምኡ'ውን ዝተፈላለዩ ተወሰኽቲ ኣጽዋር ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ከምዘለዋን ተፈሊጡ'ሎ።
ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዝተገልጽ ዓቕሚ ዘለዋ መርከብ እትውንን ኣመሪካ ጥራይ እያ ነይራ።
"እዚ ንቃፍላይ መራኽብ ጽዕነት መጥቃዕቲ ቻይና ናብ ሓድሽ ምዕፍራ ኣሰጋጊሩዎ'ሎ፤ እዚ ድማ ካብተን ዝነብራ ክልተ መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ ሊያኦኒንን ሻንዶንን ኣዝያ ትበልጽን ትምዕብልን" ክብል ዶክተር ዊልያም ሲ ቹንግ ካብ ትካል መጽናዕቲ ሃገራዊ ምክልኻልን ጸጥታን ታይዋን ንቢቢሲ ኒውስ ቻይና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
"ብርግጽ፡ ዲዛይን ናይታ መርከብን ኤሌክትሮማግነታዊ ካታፑልትን ንብቕዓት ምብጋስን ምዕላብን ነፈርቲ ናብ ዝተመሓየሸ ደረጃ ኣበርኺዎ'ሎ። ስኪ-ጀምፕ ተሰካሚ ነተን ንኽብደት ኣጽዋር ብምቍጽጻር፡ እቲ ስርሒት ብተዓጻጻፍነት ክካየድ ሓጋዚ ይኸውን፡" ክብል ይገልጽ።
መግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ንፉጂያን ኣብ ምዕባለ ሓይሊ ባሕሪ ቻይና "ዓቢ ምዕራፍ" ክብላ ንኢደናኦ። ቻይና ሕጂ ምስ ኣመሪካ ማዕረ "ዲፕሎማስያዊ ውግእ መራኽብ ጽዕነት" ከተካይድ ትኽእል እያ ክብል ዶክተር ቹንግ ኣብ ሓበሬታኡ ገሊጹ።
ከምቲ ኒውዮርክ ታይምስ ዝብሎ፡ ካብ "ዘመናዊ ምክልኻል" ናብ "ኣጥቃዒነት ድርኺት" ከምዝተሰጋገረት ገሊጹ።
ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢ ፒን፡ ፓስፊክ ንኣመሪካን ቻይናን እዅል ኰይኑ፣ እዚ ዝተበጽሐ ደረጃ ብሓጺሩ ንማዕርነቶም ከምዝገልጽ ሓቢሩ።
ቻይና ኣብ ትሕቲ ሺ ዢ ፒን ሓይሊ ባሕራ ኣብ ምምዕባል ብፍጥነት ከተስፍሕ ጸኒሓ - ናይዚ መርኣያ ድማ ኣብዚ እዋን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበራ መራኽብ ትውነን፣ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካን መሻርኽታን ጸቕጢ ፈጢሩ ኣሎ።
ንሱ ፉጂያን መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ ኤሌክትሮማግኔቲክ ካታፑልት ክጥቀም ከምዘለዎ "ብውልቁ ከምዝወሰነ" ማዕከናት ዜና መንግስቲ ሓቢረን። ከምኡ'ውን ነቲ ኣብ ደቡባዊ ደሴታዊ ኣውራጃ ሃይናን፡ ዝተኻየደ ዕዉት ስነስርዓት ምጅማር ስራሕ እታ መርከብ ተረኺቡ፡ ነፈርቲ እናፈተሸን ንኣብረርቲ ክንእዶምን ተራእዩ።
ፕረሲደንት ሺ ኣብቲ ቀጠልያ ወተሃደራዊ ልብሲ ተኸዲኑ ዘስመዖ መደረ፡ ንዅሎም ኣብቲ ዕወት ስራሕ ዝበርክቱ ጀጋኑ መጕሱ ናይ ክብሪ ወተሃደራዊ ሰላምታ ብምልጋስን፡ ንዝያዳ ዓወት ክቃለሱን፡ "ነዚ ብሉጽ ኣካይዳ ድማ ሓልዉ!" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ትካል ስትራተጂያዊ ፖሊሲ ኣውስትራልያ ንፉጂያን "ቅልጡፍ መከላኸሊ" ኢሉ ክሰምዮ እንከሎ፡ ንምህዞታት ወራራትን ተዋጋእትን ማይን ምድርን ብቕልጡፍ ከጓዕዛ ከምዝኽእላ ገሊጹ።
ዶክተር ቹንግ ኣብቲ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ግዜ ሰላም፡ ፉጂያን ምስ ምውፋር መራኽብ ጽዕነት ኣመሪካ ዝመሳሰል ምኽባር ጸጥታ ከምእትዋፈር ኣረዲኡ።
ኣብ ነዊሕ እዋን፡ ናብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ክዝርጋሕ ዝኽእል ዓለምለኻዊ ዝርግሐ ክትዋፈር እያ"ኢሉ።
"በይጂን ንነዊሕ እዋን ነታ ባዕላ እትመሓደር ታይዋን ከም ኣካል ግዝኣታ ክትሪኣ ጸኒሓ'ያ"፡ ሓደ መዓልቲ "ናብ ግዝኣታ ክትጥርነፍ" ምዃና ብምግላጽ፡ ሓይሊ ምጥቃም ከምዘየድልያ ተብርህ።
ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ትካል ምሕሳብ ትካል ሁድሰን ኢንስቲትዩት ዶክተር ሳቶሩ ናጋኦ፡ እቲ ፉጂያን ካብ ፓስፊክ ጀሚሩ፡ ንምብራቓዊ ዕርድታት ምክልኻል ታይዋን ኣብ ሓደጋ ናይ ምእታው ዓቕሚ ከምዘለዎ ይሕብር።
ንሱ ንቢቢሲ ኒውስ ቻይና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንፉጂያን ኣብኡ ምውፋር ኣብ ልዕሊ እዞም መከላኸሊታት ማይን ምድርን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ምድጋፍ'ዩ" ኢሉ።
ዋላ'ኳ፡ ኣብ ኦኪናዋ፡ ጃፓን፡ ደቡብ ኮርያ፡ ጉዋምን ፊሊፒንስን ከይተረፈ ኣብ መደበራት ሓይሊ ባሕሪ ዝርከቡ ሓይልታት ኣመሪካ ብቐሊሉ ግብረመልሲ ክህቡ ይኽእሉ። እተን መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ ኣመሪካ 11100,000 ቶን ዝምዘና ብኑክሊየር ዝሰርሓ እየን።
ዶክተር ቹንግ ከም ዝሕብሮ፡ ብኣንጻሩ ሞተር ነዳዲ ፉጂያን፡ ካብ ደገፍቲ መራኽብ ብተደጋጋሚ ቀረብ ከምዘድልያ፣ በዳሂ ዝገብሮ ከኣ ቻይና ዓበይቲ ወደባት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘይብላ ምዃኑ፣ ንናይ ውግእ ዓቕማ ኣዝዩ ከምዝድርቶ ኣረዲኡ።
ኣቶ ሞሪኪ፡ ካብ ሃገራዊ ትካል መጽናዕቲ ምክልኻል ጃፓን ኣብ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዝተሓትመ ገምጋም ፉጂያን፡ ብመዳይ ቴክኖሎጂ ሰራሕተኛታት ብድሆታት የጋጥሙ ምህላዎም ጽሒፋ።
ዶክተር ቹንግ፡ "ሓፈሻዊ ናይ ውግእ ዓቕምን ተመኵሮን ናይተን ፉጂያንን ካልኦት መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ ቻይናን ገና ካብቲ ኣብ ጭቡጥ ውግእ ዝተዋግአ ሰራዊት ኣመሪካ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ" ኢሉ።
ኣድሚራል ብሬት ሚየቱስ ኣብ መስከረም 2025 ንዋሽንግተን ፖስት ከም ዝበሎ፡ ቻይና "ሰለስተ መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ ኣለዋ፣ ብኣንጻሩ ንሕና (ኣመሪካ) 11 ኣለዋና - ንዓሰርተታት ዓመታት ድማ ኣብኡ ጸኒሕና ኣለና" ክብል እቲ ስግኣት ብዙሕ ከምዘይኰነ ከረድእ ፈቲኑ።
ምምዕባል ላዕለዋይ ቴክኖሎጂ ሚሳይላት ግን ንሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ትርጕም መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ ኣጉዲልዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ከምኡ'ውን ዋላ'ውን ብኤሌክትሮማግነታዊ ካታፑልትስ፡ ኣብረርቲ ገና ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኵነታት ምብጋስን ምዕላብን፣ ኣብ ልዕሊ ማዕበል እናተናወጸ ኣብ ዝርከብ ጽፍሒ ከካይድዎ ኣለዎም።
ዶክተር ናጋኦ ንቢቢሲ ኒውስ ቻይና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብኪነታዊ ብልሒ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ተበጺሑ፣ መራኽብ ድሮናት ዝያዳ ውጽኢታዊ ክኸውንን ቀንዲ መሰረት ሓይሊ ከምዝኸውን" ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቻይና ድሮ ራብዐይቲ መርከብ ጽዕነት ነፈርቲ ትሰርሕ ከምዘላ ምስልታት ሳተላይት ይሕብሩ።
እታ መርከብ ኣብ ቴክኖሎጂያዊ ብቕዓታ ኣብ ምምዕባልን ናብ ብኒዩክለር ዝሰርሓ ጽዕነት መካይን ንምስግጋርን መደባት ይካየድ ከምዘሎ ክኢላታት ይዛረቡ።
ከምኡ'ውን እቶም ክኢላታት ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ባሕሪ ዝካየድ ውድድር ኣጽዋር ከምዝህሉ ይግምቱ።
"ኣመሪካ ከይተረፈት ሓደስቲ መራኽብ ውግእ ተፍሪ ኣላ፣ እዚ ከኣ ንዓብላልነታን ዘርጋግጽ እዩ፡" ክብል ብምኒስትሪ ሃገራዊ ምክልኻል ታይዋን ዝድገፍ ኢንስቲትዩት ምርምር ሃገራዊ ምክልኻልን ጸጥታን ታይፐይ ጂያንግ ህሲን-ቢያኦ ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ተዛሪቡ።
"እቲ ስግኣት ንኽልቲኡ ወገናት፡ ንቻይና ይዅን ንኣመሪካ ሓደ እዩ።"