ታይዋን፡ ንቻይና ዘቖጥዐ ሓድሽ ስጉምቲ ኣመሪካ እንታይ'ዩ?

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ንናጽነት ታይዋን ከም ዘይትድግፍ ዝገልጽ ሓረግ ካብ መርበብ ሓበሬታኡ ምስራዙ ንቻይና ኣቘጢዑ።

ቻይና እቲ ስጕምቲ "ንናጽነት ታይዋን ንዝጣበቝ ተገንጸልቲ ሓይልታት ጌጋ መልእኽቲ ዘሕልፍ'ዩ፡" ኢላ።

ብተወሳኺ ኣመሪካ "ጌጋኣ ክትእርም" ቻይና ብጽኑዕ ሓቲታ።

ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝምድና ታይዋንን ኣመሪካን ኣብ ዝምልከት ሓበሬታኡ፡ "ናጽነት ታይዋን ኣይንድግፍን ኢና" ዝብል ሓረግ ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

ይዅን'ምበር እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ኣካል ናይቲ "ስሩዕ" ምዕባለ ዝበሎ ኰይኑ ከም ዝተኣለየ ይፍለጥ።

ቻይና፡ ነታ ባዕላ እትመሓደር ታይዋን፡ ከም ኣካል ግዝኣታ እያ እትቘጽራ። ኣብ መወዳእታ ንኽትጥቕልላ ድማ ሓይሊ ክትጥቀም ከም እትኽል ይእመን።

ብዙሓት ታይዋናውያን ግን ንነብሶም ከም ኣካል ናይ ሓንቲ ዝተፈለየት ሃገር እዮም ዝቘጽሩ።

እንተዀነ መብዛሕትኦም ታይዋን ካብ ቻይና ናጽነታ ዘይኣወጀትሉ ወይ ምስኣ ዘይተወሃደትሉ ኵነታት ምዕቃብ ኣመልኪቱ ድጋፍ ከም ዘለዎም ይንገር።

እቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተመሓየሸ ሓበሬታ ነቲ ሓረግ ካብ ምእላይ ሓሊፉ፡ ኣመሪካ "ኣድላይ ኣብ ዝዀነሉ" ኣባልነት ታይዋን ኣብ ዓለምለኻዊ ትካላት ክትድግፍ ምዃና'ውን እዩ ዝጠቅስ።

ወሃቢ ቃል ኣብ ታይዋን ዝርከብ ትካል ኣመሪካ፡ ብዛዕባ እቲ ለውጢ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ሓበሬታ "ብዛዕባ ዘይወግዓዊ ዝምድና [ኣመሪካ] ምስ ታይዋን ንሓፈሻዊ ህዝቢ ንምሕባር ከም ዝተመሓየሸ፡" ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ገሊጹ።

"ካብ ክልቲኡ ወገን ዘሎ ኵነታት ኣመልኪቱ ካብ ሓደ ወገን ዝመጽእ ለውጢ ከም እንቃወሞ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዝና ገሊጽና ኢና።"

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ታይዋን ሊን ቺያ-ሉንግ ንኣመሪካ "እወታዊ፡ ንታይዋን ዝምችእ ቃላት" ብምጥቃማ ኣመስጊኑ።

ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ቻይና ግን ነቲ ስጉምቲ ብምንቃፍ ክግምገም ጸዊዑ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ቻይና ጉኦ ጂያኩን፡ "እዚ ንናጽነት ታይዋን ንዝጣበቑ ተገንጸልቲ ሓይልታት ጌጋን ከቢድን መልእኽቲ ዘሕልፍን ኣመሪካ ንታይዋን ተጠቂማ ንቻይና ምግታእ ዝብል ግጉይ ፖሊሲኣ ብትሪ ትጸንዕ ከም ዘላ ዘመልክት ካልእ ኣብነትን'ዩ፡" ኢሉ።

"ኣመሪካ ጌጋታታ ብቕልጡፍ ክትእርምን ነቲ ሓንቲ ቻይና ዝብል መትከል ብትግሃት ክትዕቅብን ንላቦ፡" ክብል ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ።