ለይቲ ለይቲ ብኣናጹ ተወሪሩ ዝሓድር ሃገራዊ ባይቶ

ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ፓኪስታን ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቘም፤ ጉዳዮም ግን ፖለቲካዊ ኣይኮነን።

ምስ ጐረቤቶም ህንዲ ብጉዳይ ካሽሚር ብዝተሓሓዝ ዘጋጥሞም ጸገማት ዝተሓሓዝ’ውን ኣይኰነን፤ ምስ ወሰኽን ምጉዳልን ባጀት ዝተኣሳሰር እንተዝኸውን’ውን ኣይምተጸልአን።

እቲ ጸገም ምስ ኣናጹ ዝተኣሳሰር ጉዳይ’ዩ፤ ኣብ ትሕትን ቀዳማይ ደርብን ህንጻ ሃገራዊ ባይቶ ፓኪስታን ሰፊረን ዘለዋ ከከንዲ ደማሙ ዝዀና ኣናጹ’የን።

ቀትሪ ኣባላት ባይቶ ንሃገር ወሳኒ ዝዀነ ነገራት ክካትዕሉ ዝውዕሉ ህንጻ፡ ለይቲ በተን ከክንዲ ገለ ዝዀና ኣናጹ ተጎቢኡ ተባሒቱን ይሓድር።

ገለ ኮሚቴ ባይቶ ኣብ 2008 ሃገራዊ ባይቶ ዘካየዶም ኣኼባ ጽማቝ ጸብጻብ ክወሃቦም ምስ ሓተቱ’ዩ ክብደት ናይቲ ጉዳይ ኣቓልቦ ክረክብ ክኢሉ።

ናይቲ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ 2008 ዘካየዶ ኣኼባታት፡ ጸብጻብ ኣብ ዝቐረበሉ ልዕሊ ፍርቁ ብኣናጹ ተቐዳዲዱ ወይ ተበላሽዩ ጸኒሑ።

ውሃቢ ቃል ሃራዊ ባይቶ ፓኪስታን ዛፋር ጽልጣን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ነቲ ዘጋጠመ ጸገማት ብምእማን “እተን ኣብ ምድሪቤት ህንጻ ሃገራዊ ባይቶ ዝርከባ ኣናጹ ኣዝየን ገዘፍቲ’የን ዋላ ደማሙ ክፈርሕወን ይኽእሉ’ዮም” ኢሉ።

ኣብቲ ህንጻ ዝርከባ ኣናጹ ኣዝየን ስለዝተራብሓ፡ ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ነተን ኣብቲ ህንጻ ዝርከባ ኣናጹ ጠቕሊሉ ንምጥፋእ ዓመታዊ 1.2 ሚልዮን ሩቢ (4300 ዶላር] ሰሊዑ ኣሎ።

እቲ ባጀት ንኽጸድቕ ‘ህንጻ ባይቶ ፓኪስታን ካብ ምቍጽጻር ሓይሊ ኣናጹ ነጻ ክንገብሮ ኢና’ ዝብል መእመኒ ሓሳብ’ዩ ቐሪቡ።

እተን ኣናጹ ብብዝሒ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ሰኔትን ዝበዝሐ ፖሎቲካዊ ኣኼባታት ኣብ ዝካየደሉ ቀዳማይ ደርቢ’የን ዝርከባ።

ብዓቢኡ ኣብቲ ኣባላት ሃገራዊ ባይቲ ዝምገብሉ ውቍብ ኣዳራሽ’ውን ከይፈርሓ ዝንቀሳቐሳሉ ዕዳጋኣን’ዩ ኰይኑ ዘሎ።

እተን ኣናጹ ቀትሪ ብዙሕ ኣይርኣያን’የን ለይቲ ኵሉ ሰብ ነናብ ገዛኡ ምስ ከደ ግን ነቲ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ልዕሊ እቲ ቀትሪ’የን ዘዐምረኦ።

ሓደ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብቲ ህንጻ ሰብ እንተዘይሃልዩ፡ እተን ኣናጹ ነቲ ህንጻ ምልእ ኢለን ልክዕ ማራቶን ከምዝወዳደራ ናብዝን ናብትን ክብላ ኢኻ ትርእየን” ኢሉ።

ብምስዓብ “እዞም ኣብዚ ዘለዉ ኣባላት ቤት ጽሕፈተን ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ለሚዶመን’ዮም ንመጀመርታኡ ናብቲ ህንጻ ዝኣተወ ሰብ ግን ንግዝፈን ርእዮ ክብህርር ይኽእል’ዩ” ኢሉ።

ሃገራዊ ባይቶ ፓኪስታን ኣብ ዝተፈላለያ ጋዜጣታት እታ ሃገር፡ ነዘን ኣናጹ ዘጥፍእ ጸረ-ኣናጹ ዘለዎ ትካል እንተሃልዩ ዝሓትት ምልክታ ለጢፉ ኣሎ፤ እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ካብ ክልተ ትካላት ጥራይ’ዩ እወታዊ መልሲ ረኺቡ ዘሎ።