ከተማ ኒውዮርክ ሃዳናይ ኣናጹ ክትቖጽር እያ

እቶም ኣናጹ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ምልክታ ኣትዮም ኣለዉ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ከተማ ሓድሽ ሸሪፍ (ሓላፊ ፖሊስ) ክህሉ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ኤሪክ ኣዳምስ፡ ነቲ "ሓቀኛ ጸላኢ" ኒውዮርክ ንምምካት፡ "ዳይረክተር ምቅላል ኣናጹ" ወይ ከምቲ ብዙሓት ዝብልዎ ዘለዉ 'ሃዳኒ ኣናጹ' ይደሊ ኣሎ።

"እቲ ምቹእ ሕጹይ ልዑል ድራኸ ዘለዎን ብመጠኑ ደም ዝጸምኦን'ዩ" ይብል እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተለጠፈ ኣኽብሮት ዘይብሉ ናይ ስራሕ መወዓውዒ።

ነቲ ተራ ዝምረጽ ሰብ ክሳብ 170 ሽሕ ዶላር ክኽፈሎ ይኽእል።

ነቲ ስራሕ ዘድሊ ሰብ "ደፋር ጀብሃዊ ኣተሓሳስባ፡ ተንኮለኛ፡ ተዋዛዪን ብዘስካሕክሕ መንገዲ ዘድንቕ ባህሪ" ዘለዎን ኮይኑ እቲ ስራሕ "24/7 ጽንዓትን መድረኻዊ ስራሕን ዝሓትት" ተባሂሉ ተገሊጹ።

ሓላፍነታት ምምዕባል ስትራተጂታት ምቅላል ኣናጹ፡ ምምሕዳር ፕሮጀክትታትን ተበግሶታት ፖሊሲታትን ኣብ መላእ ትካላት ከተማ፡ ከምኡ’ውን ካብ ግንባር ዝስራሕ ሜላታት ምጽናት ምምራሕ የጠቓልል።

"ኣናጹ ነዚ ስራሕ ክጸልእዎ እዮም። 8.8 ሚልዮን ነበርቲ ኒውዮርክን መንግስቲ ከተማኻን ግን ምሳኻትኩም ንምንካይ፡ ጽሬት ንምዕባይን ተላገብቲ ሕማማት ንምክልኻልን ድሉዋት ኮይኖም ኣለዉ" ይብል እቲ መግለጺ ናይቲ ስራሕ።

ቅድሚ ሕጂ ንብዝሒ ኣናጹ እታ ከተማ ንምቁጽጻር ዝተገብረ ጻዕርታት ዝተሓዋወሰ ውጽኢት ድሕሪ ምምጽኡ፡ እዚ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝጀመረ "ኲናት ኣንጻር ኣናጹ" ናይ መወዳእታ ምዕባለ'ዩ።

ካልኦት ዝተወስዱ ስጉምትታት፡ ኣብ መላእ ጎደናታት መኽዘን ሳንዱቕ ምትካል፡ ነበርቲ ኒውዮርክ ጐሓፍኦም ኣብ ደገ ክገድፉ ከለዉ ምቕያርን ንባልዕ ዘይኣትዎ ከቢድ ስራሕ ዝሰርሕ ቦርሳታት ሳንዱቕ ሕግታት ምውጻእን ይርከብዎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣናጹ ምርኣይ ኣዝዩ ልሙድ ኮይኑ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዓማዊል እታ ከተማ ዝቐርብ ጥርዓናት ካብ 2019 ብ67 ሚእታዊት ወሲኹ እዩ።

ኣብ ጎደናታትን ትሕቲ መሬት መገዲታት ባቡርን እታ ከተማ ክልተ ሚልዮን ኣናጹ ከምዘለዉ ይግመት።

ኣብ 2021 ኣብ ዝተገብረ መረዳእታ መጽናዕቲ ኣባይቲ ኣሜሪካ ዝተመርኮሰ ሓድሽ ጸብጻብ ግን ነታ ከተማ ብመጠኑ ከረጋግእ ይኽእል እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ንከተማ ኒውዮርክ ካብቶም ኣናጹ ዘለወን ዓበይቲ ከተማታት ኣሜሪካ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ኣቐሚጥዋ’ሎ።

ቀዳመይቲ ቦስተን ካልአይቲ ድማ ፊላደልፍያ እየን።