እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንወዲ 5 ዓመት ቆልዓ ተጠቕሊሉ ናብ መሐንበሲ ጋብላ ዝወሰደ ገበል
ኣብ ኣውስትራልያ፡ ሓደ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ ብገበል ድሕሪ ምንካሱ ካብ ሞት ከምዝደሓነ ተፈሊጡ።
እቲ ብ'ፓይቶን' ዝፍለጥ ገበል፡ ነቲ ቆልዓ ድሕሪ ምንካሱ፡ ኣብ ነብሱ ተጠቕሊሉ እናኽረረ ናብ መሐንበሲ ጋብላ (ፑል) ጎሲሱ ወሲዱዎ።
እቲ ቦ ብሌክ ዝተባህለ ህጻን ኣብቲ ጋብላ ኣብ ዝሕንብሰሉ ዝንበረ እዋንእ'ዩ፡ እቲ ሰለስተ ሚትሮ ዝንውሓቱ ተመን መጺኡዎ ክብል ኣቦኡ ንሓደ መደበር ራድዮ እቲ ከባቢ ተዛሪቡ።
በቲ ኩነታት ዝሰንበደ ኣቦሓጎኡ፡ እቲ ገበል ተጠቕሊሉዎ እንከሎ ካብቲ መሐንበሲ ኣውጺእዎም። ብድሕሪ'ዚ ኸኣ ኣቦኡ ካብቲ ለመምታ ብሓይሊ ገላጊልዎ።
እንተኾነ ግና፡ ቦ ጸቡቕ ዕድል ጌሩ ብቀሊል ጉድኣት'ዩ ሓሊፍሉ ዘሎ። መንፈሱ ከምዘይተዳህለ'ውን ተገሊጹ'ሎ።
"ደሙ ምስ ኣጽረናሉን መርዛም ተመን ስለዘይኮነ ከምዘይመውት ምስነገርናዮን፡ ደሓን ኮይኑ" ክብል ወላዲኡ በን ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንመልበርን ዝተባህለ ራድዮ ሓቢሩ።
"ዝወጸሉ ወተሃደር'ዩ" ክብል ንወዱ ዝገለጸ በን፡ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ትርከብ ከተማ ቢሮን በይ ዝርከብ ስድራቤቱ ቁስሉ ረኽሲ ከይገብር ክከታተልዎ ምዃኖም ተዛሪቡ።
ዋላ'ኳ ምድሓኑ ዕድል እንተገበረ፡ እቲ ፍጻመ ኣዝዩ ዘሰንብድ ምንባሩ'ዩ እቲ ኣቦ ዝገልጽ።
"[ቦ] ኣብ ወሰን [ናይቲ ጋብላ] ይኸይድ ነይሩ. . . ከምዝመስለኒ እቲ ፓይተን'ውን ግዳይ ንክመጾ ኣብኡ ይጽበ ነይሩ. . .ቦ ኸኣ [ግዳይእ] ኮይኑ።
"ዓቢ ጽላሎት ካብቲ ቆጥቋጥ ክወጽእ ተዓዚበ፡ ድሓር ቅድሚ ተተሓሒዞም ናብቲ ዓሚቚ ምወዳቖም ምሉእ ብምሉእ ኣብ እግሩ ተጠቕሊሉ"።
ወዲ 76 ዓመት ኣቦሓጉኡ ኣላን ግን "ናይ ባዕሉ ከይሓሰበ" ብቕጽበት ናብቲ ጋብላ ዘሊሉ ብምእታው፡ ነቲ ተመንን ነቲ ቆልዓን ኣልዒሉ ንበን ኣረኪብዎም።
"ንእሽቶይ ኣይኮንኩን. . .ስለዚ ኣብ ውሽጢ 15-20 ካልኢታት ገላጊለዮ" ይብል በን፡ ኣቦ እቲ ህጻን።
ብድሕሪኡ ነቲ ገበል ን10 ደቒቕ ዝኸውን ሒዙዎ ብምጽናሕ፡ ንደቁን ወላዲኡን ከረጋግኦም ፈቲኑ። ጸኒሑ ነቲ ገበል ናብቲ ቆጥቋጥ ገጹ ፈንይዎ።
"እቲ ኣኼስ ፍጥረት፡ ናብቲ ገበን ዝፈጸመሉ ቦታ ተመሊሱ" ክብል እቲ ኣቦ ተሰሚዑ።
ኣብቲ ካብ ከተማ ሲድኒ ንሰሜን 8 ሰዓታት ርሒቑ ዝርከብ ከባቢ ህላወ ፓተን ዝዓይነቶም ገባብል ንቡር'ዩ ዝብል በን፡ " ስማዕ. . .እዚ ኣውስትራል'ዩ" ብምባል'ዩ ነቲ ዘሰንብድን ሓደገኛን ፍጻመ ኣቕሊሉ ገሊጽዎ።