ጅቡቲ ዝምድናኣ ምስ ኤርትራ 'ናብ ንቡር ክትመልስ' ከምእትደሊ ገሊጻ

ጅቡቲ ምስ ጎረቤት ሃገረ ኤርትራ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ናብ ንቡር ክምለስ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ።

ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይደቀሰ ዶባዊ ምስሕሓብ ብዘተ ክፍታሕ ከምዘለዎ ቀዋሚ ወኪል ጅቡቲ ኣብ ሕቡራት ተዛሪቡ።

መሓመድ ሰይድ ዱዋለ ንሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ጅቡቲ ሃለዋት ናይቶም ኣብ ዶባዊ ግጭት ክልቲአን ሃገራት ብኤርትራ ተማሪኾም ዝበሎም ወተሃደራታ ክትፈልጥ ከምእትደሊ ጠቒሱ።

"ናይቶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ወተሃደራትና ዕጫ ኣብ ልብና ዝለዓለ ቦታ ዘለዎ'ዩ፤ ስድራቤታቶም ድማ ሓዲኡ ክፈልጡ የድልዮም።"

"ጅቡቲ፡ ምስ ኤርትራ ዝምድናኣ ናብ ንቡር ንምምላስ ድልውቲ'ያ ዘላ። ነቲ ዶባዊ ምስሕሓብን ካልእን ጉዳያት ዘጠቓለለ ግጭት ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ብዘተ ንፍትሑ'ውን ቅርብቲ'ያ" ክብል እቲ ዲፕሎማሰኛ ኣነጺሩ።

ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ መግለጺ ጂቡቲ ዝተዋህበ ወግዓዊ ግብረመልሲ ዛጊት የለን።

ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ'ቲ ኣብ 2008 ዝተወልዐ ዶባዊ ግጭት ክሳብ ሎሚ ናብ ንቡር ከምዘይተመልሰ ይግለጽ።

እቲ ምስሕሓብ ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ኣምሪሑ ምንባሩ ይዝከር። ጅቡቲ፡ ገለ ወተሃደራታ ብኤርትራ ድሕሪ ምትሓዞም ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ'ያ ክትከስስ ጸኒሓ።

ብወገን ኤርትራ ግን፡ ዝሓዝዎም ወተሃደራት ጅቡቲ ከምዘየለውን፡ እቲ ምስሕሓብ ምዕራባውያን ሃገራት ዘሳወርዎ ጉዳይ ምዃኑ'ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ነቲ ኩነታት ንምህዳእ፡ ሃገረ ቐጠር ወታሃደራታ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ብምስፋር፡ ተጻቦኦታት ደው ኣብ ምባል ወሳኒ ተራ ከምዝተጻወተት ይፍለጥ።

እንተዀነ፡ እቲ ንቐጠር ኣብ መንጐ ሃገራት ወሸመጥ ዝተፈጥረ ወጥሪ፣ ብስዑድያን ኢማራት ዓረብን ዝምራሕ ኪዳን ንቐጠር ብምንጻሉ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ኤርትራ ቐጠርን ዝነበረ ዝምድና ስለዝተንከፎ፡ ወታሃደራታ ክትስሕብ ከም ዝተገደደት ይዝከር።

ኣብ 2018 ብመንጐኝነት ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ዝተወስደ ንመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ንምቅርራብ ዝተወስደ ተበግሶ ኣይተዓወተን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን መዘናኡ ናይ ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለን፡ ኣብ ጅዳ ምርኻቦም ነቲ ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ንዓመታት ዝቐጸለ ምትፍናን ከሕጽሮ ዓቢ ተስፋ ተነቢርሉ ነይሩ'ዩ።

እቲ ኣጋጣሚ ድሕሪ 20 ዓመታት ኤርትራን ኢትዮጵያም ኣብ ጅዳ ስምምዕ ሰላም ዳግማይ ብወግዒ ዝፈረማሉ'ዩ ነይሩ።

ድሕሪ'ቲ ታሪኻዊ ፍጻመ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ናብ ጅቡቲ ብምኻድ ምስ ሰበሰልጣን እታ ሃገር ምርኻቡ'ውን ነቲ ተስፋ ደሪዕዎ'ዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕን ናብ ዓለምለኻዊ ዳንነት ክሰጋገርን፡ ኣብ ሓምለ 2018 ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቲታ ነይራ እያ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረስ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ባይቶ ጸጥታ ንዝእምሞ ዝዀነ ይዅን ነቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሕ ዝኽእል ኣገባብ ክንቅበል ድልዋት ከም ዝዀንና ከረጋግጸልካ እደሊ" ኢሉ።

እንተዀነ ብድሕሪኡ ዝተራእየ ዝዀነ ምምሕያሽ ይዅን ዲፕሎማስያዊ ርክባት የለን።

ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዳግማይ ዝተጸንበረቶ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣብ ጅቡቲ ከምዝርከብ ይፍለጥ።