ቱርኪ፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ጥቃ ርእሰ ከተማ ቱርኪ ኣንካራ ኣብ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣቬሽን፡ ክልተ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉን 22 ሰባት ከምዝተወግኡን ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ዓሊ የርሊካያ እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጓልን ወድን ከምዝተቐተሉ ብምሕባር እቲ መጥቃዕቲ ኢድ ናይቶም 'ፒከይከይ' ዝበሃሉ ኩርዳውያን ዕጡቓት ከምዘለዎ ጥርጣረኡ ገሊጹ።

እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ነቲ መጥቃዕቲ 'ኣነ ሓላፍነት ክወስደሉ' ዝበለ ኣካል ይዅን ጕጅለ የለን።

ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ረቡዕ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሰሜን ዒራቕን ሰሜን ሶርያን ዝንቀሳቐሱ ኩርዳውያን ዕጡቓት ደብዳብ ኣየር ከምዝተጀመረ ገሊጹ።

ትማሊ ንግሆ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣቬሽን ቱርኪ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ዕጡቓት ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ውሽጥን ኰይኖም እናተኮሱ ዘርኢ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ተዘርጊሑ ይርከብ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ካብ ከተማ ኣንካራ 40 ኪሎሜተር ውጽእ ኣብ ዝበለ ቦታ’ዩ ዝርከብ።

ምክትል ፕረዚደንት ቱርኪ ካቨት ዪልማዝ ኣርባዕተ ካብቶም ዝተቐተሉ ሰራሕተኛታት ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣቬሽን፡ እቲ ሓምሻይ መራሒ ታክሲ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ነቲ በዓል ታክሲ ቀቲሎም በታ ታክሲ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ከምዝኸዱ ሓቢረን።

እቲ መጥቃዕቲ ገለ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝኣትዉሉን ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ኣብ ዝፍደስሉን እዋን ከምዝተፈጸመ ክፍለጥ እንከሎ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ዓሊ የርሊካያ ካብቶም ዝተወግኡ 22 ሰባት እቶም ሸውዓት ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ፍሉያት ሓይልታት ከምዝዀኑ ሓቢሩ።

ዕጡቕ ጕጅለ ፒከይከይ፡ ብቱርኪ፡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ መዝገብ ግብረሽበራ ዝሰፈረ ኰይኑ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ብስም መሰል ኩርዳውያን ኣንጻር መንግስቲ ቱርኪ ዝቃለስ ዘሎ ጕጅለ’ዩ።

ንኣኼባ ብሪክስ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ኢርዶጋን ነቲ መጥቃዕቲ ‘ግብረሽበራዊ’ ብምባል ኮኒንዎ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኤክስ ኣብ ዘመሓላለፎ ነዊሕ መልእኽቲ’ውን፡ እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ከምዝተቐንጸሉ ብምግላጽ፡ “ዝዀነ ግብረሽበራዊ ኣብ ልዕሊ መሓውር ጸጥታና ዓወት ኣይከመዝግብን’ዩ” ኢሉ።

መንግስቲ ቱርኪ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዳርጋ ንዅሉ ማሕበራዊ ሚድያታት ከምዝዓጸዎን ኣብ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ዝርከቡ ሰባት ከም ዩትዩብ፡ ኢንሰታግራም፡ ፌስቡክን ኤክስን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ሚድያታት ክጥቀሙ ከምዘይክኣሉን ተፈሊጡ።

መንግስቲ ቱርኪ ምስቲ መጥቃዕቲ ዝተሓሓዝ ኣሳእል ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ክእለ ብምእዛዝ እቲ ኣሳእል ኣብ ምልጣፍ ንዕላማ እቶም “ግብረሽበራውያን ከም ምሕጋዝ’ዩ” ኢሉ።

ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣቬሽን ቱርኪ ዝተፈላለያ ንንግዳውን ወተሃደራውን መዓላ ዘገልግላ ነፈርቲ ንድፊ ዝወጽኣሉ ቤት ጽሕፈት’ዩ።