ባይቶ ቱርኪ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ሶማልያ ክዋፈር ኣፍቂዱ

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ሓይሊ ባሕሪ ሃገሩ ኣብ ሶማልያ ንክዋፈር ዘቕረቦ ውጥን ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ተቐባልነት ረኺቡ።

ወተሃደራት ቱርኪ “ንጥፈታት ጸረ-ሽበራን ድሕነትን ንምድጋፍ ከምኡ’ውን ካልኦት ስግኣታት ንምምካት” ብዝብል ንኽልተ ዓመት ኣብ ሶማልያ ክዋፈሩ ምዃኖም መንግስታዊ ወኪል ዜና ኣናዶሉ ጸብጺቡ።

እቲ ባይቶ፡ ሰራዊት ሃገሩ ናብ ሶማልያ ክዋፈር ፍቓድ ካብ ምሃብ ወጻእ፡ ክንደይ ሰራዊትን መዓስ ናብ ሶማልያ ይኸይድን ኣብ ዝብል ግን ዝኾነ ብንጹር ዘቐመጦ ነገር የለን።

ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ፡ ነቲ ክልቲአን ሃገራት ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝበጽሕኦ ወተሃደራዊ ስምምዕ ስዒቡ እዩ ናብ ሶማልያ ክዋፈር።

ኣንካራን ሞቓድሾን ኣብ ፈላማይ ሰሙን ለካቲት 20224 ናይ ምክልኻልን ቁጠባን ሓባራዊ ስምምዕ ከምዝፈረማ ይዝከር።

ምሉእ ዝርዝር ናይቲ ስምምዕ ዋላ እኳ ዕላዊ እንተዘይተገበረ፡ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ምክልኻል፤ ቱርኪ ንሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ ክተጠናኽርን ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ብሓባር ንምሕላውን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ይግለጽ።

ብተወሳኺ ቱርኪ ንሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ ከተሰልጥንን ከተዕጥቕን ከምዝተሰማምዐት ተሓቢሩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ሃምዛ ዓብዲ ባሬ፡ እቲ ምስ ቱርኪ ዝተገብረ ስምምዕ "ዝኾነ ስግኣት ግብረሽበራን ኣብ ባሕሪ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ንጥፈታትን ከምኡ ድማ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጽእ ዝዀነ ዓይነት ስግኣታት ንምክልኻል ክሕግዝ'ዩ” ክብል ሓቢሩ።

እዚ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት፡ ፓርላማ ሶማልያ ነቲ ስምምዕ ኣጽዲቕዎ። ነዚ ስዒቡ ድማ መርከብ ውግእ ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ ናብ ወደብ ሞቓድሾ ከምዝኣተወት ክዝከር እዩ።

ባይቶ ቱርኪ ብወገኑ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ሰራዊት እታ ሃገር ናብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክዋፍር ዘቕረቦ ሕቶ ብዓርቢ 26 ሓምለ ድሕሪ ምቕባል ትማሊ 27 ሓምለ 2024 ኣጽዲቑዎ።

እቲ ፕረዚደንት ዘቕረቦ እማመ፡ ቱርኪ ንሶማልያ ጸጥታን ምርግጋእን ኣብ ምርግጋጽ ከምኡ’ውን ግብረሽበራ ኣብ ምምካት ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ክትድግፋ ከምዝጸንሐት ይገልጽ።

ባይቶ ቱርኪ ሃገሩ ሓይልታት ባሕሪ ናብ ሶማልያ ክትልእኽ ፈቒዱ ዘሎ ሓንቲ ጠላቒት መርከብ (ሳብማሪን) ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ንምድላይ ናብ ሶማልያ ከም እትጓዓዝ ምስተገለጸ እዩ።

ሚኒስትሪ ጸዓት ቱርኪ፡ ኣብ መወዳእታ 2024 ኣብ ማያት ሶማልያ ነዳድን ጋዝን ንምድላይ ሳብማሪን ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ’ሎ።

ምሕዝነት ኣንካራን ሞቃድሾን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት እናተጠናኸረ ምምጽኡ ይግለጽ።

መንግስቲ ቱርኪ ኣብ 2017 ካብ ሃገሩ ወጻኢ እቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ሶማልያ ከምዘህነጸ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ ቱርኪ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሰራዊትን ፖሊስን ሶማል ስልጠና ኣብ ምሃብ ትርከብ።

ቱርኪ ኣብ ሶማልያ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሆስፒታላትን ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓትን ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ ሶማላውያን ተማሃሮ’ውን ኣብ ቱርኪ ዕድል ትምህርቲ ይረኽቡ ኣለዉ።