400 ሽሕ ደላር ዝተሸጠት 'ታሪኻዊት' ደብዳበ

ታይታኒክ መርከብ ቅድሚ ምጥሓላ ኣብ ዝነበሩ ሒደት መዓልትታት ብሓደ ተሳፋራይ እታ መርከብ ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝተኻየደ ጨረታ ብ400 ሽሕ ዶላር ተሸይጡ።

እዚ ድማ ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝተሸጡ ደብዳቤታት እቲ ዝኸበረ'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

እታ ብኮሎኔል ኣርቺባልድ ግሬሲ ዝተጽሓፈት ደብዳቤ፡ ትማሊ ሰንበት ዊልትሻየር ኣብ ዝርከብ ሄንሪ ኣልድሪጅ ኤንድ ሶን እንዳ ቤት መጫረቲ ብሓደ ስሙ ዘይተገልጸ ዓዳጊ'ዩ ተገዚኡ።

እታ ደብዳቤ ካብቲ ክትሽየጠሉ ተባሂሉ ትጽቢት ዝተገብረሉ 60 ሽሕ ፓውንድ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝዛይድ እያ ተጫሪታ።

እታ ደብዳበ "ትንቢታዊት" ተባሂላ ዝተገለጸት ኮይና ኮሎኔል ግሬሲ ንሓደ ዝፈልጦ ሰብ "እታ ናይ መወዳእታ ጉዕዞይ እጽበ ኣለኹ" ኢሉ ከምዝነገሮ ኣብቲ ደብዳቤ ተጠቒሱ'ሎ።

እቲ ደብዳበ ብ10 ሚያዝያ 1912 ከምዝተጽሓፈት ዝተገለጸ ኮይኑ ኣብ ሳውዝሃምፕተን ናብ መርከብ ታይታኒክ ዝተሰቕለሉ መዓልቲ እዩ። እታ መርከብ ኣብ ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ቅድሚ ምጥሓላ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣቐዲሙ ዝተጽሓፈን እዩ።

ኮሎኔል ግሬሲ ሓደ ካብቶም ኣስታት 2200 ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ኣብታ ናብ ኒውዮርክ እትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ታይታኒክ እዩ ነይሩ። በቲ ሓደጋ ልዕሊ 1500 ሰባት ሞይቶም።

እታ ደብዳቤ፡ ታይታኒክ ብ11 ሚያዝያ 1912 ኣብ ኲንስታውን ኣየርላንድ ኣብ ዝዓረፈትሉ እዋን ዝተለጠፈት ክትከውን እንከላ ብ12 ሚያዝያ ድማ ለንደን ዝብል ምልክት ፖስታ ተገይሩላ ከምዝነበረ ተገሊጹ።

እቲ ነቲ መሸጣ ዘመቻቸወ እንዳ መጫረቲ ቤት፡ እታ ደብዳበ ካልኦት ቅድሚ ሕጂ ኣብታ መርከብ ዝተጻሕፉ ደብዳቤታት ዝለዓለ ዋጋ ከም ዝሰሓበ ገሊጹ።

ኮሎኔል ግሬሲ ብዛዕባ ምጥሓል መርከብ ታይታኒክ ዝሃቦ ጸብጻብ ካብቶም ዝበለጹ ምስክርነት ተገይሩ'ዩ ዝውሰድ።

እቲ ኮሎኔል ኣብታ ዝጠሓለት መርከብ ዘጋጠሞ ተመክሮ ብምዝንታው "ሓቃዊ ዛንታ መርከብ ታይታኒክ" እትብል መጽሓፍ ጽሒፉ።

ንሱ ኣብቲ በረድ ዝበዝሖ ማያት ኣብ ልዕሊ ዝተገልበጠት ናይ ህይወት ኣድሕን ጃልባ ብኸመይ ከም ዝደሓነ ኣዘንትዩ'ሎ።

ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ፈለማ ኣብታ ናይ ህይወት ኣድሕን ጃልባ ዝበጽሑ ሰባት ብድኻም ወይ ብቑሪ ከም ዝሞቱ ጽሒፉ።

ኮሎኔል ግሬሲ ካብቲ ሓደጋ እኳ እንተደሓነ፡ በቲ ዝወረዶ ትሑት መጠን ሙቐትን ኣካላዊ መጉዳእትን ግን ጥዕንኡ ኣዝዩ ተባልሽዩ ስለዝነበረ ብዕለት 2 ታሕሳስ 1912 ናብ ዝተጸንዑ ሕሙማት ዝሕከምሉ ክፍሊ ኣትዩ ክሕከም ተገዲዱ።

እንተኾነ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብሰንኪ ሕማም ሽኮር ብዝተፈጥረ ጥዕናዊ ጸገማት ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። እንተ እታ ንሱ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ዝጸሓፋ ደብዳቤ ግን 400 ሽሕ ዶላር ተሸይጣ።