ኢትዮጵያ፡ ብመራኸቢ ብዙሃን ዓለሞም ዝምንጠሉ ዘለዉ ህጻናት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምብዛሕ መዘናግዒ መደባት፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ተዓዘብቲ ንምሕቋፍ፡ ምህዞ ዝተሓወሶ ስራሕ ንምስራሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ንህጻናት ኣጋይሽ ገይሮም ዘቕርቡ መደባት ተዓዘብቲ ክስሕቡ ከም ዝኽእሉ፡ በዓልቲ ሞያ ዕብየት ህጻናት ጆርጐ ድሪባ ትገልጽ።
በዓል ሞያ ስነልቦናን ዋና ኣካይዲ ስራሕ ምኽሪን ስልጠናን 'ሞሽን' ኣቶ ብርሃኑ ራቦ እውን በዚ ሓሳብ ይሰማማዕ።
"ህጻናት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከይቀረቡ እውን ማእከል ትዅረት እዮም። ህጻናት ዘይርኢ፡ ዘየድንቕ፡ ዘይስዕም ሰብ የለን” ይብል፡ ህጻናት ማዕረ ክንደይ ፍቱዋት ምዃኖም ንምግላጽ።
ልሳኖም ጥዑም እዩ፤ ብዘይ ፍርሒ፡ ሰብ እንታይ ከይብለንን እዮም ዝዛረቡ፤ ሰሓቘም ከኣ ብቐሊሉ እዩ ናብ ተመልከትቲ ዝሓልፍ ብምባል፡ ህጻናት ከም ኣጋይሽ መዘናግዒ መደባት ንምዃን ዝምረጹሉ ምኽንያት የብርህ።
ጆርጐ ብወገና ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ንህጻናት ኣጋይሽ ገይሮም ዘቕርቡ መዘናግዒ መደባት፡ ዕድመኦም ካብ 6 ከሳብ 10 ዓመት ኣብ ዘለዉ ህጻናት ትዅረት ምግባሮም ኣስተብሂለ ትብል።
እንተዀነ፡ እቶም ነዞም መደባት ዘዳልዉ ሰባት፡ ጉዳይ ናይቶም ህጻናት ኣብ ግምት ከምዘየእተውዎ እዮም ሰብ ሞያ ዝገልጹ።
ድሕነት፡ ስነኣእምሮን ስምዒትን እቶም ህጻናት ዕሽሽ ተባሂሉ፡ ዕላማኡ ገንዘብን ዝናን ስለዝግበር እቶም መደባት መስመሮም ስሒቶም ክበሃል ከምዝከኣል እውን ይሕብሩ፡፡
ንህጻናት ኣገልጊልካ ገንዘብን ዝናን ዝርከብ’ኳ እንተዀነ፡ ህጻናት መዘናግዒ ዓበይቲ ሰባት ብምግባር መሰሎም ይጠሓስ ከምዘሎ የረድኡ።
በዓልቲ ሞያ ዕብየት ህጻናት ጆርጐ ድሪባ፡ ተፈታውነት ህጻናት ጥራይ ኣብ ግምት ብምእታው መዘናግዒ መደባት ዓበይቲ ንምድላው “ብህጻናት ምእንጋድ” ከምዝዀነ ትዛረብ።
ከምዚኦም ዓይነት መደባት ዕላማኦም ንዓበይቲ ከምዝዀነ እትገልጽ ጆርጐ፡ እቲ መደብ ህጻናት ንምንክብኻብን ምሕጋዝን ዝዓለመ ስለዘይኰነ ህጻናት ክጐድእ ይኽእል እዩ፡ ትብል።
“እቶም ኣዳለውቲ፡ ህጻናት እንታይ ክርብሑ ይኽእሉ? እንታይ ይኸሰቡ ዝብል ከየቐደሙ፡ ተዓዘብተይ እንታይ ይረብሑ፣ ኢሎም ክብገሱ እንከለዉ ህጻናት ይጕድኡ።”
ነቶም ኣጋይሽ ኰይኖም ዝቐርቡ ህጻናት ዘቐድሙ መደባት፡ “እቶም ህጻናት ካብዚ እንታይ ይኸስቡ፣ ካልኦት ከ ካብዚ እንታይ ይረብሑ፣ . . .መጀመርታ ህጻናት ጠቒምካ ዕብየቶም፡ ምዝንጋዖም፡ ምጽዋቶም፡ ምምሃሮም ከቐድሙ ኣለዎም፡” ትብል።
ተፈላጥነት፡ ንዓበይቲ ምዝንጋዕ፡ ገንዘብ ምርካብን ካብዚ ቀጺሉ ዝመጽእ ጉዳይ ከምዝዀነ ትጠቅስ።
“ህጻናት ኣእምሮኣዊ፡ ኣካላውን መንፈሳውን ነጻነት የድልዮም እዩ፡” ዝብል በዓል ሞያ ስነ ልቦና ብርሃኑ፡ ኣብ ሚድያ ኣጋይሽ ኰይኖም ምስቀረቡ ግን እዚ ነጻነቶም ከምዝግፈፍ ይዛረብ።
“ህጻናት፡ ኣብ መደባት ድሕሪ ምቕራቦም ክስንብዱ፡ ድቃስ ክስእኑ ይኽእሉ እዮም፤ ብፍላይ ብዙሕ ሰዓቢ ኣብ ዘለዎም ሚድያታት ምስ ቀረቡ፡ ሰባት ኣብ ታክሲ፡ ኣውቶቡስ፡ መንገዲ ነጻነት ክኸልእዎም ይኽእሉ።”
ህጻናት ነዚ ክጻወሩ ስለዘይክእሉ ድማ ንጭንቀት ክቃልዑ ይኽእሉ ይብል።
በዓልቲ ሞያ ዕብየት ህጻናት ጆርጐ፡ እዞም መደባት ምዝንጋዕ፡ ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ ይዅን ኣብ ገዛውቶም፡ ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ ክእለት ምዝራብ ከዕብዩ፣ ክደፍሩን ክነቓቕሑን ከምገዝብሩ እውን ትገልጽ፡፡
ኣቶ ብርሃኑ፡ ብዘይ ጥንቃቐ ነዞም ህጻናት ናብ መድረኽ ምውጻእ፡ ሓደጋ እውን ከምዘለዎ ይዛረብ፡፡
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ጋዜጠኝትን ኮሙኒኬሽንን ዓብዱልዓዚዝ ዲኖ (ዶ/ር)፡ ወለድን መዕበይትን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ደቈም ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ክረአዩ ክፈቕዱ ይኽእሉ እዮም፡ ይብል፡፡
“ተውህቦ ደቈም ካልኦት ክርእይዎ፣ ካብዚ ሓሊፉ ናይ ገንዘብን ትምህርትን ሓገዝ ንምድላይ፣ ንኻልኦት ህጻናት ኣወንታዊ መልእኽቲ ንምሕላፍ፣ ከምኡ ድማ ሰባት ንምዝንጋዕ ደልዮም ደቈም ናብ ሚድያ ሒዞም ክቐርቡ ይኽእሉ።”
እንተዀነ ነቶም ህጻናት ናብ መራኸቢ ብዙሃን ምቕራብ፡ ከምቲ ኣወንታዊ ተራ ዘለዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘለዎ’ውን ክንገሮም ይግባእ ይብል፡ ዓብዱልዓዚዝ።
በዓል ሞያ ስነ ልቦና ኣቶ ብርሃኑ፡ እቶም ናብ ሚድያ ዝቐርቡ ህጻናት፡ “እዋን ቍልዕነቶም ልክዕ ቈልዓ ኰይኖም ከየሕልፉ፤ ብልክዕ ዕድመኦም ከም ህጻን ተጻዊቶም፣ ጐይዮም ከይዓብዩ . . . “ ይገብርዎም ከምዘለዉ ይገልጽ።
ሓቘፍቲ ዘይኰኑ መደባት
እዞም መደባት፡ ኣብ ኣመራርጻ ኣጋይሽ ኣዐርዩ ውሱንነት ከምዘለዎም እታ በዓቲ ሞያ ዕብየት ህጻናት ትዛረብ።
ኣብቶም መደባት ዝቐርቡ ህጻናት ዝተፈላለየ ተውህቦ ዘለዎም’ኳ እንተዀኑ፡ “ብፍላይ ግን ሰሓቕ ንምፍጣር፡ ንምጽዋት፡ ንምዝንጋዕን ክእለት” ቀንዲ ትዅረት ዝግበረሎም ጉዳያት ምዃኖም ተዓዚባ፡፡
እቶም ምድላዋት፡ “መልክዖም ጽቡቓት፡ ቅይሕ ዝበሉ፡ ኣብ ከተማ ዝነብሩን ድምቡጭቡጭ ዝበሉን ህጻናት ኣጋይሽ ገይሮም ዘቕር”’ ከምዝዀኑ ከምዝተዓዘበት እትዛብ ጆርጐ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ህጻናት ኵሎም ግን ነዚኦም ከምዘይመስሉ ትሕብር።
ንሳ፡ ሓደ ሓደ ህጻናት ኣብቲ መደብ ዘይምርኣዮም ስምዒት ምግላል ይፈጥረሎም እዩ ትብል፡፡
ኣብቲ መደባት ዝርከቡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ህጻናት እንተዀይኖም፡ “ካብ ኵሎም ዝውክሉ እንተዀይኖም ነቶም ህጻናት ተመራጺ ይኸውን” እውን ትብል።
ኣቶ ብርሃኑ ብወገኑ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ይዅን ማሕራዊ ሚድያ ምሉእ ብምሉእ ህጻናት ናብ መድረኽ ብምምጻእን ብምውድዳርን፡ “ህጻናት መጠቀሚ ምግባር” ከምዘስተውዓለ ይዛረብ።
ህጻናት ስምዒታዊ ክፍሊ ኣእምሮኦም ጥራይ ዝዓበየ ብምዃኑ፡ ናብ ኣእምሮኦም ዝመጸሎም ብዘይዝዀነ ፍርሒ ከምዝዛረቡ ዝገልጽ እቲ በዓል ሞያ፡ እዞም ህጻናት ዝተሰምዖም ኵሉ ኣብ ሚድያ ወጺኦም ብምዝራቦም፡ “ጽባሕ እንታይ ይኸውን?” ዝብል የተሓሳስቦ።
እቶም ህጻናት ካብቲ ዝፈልጥዎን ኣብ ከባቢኦም ዘሎን ነገር ወጻኢ ኣዐርዮም ብዛዕባ ዘይፈልጥዎም ነገራት ይሕተቱ እዮም። እንታይ ከምዘስዕብ ዘይርድኡ ድማ ብዛዕባ ቤተሰቦምን ካልኦት ሰባትን ዝዛረቡሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ እዩ።
ዓብዱልዓዚዝ ዲኖ (ዶ/ር) ህጻናት ሽም ውልቀ ሰባት ብዘይፍቓድ እናልዓሉ ርእይቶ ክህቡ ምግባር እውን ግቡእ ከምዘይኰነ ይገልጽ።
ካብዚ ብተወሳኺ ህጻናት ኣብ ዝህብዎ ምላሽ፡ ኵነታት ገንዘብ ውልቀ ሰባት፡ ሰነዳት ጥዕናን ካልኦት ውልቃዊ ምስጢራትን ክዛረቡ ስለዝኽእሉ ከም ዝጥንቀቕ ምግባር የድሊ ይብል።
“እዚ ኣብ ናይ ጽባሕ መንነቶም ጸቕጢ የሕድር እዩ” ዝብል በዓል ሞያ ስነ ልቦና ኣቶ ብርሃኑ፡ “ናይ ጽባሕ ገዲፍና‘ኳ፡ እቲ ማሕበረሰብ ነቶም ህጻናት ኣብ ተሌቪዥንን ማሕበራዊ ሚድያን ስለዝፈልጦም ጥራይ ዝወርዶም ጸቕጢ ክጻወርዎ የጸግሞም፡”’ ይብል።
“ናይ ባዕሎም መገዲ ከይክተሉ፣ ብግቡእ ኣብ ልክዕ ግዜ ዓብዮም ዝግባእ ነገር ከይገብሩን መጥቀሚ ካልኦት ክዀኑን ክገብሮም ይኽእል’ዩ።”

ምንጪ ስእሊ, VYSTEKIMAGES
ንህጻናት ዝቐርቡ ናይ ዓበይቲ ሕቶታት
ኣብዞም መደባት ንህጻናት ዘይሕተት ሕቶ ክለዓል፡ ከዋጥርዎምን ከፍርሕዎምን ከምዝረኣየ ዝገልጽ እቲ በዓል ሞያ ስነ ልቦና፡ ነቲ መደብ ዘዳልዉ ሰባት፡ “ስነልቦና ህጻናት ዝተረድኡ ወይ ዘንበቡ ብዘይምዃኖም እዩ፡” ይብል።
“ከም ሰብ ሞያ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢልና ክንርኢ እንከለና በቶም ንህጻናት ዝቐርቡ ሕቶታት ንሓፍር ኢና።”
ዓቢይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ፡ ሃይማኖታዊ ጉዳይን ንህጻናት ምሕታት፡ “ነቶም ህጻናት ምጕዳእ እዩ” ክብል ይውስኽ።
“ብርግጽ ኣብ መንጐ እቶም ሕቶታት ቍሩብ ዘመራምሮም ነገራት ክንገብር ኣለና” እትብል ጆርጐ ብወገና ንህጻናት እንህቦ ነገር ኵሉ ዕድመኦም፡ ዕብየቶም፡ ናይ ምሕሳብን ምግንዛብን ዓቕሞም መሰረት ዝገበረ ክኸውን ከምዘለዎ ትመክር።
ኣቶ ብርሃኑ፡ እቶም ህጻናት ምስዓበዩ ተመሊሶም ክርእይዎ እንከለዉ፡ “ወላዲ ኣይነበረንን ድዩ? ብኸመይ ንኸምዚ ዓይነት ነገር ኣቃሊዖምኒ” ክብሉን “ጽባሕ ብባዕሎም ክሓፍሩን” ክገብሮም ከምዝኽእል ይገልጽ።
ዓብዱልዓዚዝ ዲኖ (ዶ/ር) ብወገኑ፡ ብዕድመን ደረጃ ዕብየትን እቶም ህጻናት ግቡእ ምላሽ ዘይወሃቦም ናይ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ስርዓተ ጾታ፡ ፖለቲካን ተመሳሰልቲ ሕቶታትን ምሕታትን ክምልሱ ጸቕጢ ምግባርን ነቶም ህጻናት ኣድላዪ ንዘይኰነ ትዕዝብቲ ተመልከትቲ ከም ዘቃልዖም ይሕብር።
ብሓፈሻ ብኸምዚ ዝበለ ኵነታት ዝዳለዉ መደባት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ናይ ነዊሕን ሓጺርን ግዜ ጉድኣት ከውርዱ ከምዝኽእሉ እቶም ሰብ ሞያ ይገልጹ።
ንኻልኦት ምዝንጋዕ ክበሃል ህጻናት ብከምዚ ዓይነት ዅነታት ክሓልፉ ምግባር “ሰብኣውነት ኣይኰነን” እትብል ጆርጐ፡ “ህጻናት ብኸምዚ ዓይነት ጸቕጢ ክሓልፉ ምግባር ምጕዳእ እዩ… ልክዕ ኣይኰነን ክበሃል ዝግባኦ ጉዳይ እዩ” ትብል።
ካልኦት ህጻናት ዘይፈትውዎም ህጻናት
ነዞም ህጻናት፡ “መዛኑኦም ኣይፈትውዎምን” ዝብል ኣቶ ብርሃኑ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝቐርቡ ህጻናት ተፈላጥነቶም ቀልጢፉ ከምዝዓብን ካልኦት ከምኦም ዘይኰንኩም ተባሂሎም ዝውቀሱ ህጻናት ከምዝጸልእዎምን ይዛረብ።
ካብዚ ዝብገስ እቶም ኣብ ሚድያ ዝቐርቡ ጥራሕ ዘይኰኑስ፡ እቶም ኣብ ገዛ ኰይኖም ዝርእዩ እውን ስምዒት ጸቕጥን ጭንቀትን ይፈጥር።
ጆርጐ፡ ኵሎም ህጻናት ክዛረቡ እንከለዉ ቅልጡፋት ዘይምዃኖምን እዚ ድማ ብሕታዊ መዐቀኒ ክእለት ህጻናት ዘይምዃኑን ተረድእ።
ኣቶ ብርሃኑ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ንህጻናት ዘቕርቡ ሰብ ሞያ፡ “ንሕና ብኣጋጣሚ ነዞም ህጻናት ኣቕሪብና እምበር፡ ኣበየ ገዛኡ ከምኦም ዝበሉ ንፋዓትን ካብኦም ዝበለጹን ይርከቡ እዮም” ብምባል ነቲ ኣብ ገዛኡ ኮፍ ኢሉ ዝዕዘብ ህጻን ኣፍልጦ ክህቡ ብዘይምረኣዩ ይወቅስ።

ምንጪ ስእሊ, SDI PRODUCTIONS
ወለድን ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሃንን ከስተብህልዎ ዝግባእ
ኢትዮጵያውያን ወለዲ፡ ደቈም ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝቐርቡሉ፡ “ገለ ዝዀኑ ኣይመስሎምን” ይብል በዓል ሞያ ስነልቦና ኣቶ ብርሃኑ ራቦ።
እንተዀነ ቅድሚ ንደቈም ናብ ማሕበራዊ ሚድያን መራኸቢ ብዙሃንን ምውሳዶም ፍቓዶም ክሓትዎም ይግባእ።
ካልኦት ስለዝቐረቡ ጥራይ ደፋፊኦምን ሓቢሎምን ዘይኰነስ፡ “እቶም ቈልዑ ኣነ’ውን እኽእል እየ. . . ክኸይድ” ክብሉ ኣለዎም ይብል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ትምህርቲ ክፍሊ ጋዜጠኝነትን ኮሙኒኬሽንን ዝዀነ ዓብዱልዓዚዝ ዲኖ(ዶ/ር)፡ ህጻናት ኣጋይሽ ገይሮም ዘቕርቡ ሰብ ሞያ፡ ፍቓድ ወለዲ ወይ መዕበይቲ ብጽሑፍ ክረኽቡ ከምዝግባእ ይመክር።
ዕላማ እቲ መደብ፡ ሰዓትን መዓልትን ብግልጺ ከረድኡን መምርሒ ጋዜጠኝነት ክኽተሉን ከምዘለዎም እውን ወሲኹ ይሕብር።
ወለዲ ንደቈም ናይ ሎምን ጽባሕን ብልክዕ ከርእይዎም ይግባእ ዝብል እቲ በዓልሞያ ስነ ልቦና፡ እንተዘይኰይኑ ኣዳለውትን ኣቕረብትን እቲ መደብ ብዛዕባ ነቶም ህጻናት ዝቐርቡ ሕቶታትን ስዒቦም ዝመጹ ጉዳያትን፡ “ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም” ይብል።
ወለዲ ደቈም ናብ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝቐርቡሉ፡ “እንታይ ረብሓ ክረኽቡ” ዝብል ክምለስ ከምዘለዎ ብምዝኽኻር፡ “እቶም ህጻናት ናይ ቍጠባ ተጠቀምቲ ምግባር ከምኡ እውን ስነ ልቦናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይግባእ” ክብል እውን ይምጕት።
ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ኣዳለውቲ መደባት፡ ስነ ልቦና ህጻናት እንታይ ከምዝመሰል ብመጠኑ ክፈልጡ ከምዝግባእ ሰብ ሞያ ይምዕዱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







