እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኔፓል ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 100 ሰባት ቀቲሉ
ትማሊ ዓርቢ ኣብ ምዕራብ ኔፓል ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም።
ኣብተን ካብ ካትማንዱ ንምዕራብ 500 ኪሎ ሜትር ርሒቐን ዝርከባ ዞባታት ጃጃርኮትን ምዕራብ ሩኩምን ንዝካየድ ጻዕርታት ምድሓን ንምሕጋዝ ሓይልታት ጸጥታ ተዋፊሮም ኣለዉ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኔፓልን ኣብ ጎረቤት ሃገር ህንዲ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ደልሂን ሓዊሱ ሓያል ምንቅጥቃጥ ተሰሚዑ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እታ ሃገር፡ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ሓቢሩ። ሆስፒታል ጃጃርኮት ድማ ብዝቖሰሉ ግዳያት እቲ ሓደጋ ከም ዝተመልአ ተገሊጹ።
ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ተወሳኺ ሰለስተ ምንቅጥቃጥ ከም ዝተሰምዐን፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ተወሳኺ ምንቅጥቃጥ መሬት ከጋጥም ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ሻቕሎት ለይቲ ኣብ ቅሉዕ ቦታ ኣሕሊፎም።
ሰባት ካብ ተረፍ መረፍ ዝፈረሱ ህንጻታት ዝደሓኑ ሰባት ንምስሓብ ኣብ ጸልማት ፍርስራስ ክኹዕቱ እንከለዉ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ጠቂዖም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኔፓል ፑሽፓ ካማል ዳሃል ናብቲ ዝተጎድአ ዞባ ከም ዝተበገሰ ይግለጽ።
ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘስዓቦ ክሳራ ህይወትን ንብረትን "ዓሚቕ ሓዘን" ከም ዝተሰምዖ ብምግላጽ፡ ትካላት ጸጥታ ብቕልጡፍ ስርሒታት ምድሓንን ረድኤትን ክጅምሩ ከም ዝኣዘዘ ገሊጹ።
ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተፈጠረ ኩምራ ሓመድ ጽርግያታት ስለ ዝዕጸዉ ግን እቲ ስርሒት ምድላይን ምድሓንን ግዳያት ይተኣጓጎል ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
ሓላፊ ፖሊስ ጃጃርኮት ሱሬሽ ሱናር ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዘጋጠመ ምሉእ ስእሊ ንምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ገሊጹ።
ሱናር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣነ ባዕለይ ኣብ ቅሉዕ ቦታ ወጺአ ኣለኹ። ዝርዝር ሓበሬታ ንእክብ ኣለና ግን ብሰንኪ ቁሪን ለይትን ካብ ርሑቕ ከባቢታት ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ'ዩ" ኢሉ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 23፡47 ከም ዝተመዝገበ ማእከል ምክትታልን ምርምርን ኔፓል ሓቢሩ።
ዳህሳስ ጂኦሎጂ ኣሜሪካ፡ ነቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 5.6 ዝዓቐኑ ከም ዝዀነ ዝሓበረ ኰይኑ ዓሚቝ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምዃኑን፡ እዚ ማለት ድማ ናብ ገጽ ምድሪ ቀሪቡ ዘጋጠመ ምዃኑን ኣፍሊጡ።
ኔፓል ኣብ ጎኒ ኣኽራናት ሂማላያ እትርከብ ኮይና ኣብኡ ብዙሕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጥም ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ባጃንግ 6.3 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተመዝጊቡ፡ መጉዳእቲ ከም ዘስዓበ ዝዝከር’ዩ።
ኣብ 2015 ኣብታ ሃገር ክልተ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢምዋ 9,000 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 22,309 ድማ ቆሲሎም።