እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምዕቡላት ሃገራት ብዙሓት ነርስታት ካብ ኣፍሪቃ ይቖጽራ ኣለዋ
ሃብታማት ሃገራት ብዝሒ ካብ ድኻታት ሃገራት ዝቖጽርኦም ነርስታት "ካብ ቁጽጽር ወጻኢ" ኮይኑ ምህላው ሓላፊ ናይ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ማሕበር ነርስታት ዓለም ገሊጹ።
ኣብ ኣፍሪቃ ብዝሒ ናብ ምዕቡላት ሃገራት ዘምርሑ ነርስታት ብምውሳኹ፡ ስርዓተ ጥዕና ከም በዓል ጋና ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ምህላው ይግለጽ።
ጋናውያን ነርስታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ምኻዶም ስዒቡ ስርዓተ ጥዕና እታ ሃገር ይዳኸም ከምዘሎ፡ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ብዙሓት ነርስታት ዝሓሸ ደሞዝ ንምርካብ ካብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ወጺኦም ኣለዉ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኮሚሽን ኤውሮጳ 2022፡ ልዕሊ 1,200 ጋናውያን ነርስታት ናብ ትካላት ኣለይቲ ሕሙማት ዓባይ ብሪጣንያ ተጸንቢረን ኣለዋ።
ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ [NHS]፡ ክፍቲ ቦታታት ንምምላእ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ምቑጻር ይቕጽል ኣሎ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዋላ እኳ ብቐጥታ ኣብ ጋና ሰራሕተኛ እንተዘይመልመለት፡ ነርስታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ክፍቲ ስራሕ ክደልዩ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪኡ ነቶም ስራሓት ከመልክቱ ይኽእሉ።
ድኹም ቁጠባዊ ኩነታት ጋና፡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ጥዕና ንዝሓሸ ናብራ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክጥምቱ ይደፍኦም ኣሎ።
ቁጽሪ ናይተን ካብ ከም በዓል ጋና ዝኣመሰላ ሃገራት ዝውሕዛ ዘለዋ ነርስታት እውን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ሰራሕተኛ ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ነርስ ሃዋርድ ካተን ገሊጹ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ብቐንዱ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ምዕቡላት ሃገራት፡ ኣብተን ድኹምን ተቓላዓይን ስርዓተ ጥዕና ዘለወን ሃገራት ልዑል ምልመላ ነርስታት የካይዳ ኣለዋ። እዚ ኩነታት ማእከላት ጥዕና እታ ሃገር ባዶ ይገብሮ ኣሎ" ኢሉ።
ኣብ ሆስፒታል ግሬተር ኣክራ፡ ሓላፊት ነርሲን፡ ጊፍቲ ኣርየ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ክፍሊ ጥቡቕ ክንክን እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 20 ነርስታት ከም ዝሰኣነ ገሊጹ።
እዞም ነርስታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን እዮም ኣምሪሖም። ነርስታት ሃገሮም ገዲፎም ናብዘን ሃገራት ምኻዶም፡ ዝኸፍአ ኩነታት ከስዕብ ከምዝኽእል እውን ኣጠንቂቑ።
“ቁጽሪ ሕሙማት ነጉድል ኣለና። ኣብ ማእከል ጥዕናና ምድንጓያት የጋጥመና ኣሎ። ሞት ሕሙማት ከጋጥመና ይኽእል'ዩ፡ እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ዋጋ ከኽፍለና'ዩ" ኢሉ።