ኬንያ: ልደት መሳርሕተን ከኽብራ ዝኸዳ ነርስታት ተሕካሚት ብምሟታ ተሰጒጎን

ኣብ ኬንያ ግዝኣት ላይኪፕያ ንተሓካሚት ገዲፈን ናብ ልደት መሳርሕተን ዝኸዳ ነርስታት እታ ዝሓመመት ሰበይቲ ብምሟታ ካብ ስራሕ ተሰጒጎን

ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታል ኬንያ ዝሰርሓ ክልተ ነርስታት፡ ንሓንቲ ቅልጡፍ ሕክምና ዘድልያ ተሓካሚት ገዲፈን ናብ ልደት መሓዝአን ብምኻደንን እታ ዝሓመመት ሰበይቲ ብድሕሪኤን ብምሟታን ካብ ስራሕ ተባሪረን።

ማእኽናት ዜና እታ ሃገር ከምዝጸብጸብኦ እታ ጓል 58 ዓመት ተሓካሚት ህወይታ ክሓልፍ ዝኸኣለ፤ እተን ክትትል ክገብራላ ዝነበረን ነስርስታት ኣብ መምሃርን መወከስን ሆስፒታል ናንዩኪ በዓል ልደታ ተኽብር ናብ ዝነበረት መሳርሕተን ገዲፈንኣ ብምኻደን’ዩ።

ወዳ ነታ ዝሞተት ተሓካሚት ከምዝበሎ፡ ኩነታት ጥዕና ኣዲኡ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ይበጽሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ምሕጽንታ’ኳ እንተቕረበ ክሳብ እትመውት ግን ዝሰምዖ ኣይረኸበን።

ኣዲኡ ተተካኢ ደም ኣድልይዋ ስለዘድልያ ናብ ክፍሊ ሓደጋ እቲ ሆስፒታል ከምዝወሰድዋ ዝገለጸ ወዳ፡ ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ምርመራ ላቦራቶሪ ክትገብር ከምዝተነገሮም ኣረዲኡ።

እንተኾነ ናብ ድግስ ልደት መሳርሕተን ዝኸዳ ነርስታትን ካልኦት ሰብሞያ ላቦራቶሪን ካብቲ ዝኸዱሉ ክሳብ ዝምለሱ ክጽበዩ’ዩ ተነጊርዎም።

ሰብመዚ ጥዕና ግዝኣት ላይኪፕያ ብዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብቲ ጉዳይ ምፍራይ ከምዘካየዱ ብምሕባር እታ ዝሓመመት ሰበይቲ “ዋላ’ኳ ተሓላለኸ ጸገማት ጥዕና እንተነበራ. . .ኣብ ናይ ላቦራቶሪ ሰብሞያ ንኢሽተይ ዘይበሃል ሸለልትነትን ዘይእሩም ስነምግባርን ነይሩ’ዩ” ክብሉ ኣፍሊጦም።

“ኣብ ክፍሊ ላቦራቶሪ እቲ ሆስፒታል ፈተሻን ምትዕራይን ይግበር ኣሎ” ዝበለት ሓላፊት ጥዕና እቲ ግዝኣት ሮዝ ማይታይ፡ ክልተ ሰብሞያ ጥዕና ከምዝተሰጎጉ ተዛሪባ።

ተወሳኺ ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎ’ውን ሓቢራ።