ካብ ነፋሪት ዝተኣሰረ ቤላሩሳዊ ጋዜጠኛ እናነብዐ 'ተናዚዙ'

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ሚኒስክ ካብ ነፋሪት ዝተኣሰረ ቤላሩሳዊ ጋዜጠኛ ሮማን ፕሮታሰቪች፡ እናነብዐ ናይ ቴሌቪዥን ቃለ መጠይቕ ገይሩ።

ኣብቲ ቃለ መጠይቕ ኣንጻር መንግስቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ይውድብ ከም ዝነበረ ብምግላጽ ንፕሬዝደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ናእዳ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

ስድራ እቲ ጋዜጠኛ ግን ተገዲዱ'ዩ ነቲ ቃለ መጠይቕ ሂቡ ኢሎም።

ወዲ 26 ዓመት ሮማን ፕሮታሰቪች፡ ክሳብ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኤዲተር ነታ ብቴሌግራም እትዝርጋሕ ኔክስታ ቻነል ዝተባህለት ማዕከን ዜና ነይሩ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ዝርዝር "ኣብ ግብረ ሽበራዊ ምንቅስቓሳት ዝነጥፉ ውልቀሰባት" ሰፊሩ ጸኒሑ።

ፕሬዝደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ብ9 ነሓሰ 2020 ኣብቲ ሓያል ተቓውሞን ነቐፌታን ዘስዓበ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ከም ዝተዓወተ ክገልጽ እንከሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ተላዒሉ ነይሩ።

እንተኾነ እቲ ተቓውሞ ተበቲኑን መራሕቲ ሰልፊታት ተቓውሞ ተኣሲሮምን ተሰዲዶምን'ዮም።

ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ኣጋምሸት ዝተመሓላለፈ ቃለ መጠይቕ ጋዜጠኛ ሮማን ፕሮታሰቪች፡ ነቲ መደብር ቴሌቪዥን ብፍቓዱ ከም ዝተዛረበ ብምግላጽ ነቲ ፕሬዝደንት ንምዕላው መደብ ከም ዝነበሮ ገሊጹ።

ንፕሬዝደንት ሉካሼንኮ ብዙሕ ተቓውሞ የቕርብ'ኳ እንተነበረ ጸኒሑ ግን "ትኽክለኛ ነገር ይሰርሕ ከም ዘሎ ስለ ዝተረድኣኒ ከኽብሮ ጀሚረ" ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ቃለ መጠይቕ ገጹ ብንብዓት ክሕጸብ እንከሎ ሓደ መዓልቲ ተመርዒዩ ሓዳር ክምስርትን ቖልዑ ክወልድን ተስፋ ከም ዝገብር ተዛሪቡ።

ወላዲ እቲ ጋዜጠኛ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ እቲ ቃለ መጠይቕ ከም ዘሕዘኖ ገሊጹ።

"ወደይ ድሓን ከም ዝኾነ ይፈልጥ'የ፤ ከምዚ ከም ዘይብል ከኣ ይኣምን። ይኹን'ምበር ዝደልዩዎ ነገር ንክዛረብ ጸቕጢ ገይሮምሉን ልቡ ሰይሮሞን'ዮም" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ጋዜጠኛን ኣፍቃሪቱ ሲፊያ ሳፔጋን ካብ ሊትወንያ ኣብ ዝነበሮም በረራ፡ ብናይ ሓሶት ጥርጣረ ቦንባ: እታ ነፋሪት ኣብ ሚኒስክ ክትዓርፍ ብምግባር ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣወተ ይፍለጥ።

ክሳብ 15 ዓመት ማእሰርቲ ዘፍርድ ህዝባዊ ናዕቢ ምልዓል ዝብል ከቢድ ክሲ ይቐርበሉ።

ብቐንዱ ግን እቲ ግብረ ሽበራ ዝብል ዝዓበየ ቕጽዓት ዘፍርድ ኮይኑ፡ ሮማን ፕሮታሰቪች ካብታ ነፋሪት መጥቃዕቲ ቦንባ ንምፍጻም ተጠርጢሩ ካብታ ነፋሪት ክተሓዝ እንከሎ ተጉዓዝቲ "ናይ ሞት መቕጻዕቲ ይጽበዮ" ከም ዘሎ ይዛረብ ምንባሩ መስኪሮምሉ'ዮም።

በዚ ምኽንያት ሕብረት ኤውሮጳ መገዲ ኣየር ቤላሩስ ክሊ ኣየርን መዓርፎ ነፈርትን ኤውሮጳ ከይትጥቀም ዝብል ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እገዳታት ገይሩ።

"ኣብ ልዕሊ ህይወት ንጹሃት: ኩዕሶ ሩሲያ ዝጻወት ስርዓት ኣይንጻወርን" ክብል ፈጻሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ እቲ ሕብረት ቻርለስ ሚሸል ንቤላሩስ ነቒፉ።

ብተወሳኺ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ስጉምቲ "ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ" ብምባል ኮኒኑዎ።