እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ምስጢር ፒራሚዳት ግብጺ ፈቲሕናዮ፤ ምስ ፈለግ ኒል ዝራኸብ እዩ’ - ተመራመርቲ
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ እቲ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝዀነ ህንጻ ጊዛ ‘ጊዛ ኮምፕሌክስ’ ዝርከቦም ቅድሚ ልዕሊ 4000 ዓመታት ኣብ ግብጺ ዝተሃነጹ 31 ፒራሚዳት [ሃረማት] ብኸመይ ከምዝተሰርሑ ዝገልጽ ምስጢር ፈቲሖም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይኣምኑ።
ጕጅለ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ሰሜን ካሮላይና ዊልሚንግተን፡እቶም ፒራሚዳት ኣብ ጐድኒ እቲ ቀደም ጨንፈር ፈለግ ኒል ዝሓልፈሉ ዝነበረ ሕጂ ግን እቲ ሩባ ብምንጻፉ በረኻን ናይ ሕርሻ መሬትን ኰይኑ ዘሎ ዝተሃንጹ ክዀኑ ከምዝኽእሉ መርትዖታት ምርካቦም ሓቢሮም ኣለዉ።
ተመራመርቲ ንነዊሕ ዓመታት፡ ጥንታውያን ግብጻውያን ነቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ መስመር ማይ ከምቲ ኣብቲ ሩባ ዝርከብ ፒራሚዳት ንምህናጽ ዘድሊ ዓበይቲ እምኒ ዝኣመሰለ መሳርሒታት ንምጕዓዝ ይጥቀሙሉ ነይሮም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይሓስቡ ነይሮም።
ክሳብ ሕጂ ግን "ብዛዕባ ኣቀማምጣ፡ ቅርጺ፡ ዓቐን ወይ እዚ ገዚፍ መስመር ማይ ናብቲ ናይ ፒራሚዳት ቦታ ዘለዎ ቅርበት ብዝምልከት ርግጸኛ ዝዀነ ሰብ ኣይነበረን" ትብል ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ናይቲ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ኢማን ጎነይም።
እዞም ጕጅለ ተመራመርቲ ነቲ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብዘጋጠመ ሰፊሕ ድርቅን ህቦብላ ሑጻን ተቐቢሩ ክኸውን ከምዝኽእል ዝኣምኑሉ ጨንፈር ሩባ ንምርካብ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ምስሊ ሳተላይት ራዳር፡ ታሪኻዊ ካርታታት፣ ጂኦፊዚካዊ ዳህሳስን ድበት (ደለልታ)ን ተጠቂሞም።
እቲ ጕጅለ ነቲ ናይ ራዳር ቴክኖሎጂ ብምጥቃም፡ "ናብ ውሽጢ እቲ መናድቕ ሑጻ ኣትዩ ምስሊ ሕቡእ ገጻት ከውጽእ" ከምዝኸኣለ እቲ ኣብ መጽሄት ኔቸር ዝተሓትመ መጽናዕቲ ይሕብር።
ካብ መንጐ’ቶም ክርእይዎም ዝኸኣሉ ነገራት ከኣ፡ ኣብ እግሪ እቶም ዝበዝሑ ፒራሚዳት ግብጺ ዓሪፎምሎም ዝርከቡ ጎቦታት ዝውሕዙ፡ "ዝተቐብሩ ሩባታት ከምኡ’ውን ጥንታውያን ህንጻታት" ከምዝዀኑ ፕሮፌሰር ጎነይም ተዛሪባ።
ሓንቲ ካብ ተሓባበርቲ ጸሓፍቲ እቲ መጽናዕቲ ዝዀነት ዶክተር ሱዛን ኦንስቲን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ "ነቲ ትኽክለኛ ጨንፈር [ሩባ] ምርካብ ከምኡ ድማ ነቶም ከበድቲ ዝኾኑ ኣእማን፣ መሳርሒታት፣ ሰባትን ካልእን ንምጓዓዝ ክውዕል ዝኽእል መስመር ማይ ከምዝነበረ ዘርእይ መረዳእታ ምህላዉ፡ ህንጸት እቲ ፒራሚድ ንምግላጽ ሓጊዙና" ኢላ።
እቲ ኣህራማት ተባሂሉ ዝተሰየመ ጨንፈር ሩባ [ብዓረብኛ "ኣህራማት" ማለት ፒራሚድ ማለት እዩ] ብግምት 64 ኪ.ሜ ንውሓት፤ ካብ 200-700 ሜትሮ ስፍሓት ከምዘለዎ እቲ ጕጅለ ብመጽናዕቲ ኣረጋጊጹ’ሎ።
ከምኡውን ካብ ቅድሚ 4,700 ክሳብ 3,700 ዓመት ምስ ዝተሃንጹ 31 ፒራሚዳት ይዳወብ ነይሩ።
እዚ ዝጠፍአ ጨንፈር ሩባ ምርካቡ ኣብ መንጎ ጊዛን ኣብዚ ሕጂ ምችእ ኣብ ዘይኮነ ከባቢ በረኻታት ሰሃራ ዝርከብ ሊትሽን (ናይ ማእከላይ መንግስቲ ቀብሪ ቦታ) ዘሎ ልዑል ጻዕቂ ፒራሚድ ንምግላጽ ይሕግዝ።
እቲ ጨንፈር ሩባ ምስቶም ህንጻታት ፒራሚዳት ምቅርራቡ "ኣብ እዋን ምዕራፍ ህንጸት እዞም ፒራሚዳት ንጡፍን ስራሕቲ ዝካየደሉን" ምንባሩ ይሕብር እቲ ጽሑፍ ውጽኢት መጽናዕቲ።
ዶክተር ሱዛነ ኦንስታይን፡ ጥንታውያን ግብጻውያን "ነቶም ኣዝዮም ገዘፍቲ ኣእማን ንምስካም ኣብ ክንዲ ሸቃሎ ጸዓት እቲ ሩባ ይጥቀሙ ነይሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ" ትገልጽ።
ሩባ ኒል መስመር ህይወት ጥንታዊት ግብጺ እዩ ነይሩ፤ ክሳብ ሎሚ’ውን ከምኡ እዩ።