ኣብ ግብጺ 10 ሽሕ ኪሎ ዝምዘን ጥንታዊ ሓወልቲ ክሰርቁ ዝፈተኑ ሰባት ተኣሲሮም

ኣብ ግብጺ፡ 10 ሽሕ ኪሎ ዝምዘን ካብ እምኒ ዝተጸረበ ዓቢ ጥንታዊ ሓወልቲ ፈርኦን ክሰርቁ ዝፈተኑ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።

እቶም ሰባት ነቲ 10 ቶን ዝምዘን ጥንታዊ ሓወልቲ ፈርኦን ዳግማዊ ራምሴስ ንምልዓልን ንምእላይን ከቢድ ክሬን ከም ዝተጠቐሙ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

እቶም ካብ ርእሰ ከተማ ካይሮ ንደቡብ 675 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ኣስዋን ፈተነ ስርቂ ዘካየዱ ሰለስተ ሰባት፡ "ሓወልቲ ፈርኦን ክሰርቁ ብምፍታን" ተኸሲሶም ምህላዎም ተገሊጹ።

ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር፡ መርመራ እቶም ውልቀሰባት ክሳብ ዝዛዘም ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ትእዛዝ ከም ዝተዋህበ ኣፍሊጡ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ዝወጸ መግለጺ፡ ምስቶም ሰለስተ ውልቀሰባት፡ "ነቲ ሓወልቲ ኩዒቶም ንምውጻእን ንምንጥልጣልን ዝተጠቕመሉ መሳርሒታት መዅዓቲን ክሬንን" ብፖሊስ ከም ዝተታሕዘ ይሕብር።

ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ግብጺ "ኣብዚ ፈተነ ገበን ስርቂ ጥንታዊ ቅርሲ ተሳቲፎም ዝተባህሉ ካልኦት ሰባት ምህላዎም ህጹጽ መርመራ ክካየድ" ከም ዝኣዘዘ ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ-ፕረስ ይሕብር።

ዳግማዊ ራምሴስ ፍሉጥ ፈርኦን መበል 19 ስርወ መንግስቲ ኮይኑ ን67 ዓመታት ከም ዝገዝአን ቅድሚ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ከም ዝሞተን ይንገር።

ዳግማዊ ራምሴስ፡ ዓቢ ተዋጋኢን ኣብ መላእ ግብጺ ብዙሓት መቕደሳት ዝሰርሐ ጥንታዊ ገዛኢን ከም ዝነበረ እውን ይፍለጥ።

ካብ ግብጺ ብዙሓት ጥንታዊ ቅርሲታት ተሰሪቘም ናብ ካልኦት ሃገራት ክውሰዱ ከም ዝጸንሑ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ካብታ ሃገር ዝተወስዱ 29 ሽሕ ጥንታዊ ቅርሲታት ከም ዝተመልሱ እውን ዝፍለጥ'ዩ።