ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ብዘካየደቶ ምምላእ ግድብ ህዳሰ ተቘጢዓ

ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ምስሓሓብ ፈጢሩ ዘሎ ግድብ ህዳሰ ናይ መወዳእታ ምምላእ ማይ ከምዘካየደት ምግላጻ ከምዘቘጥዓ ገሊጻ።

ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ኣባይ (ኒል) ካብ 2011 ጀሚራ ክትሃንጾ ብዝጸንሐት ዓቢይ ግድብ ምስ ግብጽን ሱዳንን ክትሰሓሓብ ጸኒሓ እያ።

ግብጺ፡ ማያዊ ጠለባታ ንምምላእ ብቐንዱ ኣብቲ ፈለግ እያ እትምርኮስ።

ኢትዮጵያ ብወገና እቲ 4.2 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብረሉ ግድብ፡ ኣብ ቀረብ ማይ ግብጺ ዘስዕቦ ሕጽረት ከምዘየለ ትገልጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብመገዲ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ “ራብዓይን ናይ መወዳእታን ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ከምዝተፈጸመ ክገልጸልኩም እንከለኹ ዓቢይ ሓጐስ ይስምዓኒ፡” ኢሉ።

እቲ ፕሮጀክት “ውሽጣውን ደጋውን ዕንቅፋታት” ገጢምዎ ከምዝነበረ ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር “ንዅሉ ተጻዊርናዮ፡” ኢሉ።

እቲ ግድብ ካብ ለካቲት 2022 ጀሚሩ ሓይሊ ኤለክትሪክ የመንጩ ኣሎ።

ካብቲ 127 ሚልዮን ህዝባ እቲ ፍርቂ ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘይረክብ ኢትዮጵያ፡ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ ንፍርያት ሓይሊ ኤለክትሪክ እታ ሃገር ብዕጽፊ ከምዘዕብዮን፡ እዚ ኣብ ልምዓት እታ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑን ትኣምን።

እቲ ካብ ዶብ ሱዳን ከባቢ 30 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ ግድብ 6,000 ሜጋዋት ካብ ፈሳሲ ማይ ዝምንጩ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከፍሪ ትጽቢት ይግበር።

ግብጽን ሱዳንን፡ እታ ሕጸረት ጸዓት ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዘለወን ሕጽረት ማይ ዝያዳ ከተጋድዶ ትኽእል እያ ብዝብል ስግኣት፡ ኣብ መስርሕ ግድብ ህዳሰ ሓባራዊ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝግባእ እየን ዝገልጻ።

ነቲ ፕሮጀክት ብዝምልከት ዝካየድ ዘተ ካብ 2021 ተቋሪጹ እኳ እንተጸንሐ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ካይሮ ተኻይዱ ነይሩ።

እታ ኣብ ኲናት ተሸሚማ ዘላ ሱዳን፡ ዛጊት ነቲ ብሰንበት ዝወጸ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምላሽ ኣይሃበትን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ “በይናዊ” ምምላእ እቲ ሓጽቢ፡ ነቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ መትከላት ዝጥሕስ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ንተግባር ኢትዮጵያ “ዘይሕጋዊ እዩ” ኢሉ።

“ስምምዕ መትከላት፡ መስርሕ ምምላእ ማይ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሰለስተአን ሃገራት ኣብ መምርሒታት ምምላእን ናብ ስራሕ ምእታውን ግድብ ህዳሰ ናብ ስምምዕ ክበጽሓ ይጠልብ፡” ይብል እቲ መግለጺ።

ወሲኹ’ውን “በይናዊ ስጕምትታት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሰፈረ መትከላት ረብሓን መሰላትን ከምኡ’ውን ውሕስነት ማይ ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ናይ ዝርከባ ሃገራት ዕሽሽ ምባል እዩ፡” ኢሉ።