እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኣሜሪካውያን ተሰሪቝ ናብ ግብጺ ዝተመልሰ 'ቀጠልያ ሬሳ'
ኣብ ሓደ ቤተ መዘክር ኣሜሪካ ንምርኢት ቀሪቡ ዝነበረ ዝተዘመተ ጥንታዊ ግብጻዊ ሳርኮፋገስ ናብ ግብጺ ተመሊሱ።
እቲ 2.9ሜትሮ (9.5 ፊት) ዝንውሓቱ "ቀጠልያ ሳንዱቕ ሬሳ" ካብ ዳሕረዋይ ዘመነ ስርወ መንግስቲ ግብጺ፡ ካብ 664BC ክሳብ 332BC ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ናይ ሓደ 'ኣንከንማት' ዝበሃል ካህን ቅሪተ-ኣካል እዩ።
ኣብ ሰሜን ግብጺ ካብ ዝርከብ ኣቡ ሰር ኔክሮፖሊስ ብዓለማዊ መርበብ ንግዲ ስነ-ጥበብ ዝተዘምተ ኰይኑ፡ ኣብ 2008 ብጀርመን ኣቢሉ ናብ ኣሜሪካ ኣሰጋጊርዎ።
ሓደ ከባቢ ሓድግታት ዝዀነ ሰብ፡ ኣብ 2013 ንቤተ መዘክር ተፈጥሮኣዊ ሳይንስ ሂዩስተን ኣለቂሕዎ።
እቲ ሳርኮፋጎስ ንሓያሎ ዓመታት ዝወሰደ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ ናብ ሃገሩ ዝተመልሰ ኰይኑ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብዲፕሎማሰኛታት ኣሜሪካ ብወግዒ ከምዝተረከበ ተገሊጹ።
ኣብቲ መደብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪን ሚኒስተር ቱሪዝምን ጥንታዊ ንብረትን ኣሕመድ ዒሳ ተረኺቦም።
ኣብ ግብጺ ቻርጅ ዲ ኣፈይርስ ኣሜሪካ ዳኒኤል ሩቢንስታይን፡ "እዚ ናይ ሎሚ ስነ-ስርዓት ኣርማ ናይቲ ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ግብጽን ኣብ ምክልኻል ጥንታዊ ንብረትን ምዕቃብ ባህላዊ ቅርስታትን ዝነበረ ነዊሕ ታሪኽ ምትሕብባር'ዩ" ክብል ገሊጹ።
ሚስተር ዒሳ፡ ምምላስ ናይዚ ጥንታዊ ሓድጊ፡ ግብጺ ብኮንትሮባንድ ዝኣትዉ ቅርስታት ንምምላስ እትገብሮ ዘላ ኣድካሚ ጻዕሪ ዘርኢ'ዩ ኢሉ።
ኣብ መስከረም፡ ዓቃቢ ሕጊ ዞባ ማንሃታን ኣልቪን ብራግ፡ እቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር (830 ሽሕ ፓውንድ) ዝግመት 'ግሪን ኮፊን'፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ግብጺ ጀሚሩ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ዝተዘርገሐ መርበብ ኣሰጋገርቲ ጥንታዊ ንብረት ከምዝተሸጠ ገሊጹ።
እዚ መርበብ፡ ነቲ ኣብ 2019 ናብ ግብጺ ዝተመልሰ "ወርቃዊ ሳንዱቕ"፡ ስቴለ ኦፍ ፓ-ዲ-ሰና፡ ንሳ'ውን ካብ ዳሕረዋይ ዘመነ ስርወ መንግስቲ ዝዀነትን ኣብ 2020 ዝተረከበትን፡ ኣብ ምዝማት ሓላፍነት ነይርዎ።
ከምኡ'ውን ዝሓለፈ ዓመት ካብ ቤተ መዘክር ስነ ጥበብ ሜትሮፖሊታን ኒውዮርክ ዝተታሕዘ ሓሙሽተ ጥንታዊ ቍርጻራጻት ቅርሲ ሓላፍነት ዝወስድ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥንታዊ ንብረት ናብ ግብጺ ዝመለሰት ኣሜሪካ ጥራይ ኣይኮነትን።
ኣብ 2021 እስራኤል ብኮንትሮባንድ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ወይ ኣብ እየሩሳሌም ንመሸጣ ዝተረኽቡ 95 ቅርስታት ኣረኪባ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ኣየርላንድ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ፡ ሳርኮፋግስ፡ ሙሚፋይድ ሬሳታት ደቂ ሰባትን ካኖፒክ ጀርካናትን ናብ ሃገሩ ንምምላስ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።