እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶናልድ ትራምፕን ንግዳዊ ትካል ስድራቤቱን ‘ናይ ምጥፍፋእ’ ክሲታት ተመስሪትሎም
ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን ንግዳዊ ትካል ስድራቤቱን ‘ናይ ምጥፍፋእ’ ክሲ ተመስሪቱ።
ግዝኣት ኒውዮርክ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ትካላት ስድራቤቱ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ትካላት ዶናልድ ትራምፕን ሰለስተ ደቁን፡ ናይ ምትላል ክሲ መስሪቱ ዘሎ።
እቲ መዝገብ ክሲ፡ ትካላት ንግዲ ትራምፕ ካብ 2011 ክሳብእ 2021 "ብዙሓት" ናይ ምድንጋር ተግባራት ከምዝፈጸሙ ይገልጽ።
ዋና ዓቃቢት ሕጊ ኒውዮርክ ለቲሻ ጀምስ፡ ትራምፕን ደቁን፡ ኣብ ዝኾነ ናይ ኒውዮርክ ጉዳያት ንግዲ፡ ከም ሓለፍቲ ወይ ዳይረክተራት ኮይኖም ከየገልግሉ ቤት ፍርዲ ክእግዶም ከምእትጠልብ ኣፍሊጣ ኣላ።
ንግዳዊ ትካል ቤተሰብ ትራምፕ ብወገኑ፡ ዝኾነ ገበን ከምዘይፈጸመ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጉዎ'ሎ።
እታ ኣኽባሪት ሕጊ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ትራምፕን ንግዳዊ ትካሉን ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ንነብሱ ንምህብታምን "ነቲ ስርዓት ንምትላልን"፡ ሃብቱ ብ"ቢልዮናት" ዶላር ብሓሶት ከምዝመልእዎ ገሊጻ። እቲ ሓበሬታ፡ ኣኽባሪት ሕጊ፡ ጀምስ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ሲቪላዊ መርመራ ንግዳዊ ኣሰራርሓ ናይቲ ኩባንያ ንምፍታሕ ኣብ መወዳእታ ዝቐረበላ ሓደ ዕድመ ድሕሪ ምንጻጋ እዩ ወጺኡ። ንሳ፡ ንግዳዊ ትካል ትራምፕ ኣብታ ግዝኣት ኣብ መጻኢ ኣብ ዝኾነ ይኹን ንግዳዊ ንጥፈታት ህንጸትን መሸጣን ህንጻታት (ሪል ኢስቴት) ከይዋፈር ክኽልከል ትደፍእ ኣላ።
ብዘይካ'ዚ፡ ሓያሎ ገበናዊ ክስታት ናብ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራልን ናብ ኣገልግሎት ውሽጣዊ እቶትን ትልእኽ ከምዘላ ለቲሻ ጀምስ ሓቢራ።