ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ገዝኡ ዝተረኸበ ፋይላት ከይፍተሽ ንኽፍሊ ፍትሒ ከሲሱ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ዳኛ ነቲ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ካብ ዘሎ ገዛኡ ዝተረኸቡ ፋይላት ዝገብሮ ዘሎ መርመራ ደው ክብለሉ ሓቲቱ።

ጕጅለ ሕጋዊ ኣማኸርቱ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ ወከልቲ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ዝወሰድዎ ሰነዳት ዝከታተል ናጻ ጠበቓ ክምዘዝ ሓቲቱ’ሎ።

ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብቲ 8 ነሓሰ 2022 ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ገዛ ትራምፕ ዘካየዶ ፈተሻ፡ ዓሰርተ ሓደ ስሩዕ ምስጢራዊ ፋይላት ምውሳዱ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ትራምፕ ኣብ ምርኽኻብ ሰነዳት ጥፍኣት ፈጺሙ ብዝብል እዩ ዝምርመር ዘሎ።

ፕረዚደንታት ኣሜሪካ፡ ኵሉ ሰነዳቶምን ኢመይላቶምን ናብቲ ሃገራዊ ማህደር [‘ናሽናል ኣርካይቭ’] ዝተባህለ መንግስታዊ ትካል ከሰጋግሩ ኣለዎም።

ኤፍ.ቢ.ኣይ ድማ ትራምፕ ካብ ስልጣን ክወርድ ከሎ መዛግብቲ ካብ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ናብ ማር-ኣ-ላጎ ብዘይግቡእ ሒዙ’ዶ ኣይሓዘን ይምርምር ምህላዉ ይገልፅ።

ንሱ ዝኾነ በደል ከምዘይተፈጸመ ብምግላፅ፡ እቶም ዝተወሰዱ ሰነዳት ዘይምስጢራውያውን ምዃኖም ሓቢሩ።

እቲ ብጕጅለ ኣማኸርቲ ሕጂ ትራምፕ ናብ ቤት ፍርዲ ፍሎሪዳ ዝቐረበ 27 ገጻት ዝሓዘ ክሲ፡ ነቲ ክፍሊ ፍትሒ ዝገበሮ ፈተሻ “ንፖለቲካዊ ረብሓኦም ዝውዕሉ ሰነዳት ክረኽቡ ወይ ድማ ትራምፕ ዳግማይ ንፕረዚደንትነት ከይወዳደር ንምፍሻል ዝግበር ጻዕርታት" ክብል ይነቅፍ።

ትራምፕ ካብ ገዛኡ እንታይ ከምዝተወሰደ ዝያዳ ዝርዝር ክወሃቦን መንግስቲ ነቶም ኣብቲ ትእዛዝ መፈተሺ ዘይተኻተቱ ግን ድማ ዝተወሰዱ ነገራት ክምልሱሉን ይሓትት።

ጠበቓታቱ፡ እቶም ዝተታሕዙ ፋይላት ኣብቲ ፕረዚደንታት ንገለ ርክባቶም ክዕቅቡ ዘፍቅደሎም ፍሉይ መሰል ዝሽፍኑ ድዮም ኣይሽፈኑን ዝብል ንምፍላጥ፡ "ዘይሻራዊ” ዝዀነ ሳልሳይ ወገን ጠበቓ ክመጽእ'ውን ሓቲቶም ኣለዉ።

ክፍሊ ፍትሒ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ብዛዕባ ክሲ ሚስተር ትራምፕ ከምዝፈልጡን ኣብ ቤት ፍርዲ ድማ መልሲ ከምዝህቡን ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቓል እቲ ክፍሊ ኣንቶኒ ኮሊ፡ "ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ዝተዋህበ ትእዛዝ መፈተሺ፡ ብፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ተዋሂብዎ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

እዚ ክሲ ትራምፕ ዝመጽእ ዘሎ ዘሎ፡ ኣባልት ድሕነት ክሳብ ሕጂ ኣብ ናይ ትራምፕ ገዛ ካብ ሲኣይኤ፡ ትካል ሃገራዊ ድሕነትን ኤፍ.ቢ.ኣይን ዝመጹ ሰደናት ሓዊሱ ልዕሊ 300 ምስጢራዊ ምልክት ዘለዎም ሰነዳት ከምዝረኸቡን ኒውዮርክ ታይምስ ትማሊ ሶኑይ ጸብጻብ ምዝርግሑ ስዒቡ እዩ።

እቲ መፈተሺ ትእዛዝ ዘጽደቐ ዳኛ፡ ክሳብ ሎሚ ነቲ ናይ ጽሑፍ መርትዖ ክዝርግሖ ድዩ ኣይዝርግሖን ኣይወሰነን ዘሎ፣ እዚ መርትዖ ከኣ ኤፍ.ቢ.ኣይ. ንዘካየዶ ፈተሻ ምኽንያታዊ ዝገብር ይኸውን።

ዝዀነ ጌጋ ከምዘይፈጸመ ዝገልጽ ትራምፕ፡ ኣብ ጥሪ 2021 ካብ ስልጣን ክወርድ ከሎ ካብ ዋይት ሃውስ ዝወሰዶም ኵሎም ሰነዳት ምስጢራዊ ከምዘይኰኑ ኣአዊጁ ምንባሩ ይምጕት።