እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትራልያ ንቻይና ሰጊኣ ሰራዊታ ብሓድሽ ኣወዳድባ ዘመናዊ ኣጽዋር ተዕጥቕ
ኣውስትራልያ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ንምሕያል ብቕልጡፍ ትሰርሕ ከምዘላ፡ ሓደ ሰነድ ስትራተጂ ምክልኻል እታ ሃገር ኣረዲኡ።
ኣውስትራልያ ነቲ መስርሕ ክተቀላጥፍ ዝደለየትሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ብቻይና ዘለዋ ስግኣት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ምምጽኡ ምዃኑ እቲ ሰነድ ይጠቅስ።
ኣውስትራልያ ብባሕሪ ዝተኸበት ምዃና ጥራይ፡ “ኣብ ዘመነ ሚሳይል” እኹል ውሕስነት ክህባ ከምዘይክእል ብምጥንቃቕ ከኣ ነታ ሃገር ዝምጥን ዘመናዊ ሰራዊት ምክልኻል ምህናጽ ዘየላቡ ምዃኑ ይገልጽ።
መንግስቲ እታ ሃገር ኣድላዪ ምትዕርራያት ንምግባር 19 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ክገብር እዩ።
እቲ 110 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ፡ ኣውስትራልያ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሰራዊት ምክልኻላ ንምዝማን ዝገበረቶ ዝዓበየ ምትዕርራይ ምዃኑ ይገልጽ።
እቲ ስትራተጂያዊ ዕረያ ምክልኻል፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ታይዋን ብዘለዋ መርገጺ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝመጸሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ቻይና፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ፡ ንታይዋን ንምቍጽጻር ሓይሊ ክትጥቀም ምዃና እያ ተጠንቅቕ።
ሓይሊ ባሕሪ ቻይና ንዓለምለኻዊ ሕጊ ብምጽራር፡ ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ዝብጽሖ ግዝኣት ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ህላወኡ ከሐይል ጸኒሑ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዝ፡ ነቲ ዕረያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “እቲ መጻኢ ኣክንዲ ዝቐርጸና ንመጻኢና ዝቐርጽ እዩ” ድሕሪ ምባል ለበዋታት እቲ ሰነድ ንኣውስትራልያ “ዝያዳ ካብ ጽግዕተኛነት ዘገላግል፡ ዝያዳ ድልውትን ዝያዳ ውሕስትን ዝገብር እዩ፡” ኢሉ።
እቲ ሰነድ ሓይልታት ኣውስትራልያ ዝነውሐ ርሕቐት ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ኣብ ዘለዎ ኣጽዋር ከተኵሩ ከምዝመክር ሚኒስተር ምክልኻል ሪቻርድ ማርለስ ገሊጹ።
ልዕሊ 500 ኪሜ ርሕቐት ንዘለዉ ዒላማታቱ “ብግቡእ ዝሃርም ሚሳይላት” ነቲ ሰራዊት ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ዋጋኦም ክሳዕ 900 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ክሩዝ ሚሳይላት ንኣውስትራልያ ክሽየጥ ምጽዳቝ ይዝከር።