እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና፡ ንታይዋን ዘነጻጸረ ወተሃደራዊ ልምምዳ ከምዝዛመት ኣፍሊጣ
ሰራዊት ቻይና ከካይዶ ዝቐነየ ንታይዋን ዘነጻጸረ ወተሃደራዊ ልምምድ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ቻይና ገሊጻ።
ኣብቲ ሓይልታት ምድሪ፡ ሚሳይላትን ባሕርን ዝተሳተፍሉ ልምምድ፡ እታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተሰርሐት፡ ነፈርቲ ውግእ እትስከም 'ሻንዶንግ' ዝተባሀለት ዓባይ መርከብ'ውን ኣካል ናይቲ ልምምድ ምንባራ ቻይና ሓቢራ።
ንታይዋን ከም ሓንቲ ክልላ እትርእያ ቻይና፡ ነቲ ስርሒት ንመንግስቲ እታ ደሴት "ተሪር መጠንቀቕታ" ምዃኑ ይንገር።
እቲ ልምምድ፡ ፕረዚደንት ጻይ ኢንግ-ወን ካብ ኣብ ኣሜሪካ ዝገበረቶ ጉዕዞ ምስ ተመልሰት ድሕሪ ሰዓታት እዩ ተጀሚሩ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን፡ 70 ወተሃደራዊ ነፈርቲ ቻይናን ትሽዓተ መራኽብን ንማእከላይ መስመር መጻብቦ ታይዋን ከም ዝሰገራ ገሊጹ።
መስመር መጻብቦ ታይዋን፡ ኣብ መንጎ መሬት ቻይናን ታይዋንን ዝርከብ ዘይወግዓዊ ዶብ እዩ።
ሓንቲ ካብተን መራኽብ፡ ኣብታ ፒንግታን እትበሃል ንታይዋን ዝቐረበት ደሴት ቻይና ኣብ እትጓዓዘሉ እዋን ካብ ደርባ ሓደ ዙርያ ከም ዝተኮሰት ሮይተርስ ሓቢሩ።
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና፡ እቲ ወተሃደራዊ ልምምድ "ብሓንሳብ ኣብ ዙርያ ደሴት ታይዋን ፓትሮላትን ምዕባለታትን ብምውዳብ፡ ኩሉ መዳያዊ ኣቃውማ ከበባን ምዕጋትን ክቐርጽ'ዩ" ኢለን።
ብተወሳኺ፡ "ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዛ ሮኬት መዳፍዕ፡ ኣዕነውቲ ሓይሊ ባሕሪ፡ ሚሳይል ዘወንጭፋ ጀላቡ፡ ነፈርቲ ውግእ ሓይሊ ኣየር፡ ቦምባ ዝድርብያ ነፈርቲ፡ ዓፈንቲን ነዳዲ ዝመልኣን" ኩለን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ቻይና ከም ዝተዋፈራ ሓቢረን።
ታይዋን ንነብሳ ከም ልኡላዊት ሃገር እያ ትቖጽራ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ቅዋምን መራሕትን ኣለዋ።
ቻይና ግን ነታ ደሴት ኣብ መወዳእታ ኣገዳሲ እንተዀይን ብሓይሊ ከይተረፈ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ከም እትኣቱ ዝተፈለየት ክልላ እያ ትርእያ። ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ምስ ታይዋን "ዳግመ ውህደት" ክፍጸም ከም ዘለዎ ይገልጽ።
ቻይና ብዙሕ ግዜ ኣብ ከባቢ ታይዋን ልምምድ ትገብር እኳ እንተዀነት፡ እቲ ናይ "ምኽባብ" ልምምድ ግን ፕረዚደንት ታይዋን ጻይ ብረቡዕ ምስ ኣፈኛ ባይቶ ኣሜሪካ ኬቪን ማካርቲ ብምርኻባ ከም ዝተወሃበ ምላሽ እዩ ዝረአ ዘሎ።
ፕረዚደንት ጻይ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እታ ደሴት ምስ "ቀጻሊ ምልካዊ ምስፍሕፋሕ" ቻይና ኣብ ዝገጠመትሉ እዋን፡ መንግስታ ምስ ኣሜሪካን ካልኦት ዲሞክራስያውያን ሃገራትን ምስራሕ ከም ዝቕጽል ገሊጻ።
ንሳ ነዚ ዝገለጸት ምስቲ ብኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ማይክል ማኮል ዝምራሕ ልኡኽ ባይቶ ኣብ ታይፐይ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ።
ማኮል፡ ዋሽንግተን "ንኲናት ዘይኮነስ ንሰላም" ንታይዋን ኣጽዋር ንምቕራብ ትሰርሕ ከም ዘላ ገሊጹ።
ነበርቲ ርእሰ ከተማ ታይፐይ ግን ብወተሃደራዊ ልምምድ ቻይና ዝተረበሹ ኣይመስሉን።
"ብዙሓት ታይዋናውያን ኣብዚ እዋን'ዚ ዝለመድዎ ይመስለኒ" ክብል ጂም ጻይ ነቲ ስምዒት ገሊጹ።
ማይክል ቹዋንግ ብወገኑ፡ "ንሳቶም [ቻይና] ከምኡ ምግባር ዝፈትዉ ይመስሉ - ንታይዋን ከም ናቶም ጌሮም ይምኽባብ። ሕጂ ለሚደዮ እየ። እንተወሪሮም ብዝኾነ ክንሃድም ኣይንኽእልን። ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዝኸውን ክንርኢ ኢና" ኢሉ።
እቲ ቻይና ኣብ ዙርያ ታይዋን ተካይዶ ዘላ ስርሒት፡ ክሳዕ ሰኑይ ከም ዝቕጽል ህዝባዊ ሰራዊት ቻይና (PLA) ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን፡ ንልምምዳት ቻይና "ብህድኣት፡ ርትዓውን ዕቱብን ኣተሓሳስባ" መልሲ ከም ዝህብን፡ እዚ ድማ "ግጭታት ከይጋደድ፡ ወይ ንሃገራዊ ልኡላውነትናን ጸጥታናን ንምክልኻል ዘይምርድዳእ ከየስዕብ" ኣብ ዝብል መትከል ዝተመርኮሰ ምዃኑን ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ቅድሚ ኬቪን ማካርቲ ዝነበረት ናንሲ ፔሎሲ ናብ ታይፐይ ድሕሪ ምብጽሓ፡ ቤጂንግ ኣብ ከባቢ ታይዋን ዳርጋ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ልምምድ ኣካይዳ ነይራ።
እቲ ቻይና ድሕሪ ዓመታት ዘካየደቶ ዝዓበየ ናይ ሓይሊ ምርኢት ልምምድ፡ ምውፋር ነፈርቲን መራኽብን ውግእ፡ ከምኡ’ውን ምትኳስ ባሊስቲክ ሚሳይላት ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ።