እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታይዋን ዶባታ ናብ ዝተጸገዓ ድሮናት ጥይት ቶኲሳ
ታይዋን ናብ መሬታ ናብ ዝተጸገዓ ዋንነተን ዘይተፈለጣ ሰለስተ ድሮናት ናይ መጠንቀቕታ ጥይት ከም ዝተኰሰትለን ገሊጻ።
ነተን ድሮናት መን ይመርሐን ከም ዝነበረ’ኳ ኣንተዘይተገለጸ፡ ጥይት ምስ ተተኮሰን ግን ናብ ቻይና ገጸን ከም ዝኸዳ ሚኒስትሪ ምኽልኻል ታይዋን ኣፍሊጡ።
ታይዋን ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ድሮናት ቻይና ናብ ገማግማ ብተደጋጋሚ ይበራ ምህላወን ከተጠንቅቕ ጸኒሓ’ያ።
እንተዀነ ታይዋን ናብ ድሮናት ናይ መጠንቀቕታ ብረት ክትትኩስ እዚ ናይ ፈለማ እዋን’ዩ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ብሓሙስ ሰለስተ ወተሃደራውያን ዘይኰና ድሮናት ኣብ ከባቢ ዳዳን፡ ኢርዳንን ሺዩን ኣብ ዝብሃሉ ከባቢታት [ካብ ቻይናዊት ከተማ ዝያመን ቀረባ ዝኾነ ቦታ] ከም ዝተራኣያ ገሊጹ ነይሩ።
ነተን ትማሊ ዝተርኣያ ድሮናት፡ ቅድሚ ናይ መጠንቀቕታ ብረት ምትኳሶም መፈራርሒ ሃልሃልታ ከም ዝሰደዱለን ብምግላጽ፡ ጸኒሖም ግን ናይ ብሓቂ ጥይት ንምምፍርራሕ ከም ዝተኮሱለን መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን የመልክት።
ብድሕሪ እዚ እተን ድሮናት ናብ ቻይናዊት ከተማ ዝያመን ገጸን ከም ዝኸዳ ተሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዝሆኣ ሊጅያን ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ድሮናት ቻይና ኣብ ሰማያት ቻይና እንተበረራ ንምንታይ እዩ ዘገርም?” ዝብል መግለጺ ሂቡ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን ብወገኑ በቲ መግለጺ ከም ዝተቖጠዐ ብምሕባር “ከይትዓደመ ዝመጽአ ሰራቒ’ዩ” ኢሉ።
ኣብ መጀመርታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ታይዋን ኣብ ታሪኻ ንምክልኻል ካብ ዝሰልዓቶ ገንዘብ እቲ ዝበዝሐ ኣጽዲቓ።
እታ ሃገር ንሚኒስትሪ ምክልኻል 19 ቢልዮን ዶላር’ያ ሰሊዓ ዘላ።
ፕረዚደንት ታይዋን፡ ጻይ ኢንግ ወን ታይዋን ኣብ ልዕሊኣ ንዘንጸላሉ ዝዀነ ዓይነት ሓደጋ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ኣጠንቂቓ ነይራ እያ።
ኣብ መፋርቅ ወርሒ ነሓሰ፡ ወተሃደራት ታይዋን ነተን ዝተጸግዐኦም ድሮናት ንምምላስ ኣእማን እናደርበዩለን እንከለዉ ዘርኢ ቪድዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሑ ኣዘራራቢ ኮይኑ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ነቲ ቪድዮ፡ብዙሓት ቻይናውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ክላገጽሉን ክዋዘይሉን ተራእዮም’ዮም።
ኣብ ሞንጐ ታይዋንን ቻይናን ዝነበረ ወጥሪ፡ ኣፈጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ናብ ታይዋን ድሕሪ ምብጽሓ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ክዓርግ’ዩ ተራእዩ።
ቻይና ብውሳነ ታይዋንን ኣሜሪካን ብምቁጣዕ፡ ኣብ ከባቢ ታይዋን ዝዓበየ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይዳ።
ቻይና፡ ታይዋን ካብ ግዝኣታ ዝተነጸለት ምምሕዳር ገይራ ስለ እትርእያ፡ ኣገዳሲ እንተዀይኑ ብሓይሊ’ውን ክትጥቕልላ ከም እትኽእል ትገልጽ።
መራሕቲ ታይዋን ግን፡ እታ ደሴት ልዕሊ ግዝኣት ከም ዝዀነት ብምግላጽ፡ ርእሳ ዝኽኣለት ምምሕዳር’ያ ይብሉ።
ታይዋን፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ቅዋም፡ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ዝተመርጹ መራሕቲ፡ ኣስታት 300 ሽሕ ሰራዊት ኣለዋ።