ማርኮን፡ ቻይና ንሩስያ 'ሰላም ንኽትገብር' ከተእምና ይምሕጸን

መራሒ ፈረንሳ ኣማኑወል ማክሮን ን ቻይናዊ መዘኑኡ ሺ ጂንፒን፡ ንኩናት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ደው ኣብ ምባል እጃሙ ከበርክት ጸዊዑ።

"ን ሩስያ ናብ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ኣምጺእካ ኵሉ ኣብ ሓደ ጣውላ ኢሂን ምሂን ኢሉ ክላዝብ ንምግባር ብዘለካ ዓቕሚ እተኣማመን እየ” ክብልውን ን ሺ ጂንፒን ተዛሪቡዎ።

ሺ-ጂንፒን ብወገኑ ቻይናን ፈረንሳን ናይ ዓለምና ሰላም ኣብ ምውሓስ “ክእለትን ሓላፍነትን” ከምዘለወን ኣረዲኡ።

ይዅን እምበር ሞስኮ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሰላማዊ ምርድዳእ ዝኸውን ጠመተ ከምዘይብላን መጥቃዕታ ከም እትቕጽልን ኣፍሊጣ።

ማክሮን ናብ ቻይና ዘካይዶ ዘሎ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፡ ድሕሪ'ቲ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ኣይኰነነትን ዝብል ቅሬታ ምዕራባውያን ዘስዓቦ ዝላሕልሐ ርክብ ቻይናን ምዕራባውያን እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብዚ ጕዕዞ ኣብ ሓድሕድ እተን ሃገራት ንዘሎ ንግዳዊ ምልውዋጥ ንምድልዳል ዝጽዕር ማክሮን፡ ንሓላፊት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ምስ ኣመራርሓ ቻይናን ዓበይቲ ወከልቲ ንግዲን ኣብ ዝርርብ ክትሳተፍ ዓዲምዋ።

ቅድሚ ናብቲ ሰበስልጣን ቻይናን ፈረንሳን "ግልጺ"ን "ምሕዝነታዊን" ክብሉ ዝገለጽዎ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዘካየድዎ ዝርርብ ምምርሖም፡ ማክሮን ብሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ በይጂን ዝተራቐቐ ምርኢት ወተሃደራዊ ሰልፊ ቀሪብሉ።

ኣብቲ ድሒሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺታት ድማ፡ "ቻይና ንዘተ ሰላም ትጣበቕን ፖለቲካዊ ፍታሕ ትደልን እያ" ብምባል፡ ማሕበረሰብ ዓለም "ርትዓዊ ምግታእ" ክግበር ጸዊዑ።

ሩስያ፡ ኣብቲ ንቤላሩስ ምስ ሃገራት ኔቶ ዘዳውባ ምዕራባዊ ኣከባቢ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም መደብ ከምዘለዋ ንዝገለጸቶ ድማ፡ ካብ ከምዚታት ክትቍጠብ ኣስሚሩሉ።

ማርኮን፡ “ዩክረይን ተወሪራ ክሳብ ዝሃለወት ውሕስትን ርግእትን ኣውሮጳ ክህልወና እይክእልን" ብምባል ፡ ብፍላይ ድማ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንቻርተር ናይቲ ትካል ምጥሓሱ "ቅቡል ኣይኰነን" ኢሉ።

እቲ መራሒ ፈረንሳ ኣብ መደረኡ፡ ብምዉቕ ቃና መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሺ ገጹ ብምቕናዕ ብቐጥታ ይዛረብ ነይሩ። ብኣንጻሩ እቲ ቻይናዊ በዓል ስልጣን ብዘይገደብን ስክፍታን'ዩ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ።

ቮን ደር ሌየን፡ ድሒራ ኣብ ኣብ ዝሃበቶ ካልእ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቻይና ንሩስያ ኣጽዋር እንተ ኣቕሪባ፡ ኣንጻር ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ዝኸውንን ኣብ መንጐ ሕብረት ኣውሮጳን ቻይናን ዘሎ ርክብ "ብዓቢኡ ከም ዝጐድእን" ኣስሚራትሉ።

ብተወሳኺ በይጂን "ፍትሓዊ ሰላም ዘተባብዕ" ተራ ክትጻወት ትጽቢት ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ ነቲ መራሒ ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዝጠለቦ፡ ማለት ሩስያ ምሉእ ብምሉእ ሰራዊታ ክትስሕብ ዝጽውዕ ውጥን ሰላም - ብጽኑዕ ከም እትድግፍ ገሊጻ።

ቻይና ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ሰላም ውጥን ኣቕሪባ እኳ እንተነበረት፡ መብዛሕትአን ምዕራባውያን ሃገራት እቲ ውጥን ናብ ሩስያ ዘዳለወ እዩ ብምባል ነጺገናኦ።

መራሒ ዩክረይን ቮለድሚር ዘለንስኪ ግን ኣብቲ ውጥን ዘለዎ ድሌትን ቅሩብነትን ብምርኣይ ምስቲ ቻይናዊ ፕረዚደንት ቀጥታዊ ዝርርብ ከካይዱ ጸዊዑ። ይዅን እምበር ብወገን ቻይና ነቲ ጻውዒት ወግዓዊ መልሲ ኣይተዋህቦን።

ቮን ደር ሌየን ግን ምስ ሺ ኣብ ዝገበረቶ ዘተ፡ "ኵነታትን ግዜን ቅኑዕ ኣብ ዝዀነሉ እዋን" ምስ ዘለንስኪ ንምዝርራብ "ድልውነት ከምዘለዎ ደጊማ" ገሊጻ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሩስያ፡ ቻይና "ኣዝዩ ኣድማዕን ኣዛዚን ዓቕሚ ሽምግልና" ከምዘለዋ ብምእማን፡ “እቲ ብወገን ዩክረይን ዘሎ ኵነታት ንጹር ብዘይምዃኑ ግን ሩስያ ነቲ ኲናት ካብ ምቕጻል ሓሊፉ ኣማራጺ የብላን” ክብል ኣፈኛ ክረምሊን ዲሚትሪ ፓስኮቭ ብሓሙስ ተዛሪቡ።

በዚ ዑደት እዚ ኣህጉራዊ ሸምጋሊ ሰላም ከምዝዀነ ንዅሉ ንምብራህን ምርኣይን ድሌት ዘለዎ ማክሮን፡ ምስ ኵሎም ዓበይቲ ተሳተፍቲ ግጭት ዩክረይን ውልቃዊ ርክብ ኣካይዱ ኣሎ።

ይዅን እምበር ካብዚ ናይ ቻይና ጕዕዞ ዝዀነ ይዅን ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ሒዙ ክምለስ ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ፡ ገለ ገምገምቲ ይኣምኑ። ናይ ሓባር ነጥብታትን ረብሓታት ዝርርብ ጽምዶ ብንግድን ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ምዕባለታት ከጕልሕ ግን ተኽእሎ ኣሎ።

ፈረንሳ ኣካል ምዕራባዊ ምሕዝነት ስለዝዀነት፡ ከምኡ’ውን ንኣሜሪካ ዝቐረበት ስለዝዀነት፡ ምስታ ምስ ሩስያ ጥቡቅ ሽርክነት ዘለዋ ቻይና ዘለዋ ዝምድና ከተዕሙቕ ኣይትኽእልን ማለት ከምዘይኮነ ይኣምን።

እቲ መራሒ ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዛዕባ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ቻይና ቅሩብ ብምጥቃስ፡ ዋላ'ኳ ንፈረንሳ ኣገዳሲ እንተዀነ "ካብ ኣስተምህሮ ምሃብ ኣኽብሮት ይሓይሽ" ኢሉ።

እዚ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ዝካየድ ዘሎ ናይ በይጂን ዑደት፡ ኣብ መንጐ ዓበይቲ ፈረንሳን ቻይናን ኮርፐሬሽናትን ባህላውያን ኢንስቲዩትሽናትን ዝተገብረ ዓበይቲ ስምማዓት እቶም ክልተ መራሕቲ ናይ ዓይኒ መሰኻክር እዮም።

እቲ መራሒ መራሕቲ ንግዲ፡ ስነጥበባውያንን ሓለፍቲ ቤተ መዘክርን ዝሓቘፈ ልኡኽ ሒዙ ይጕዓዝ ኣሎ። ንሳቶም ድማ ላዕለዎት ኣካየድቲ ስራሕ ካብ ኣፍራዪ ነፈርቲ ኤርባስ፡ ጕጅለ ኤልቪኤምኤችን ኣፍራዪ ኒዩክለራዊ ጸዓት ኢዲኤፍን ይርከብዎም።