እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምዃና ቁጥዐ ኣልዒሉ
ሩስያ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምዃና ቁጥዐ ኣለዓዒሉ።
ዩክረይን፡ ኣባላት እቲ ቤትምኽሪ ነቲ ውሳነ ክዓግትዎ እኳ እንተሓተተት፡ ሩስያ ግን ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኰይና ኣላ።
ነፍሲ ወከፍ ካብቶም 15 ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ በብተራ ንሓደ ወርሒ ፕረዚደንትነት ይሕዙ እዮም።
ሩስያ ንመወዳእታ ግዜ ፕረዚደንትነት ኣብ ዝሓዘትሉ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምሉእ ወራር ምፍጻማ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዘይኮነ ዓለምለኻዊ ገባናዊ ቤት ፍርዲ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ኲናት ዩክረይን ብዝተፈጸሙ ገበናት ብዝተሓሓዝ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ይዝከር።
ስለዝኾነ ድማ እቲ ባይቶ ጸጥታ በታ ፕረዚደንታ ዓለምለኸ ትእዛዝ ማእሰርቲ ዝወጸሉ ሃገር ይምራሕ ኣሎ ማለት እዩ።
ዋላ'ኳ ዩክሬን ጥርዓን እንተቕረበት፡ ኣሜሪካ ግን ነታ ቀዋሚ ኣባል ቤት ምኽሪ ዝዀነት ሩስያ ነቲ ፕረዚደንትነት ንኸይትሕዝ ክትዓግቶ ከም ዘይትኽእል ገሊጻ።
ካልኦት ቀወምቲ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ድማ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣሜሪካ፣ ፈረንሳን ቻይናን እየን።
እቲ ተራ መብዛሕትኡ ግዜ ስርዓታዊ’ኳ እንተዀነ፡ ኣምባሳደር ሞስኮ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቫሲሊ ነበንዚያ ግን ንማዕከን ዜና ሩስያ ታስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሓያሎ ክትዓት፡ እንተላይ ኣብ ምቁጽጻር ኣጽዋር ዝምልከት ክትዓት ክከታተል መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ንሱ፡ ብዛዕባ "ነቲ ዩኒፖላር ስርዓት ንምትካእ" ዝመጽእ ዘሎ "ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት" ክዝትይ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን ዲሚትሮ ኩለባ፡ ንፕረዚደንትነት ሩስያ፡ "ኣብ መዓልቲ ሓሶት- ዝኸፍአ ዋዛ" ክብል ገሊጽዎ። [እቲ ዕለት ኣፕሪል 1፡ ብልሙድ ኣፕሪል ዘፉል እናተብሃለ እዩ ዝጽዋዕ።]
"ኣብ ኣሰራርሓ ዓለምለኸ ጸጥታ ገለ ጸገም ከምዘሎ ዘርኢ ጽኑዕ መዘኻኸሪ" ክብል ወሲኹ።
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩክሬን ሚካይሎ ፖዶልያክ፡ እቲ ኣጋጣሚ "ካልእ ዓመጽ ዓለምለኻዊ ሕጊ'ዩ... ዘስካሕክሕ ኲናት ዘካይድ፡ ስርዓታት ሰብኣውን ገበናውን ሕጊ ዝጥሕስ፡ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዘጥፍእ፡ ኒዩክለራዊ ውሕስነት ሸለል ዝብል ኣካል ነቲ ቀንዲ ትካል ጸጥታ ዓለም ክመርሕ ኣይኽእልን" ኢሉ።
ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ባይቶ ጸጥታ ንወራር ሩስያ ንምክልኻል እኹል ስጉምቲ ከም ዘይወሰደ ብምኽሳስ፡ እቲ ትካል ክዕረ ወይ "ጠቕሊሉ ክፈርስ" ጸዊዑ።
ብተወሳኺ፡ ሩስያ ካብ ኣባልነታ ክትእለ እውን ጸዊዑ ኣሎ።
ኣሜሪካ ግን ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ኣባል ክእለ ስለዘየፍቅድ ኣእዳዋ ከም ዝተኣስረ ትገልጽ ኣላ።
ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን-ፒየር፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “እቲ ዘሕዝን ግን ሩስያ ቀዋሚ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ስለዝዀነት ነቲ ክውንነት ክቕይር ዝኽእል ዝዀነ ሕጋዊ ዓለምለኻዊ ተግባራዊ መንገዲ የለን” ኢላ።
ወሲኻ’ውን ኣሜሪካ፡ ሩስያ "ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዝነበራ መንበር ተጠቒማ ግጉይ ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ክትቅጽል" ከምኡ’ውን ኣብ ዩክሬን ንዝወሰደቶ ተግባራት ከተመኽንየሉን ትጽቢት ከምዘለዋ ገሊጻ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰላም ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ኣካል እዩ።
ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሓሙሽተ ሃገራት ክዀና እንከለዋ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን ኣብ ድሕሪ ኲናት ዝነበረ መሓውር ስልጣን ዘንጸባርቓ እየን።
ኣባላት እዚ ጉጅለ ምስ 10 ቀወምቲ ዘይኮና ኣባል ሃገራት ብሓባር ይሰርሓ።
ሩስያ ቀዋሚ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ብምዃና፡ መሰል 'ውሳነ ናይ ምፍራስ ሙሉእ ስልጣን' [ቀውፊ] ተጠቒማ ንውሳነታት ክትዓግት ትኽእል እዩ።
እተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት እዚ ዓይነት መሰል ኣለወን፤ እዚ ድማ ንውሳነ ዝኾነ ኣብቲ ባይቶ ዝዝተየሉ ዛዕባ ደው ከብልኦ ዘኽእል ስልጣን እዩ።
ሓደ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ንኽጸድቕ፡ ብትሽዓተ ድምጺ ክድገፍ ኣለዎ። ብተወሳኺ ካብተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ዋላ ሓንቲ ክትቃወም የብላን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈጸመቶ ወራር ንከብቅዕ ዝዓለመ ውሳነ እዚ ስልጣና ተጠቒማ ዓጊታቶ እያ።
ኣብ ወርሒ መስከረም ነቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ዩክሬን ዝጎበጠተን ኣርባዕተ ዞባታት ክትምልስ ዝጽውዕ ውሳነ’ውን ከም ዝዓገተት ይዝከር።