ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ ኢድ ከምዘይብላ ኣፍሊጣ

ላዕለዋይቲ ኮሚሽነር ዓባይ ብሪጣንያ ጄን ማሪዮት

ምንጪ ስእሊ, UK Embassy

ኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ: ጄን ማሪዮት፡ ንሳን ሃገራን ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዛዘመ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ ኢዶም ኣእትዮም ዝብል ክሲ ነጺጋቶ።

 ሚስ ማሪዮት፡ ድሕሪ እቲ ኣካታዒ መረጻ ንምክትል ፕረዚደንት፡ ዊልያም ሩቶ፡ ዕውት ፕረዚደንት ኮይኑ ንኽእውጅ፡ ንሃገራዊ ኮሚሽን መረጻ ጸቕጢ ከምዝገበረት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቃላሕ ቀንዩ።

 ገለ ተጠቀምቲ፡ ንሳ ምስ ሚስተር ሩቶን ኣቦ መንበር ኮሚሽን መረጻ፡ ፉላ ቸቡካቲን፡ ኢዳ ክትጭብጥ ከላ ዘርኢ ዘይተረጋገጸ ስእልታት ኣካፊሎም። 

ሚስ ማሪዮት ኣብ ትዊተራ፡ ዓባይ ብሪጣንያ "ኣብ መረጻ ኬነያ፡ ንዝኾነ ሕጹይ ወይ ሰልፍታት ኣይትድግፍን ወይ ርእይቶ የብላን" ብምባል፡ ነቲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ “ስነዕ" ኢላቶ።

 “ኬንያውያ ንመን ይመርጹ፡ ንህዝቢ ኬንያ ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኬንያ ዘለዋ መደባትን ምሕዝነትን ብዝምለከት ግና፡ ምስ ነጻ ትካላት ሓዊሱ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ምስ ዝመጹ ሰባት ተራኺብና ንዝቲ ኢና” ኢላ።

 ሚስ ማሪዮት፡ ኬንያ ኣገዳሲት መሻርኽቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኮይና ክትቅጽል ምዃና ብምግላጽ፡ ብሪጣንያ ብህዝቢ ንዝተመርጹ መራሕቲ ክትድግፍ ድልውቲ ምዃና ሓቢራ።

 ኣብ'ቲ ኣካታዓይ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣይተዓወተን ዝተብሃለ፡ ራይላ ኦዲንጋ፡ ስማ ዘይተጠቕሰት ሓንቲ ናይ ወጻኢ ሃገር፡ ኣብ ፖለቲካ ኬንያ ምትእትታው ክተቋጽ ትማሊ ሰኑይ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ራይላ ኦዲንጋ፡ ነቲ ውጽኢት መረጻ ብምንጻግ፡ ነቲ ዊልያም ሩቶ ተዓዊትሉ ዝተበሃለ መረጻ ብሕጊ ንምብዳህ፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ሰነዳት ኣደጊፉ ትማሊ ኣቤቱታ ኣቕሪቡ ኣሎ።