እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ገዚፍ ፕሮጀክት 'ነጃሺ 00 መንደር' እንታይ'ዩ ?
“ነጃሺ 00 መንደር” ዝብል ስያመ ዝተወሃቦ ሓድሽ ፕሮጀክት ዕላዊ ተገይሩ ኣሎ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ዝተገብረ ገዚፍ ውጥን፡ ኣብቲ ጥንታዊ መስጊድ ኣል-ነጃሺ ዝርከበሉ ነጋሽ እናተበሃለ ዝፅዋዕ ከባቢ ትግራይ ክህነጽ እዩ ተሓሲቡ ዘሎ።
ቁሩብ ብዛዕባ ኣል-ነጃሺ
መስጂድ ኣልነጃሺ፡ ናይ መጀመርታ ሒጅራ [ሃይማኖታዊ ጉዕዞ] ዝተኻየደሉ ቅዱስ ስፍራ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ከምዝኾነ ይዝረበሉ።
ኣብቲ እዋን ኣብ 7ይ ክፍለዘመን፡ ሰዓብቲ ነብይ መሓመድ ካብ ካልኦት ወገናት ከቢድ ምግፋዕን ቅትለትን ይበጽሖም ነበረ።
ሽዑ ነብይ መሓመድ ንሰዓብቶም ከድሕኑ ብምሕሳብ “ናብ ምድረ-ሓበሻ ኪዱ። ኣብኡ ዝበጽሐኩም በደልን ግፍዕን የለን። እቲ ኣብኡ ዘሎ ንጉስን ምስ ህዝቡ ብጽቡቕ ክቕበለኩም እዩ” ኢሎም ለኣኽዎም።
እቶም በቲ እዋን ዝተሰደቱ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ነዊሕ ተጓዒዞም ዘዕረፉሉ ቦታ ድማ፡ ካብ ከተማ መቐለ ኣስታት 60 ኪሎሜትር ርሒቑ ዝርከብ ብሰፊሑ 'ነጋሽ' ብዝብል ዝፍለጥ ከባቢ እዩ።
እዚ ስደቶም እውን ‘ፈላማይ ሂጅራ’ ወይ ሃይማኖታዊ ጉዕዞ ብዝብል ይፍለጥ።
መዛግብቲ ታሪኽ ከምዝሕብርዎ፡ ኣብቲ እዋን ዝነበረ መበል 74 ንጉስ ኣክሱም ነቶም ተሰዲቶም ዝመጽኡ ልዕሊ 100 ተኸተልቲ ነብይ መሓመድ ብፅቡቕ ስለዝተቐበሎም ኣብቲ ከባቢ ንዝነብር ሕብረተሰብ መሲሎም ናብርኦም ቀጸሉ።
ጥንታዊ መስጊድ ኣልነጃሺ፡ ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ካብ መንግስቲ ቱርኪ ብዝተረኸበ ገንዘባዊ ሓገዝ ጽገና ተገይሩሉ ምንባሩ ይፍለጥ። እቲ ኣብ 4 ሽሕ ትርብዒት ሜትር ስፍሓት መሬት ዝዓረፈ መስጊድ ናይ ጸሎት ቦታን መቓብራትን ሒዙ ይርከብ።
እቲ ቦታ ንሃይማኖታዊ ስርዓት ካብ ዝመጽኡ ሰዓብቲ እቲ እምነት ወጻእ ንዑደት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ወጻእተኛታት እውን ዝርእይዎ መስሕብ ቱሪዝም ትግራይ እዩ።
ተሓሲቡ ዘሎ ውጥን እንታይ እዩ?
ብ 29 ሚያዝያ 2016 [ግ] ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆቴል ሸራተን ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ምልላይ ፕሮጀክት ‘ነጃሺ 00 መንደር’፡ ካብ ኤምባሲታት ቱርክን ስዑዲ ዓረብን ሓዊሱ ወኪላት ዝተፈላለያ ሃገራትን ካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም ነይሮም።
እቲ ፕሮጀክት ብቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ትግራይ ምስ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ተበግሶ ንዳግመ-ልምዓት ኣልነጃሺን [Al-Nejashi Reconstruction and Development initiative (ARDI)] ብምትሕብባር ክካየድ’ዩ ተወጢኑ ዘሎ።
“ንነጃሺ ምልማዕ ማለት ቅድሚ ኵሉን ልዕሊ ኵሉን መስሕብ ቱሪዝም ትግራይ ምብርታዕ ማለት እዩ” ዝብሉ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ትግራይ ሸኽ አደም ዓብድቃድር ጆሃር፡ እቲ ውጥን ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝተሓሰበ ምንባሩን ብሰንኪ ኲናት ተኣጓጒሉ ምጽንሑን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋናት ቲካ ዝበሃል ትካል ቱርኪ ብሰለስተ ምዕራፋት ዝሓዞም መደባት ምልማዕ መስጊድ ኣል-ነጃሺ ነይሮም።
ይዅን እምበር ነቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ወዲኡ ምሉእ ምርኽኻብ ከይገበረ ከሎ እዩ ኲናት ኣጋጢሙ።
ኣብቲ መስጊድ ዝርከበሉ ቦታ ዝተፈላለዩ ናይ ምስፋሕ ስራሕቲ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክፍጸሙ ከምዝጸንሑ ዘዘኻኸሩ ሸኽ ኣደም ዓብድቃድር “እቲ ሎሚ ተሓሲቡ ዘሎ ግን ኣዝዩ ዓብዪ ውጥን ልምዓት እዩ” ኢሎም።
ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ትግራይ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ መሓመድ እውን እቲ ኣብ ትግራይ ነጋሽ ዝተብሃለ ከባቢ ክስራሕ ተሓሲቡ ዘሎ ፕሮጀክት ኣዝዩ ገዚፍ ብምዃኑ ንግብራውነቱ ብዝተፈላለየ መገዲ ክሕግዙ ዝኽእሉ ኣካላት ክፈልጥዎ ዕድል ዝፈጥር መድረኽ ከምዝተሳለጠ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
“ነጃሺ ናይ ምልማዕን ምስፋሕን መደባት ካብ 2000 [ግ] ጀሚሩ ክውጠን እኳ እንተጸንሐ ብዝተፈላለዩ ጸገማት ክጓተት ጸኒሑ’ሎ። ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ምኽንያታት ገዲፍና ኣብ ቀረባ እዋን ለበዳ ኮሮናን ኲናት ትግራይን ነቲ ዝነበረ ውጥናት ኣተኣጓጒሎምዎ እዮም” ክብሉ የረድኡ።
ነጃሺ ብመሰረት እቲ ዝሕሰበሉ ልምዓት ተሃኒጹ ብቐንዱ መስሕብ ቱሪዝምን ምንጪ እቶትን ክኸውን ናይ ምግባር ድልየት ከምዘሎ ዝገልጹ ሓጂ መሓመድ “ንትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን እውን ዓብዪ ማእኸል ቱሪዝም ክኸውን ኢና ንሓስብ” ኢሎም።
ብፍላይ ካብ ቱርኪን ካልኦት ሃገራትን ንዑምራ ናብ መካ ዝጓዓዙ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ንኣልነጃሺ’ውን ኣብ ውጥን ጕዕዞኦም ኣካቲቶም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኸዱ ከለዉ ወይ ድማ ክምለሱ ከለዉ ናብ ትግራይ ነጋሽ እውን ክበጽሑ ናይ ምግባር ስራሕቲ ካብ ዝጅመር ጸኒሑ’ሎ።
ፕሮጀክት ‘ነጃሺ 00 መንደር’ ዘካተቶም ዓበይቲ ስራሕቲ ከምዘለዉ ዝዛረቡ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ትግራይ ሸኽ አደም ዓብድቃድር ዩኒቨርሲቲ፣ ማእኸላት መጽናዕቲ፣ ትካላት ሕክምና፣ ሙዚየም፣ መዕረፊ ኣጋይሽ፣ ማእኸላት ንግዲን ስፖርትን ክህነፀሉ ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ኣለዉ።
ምጅማር ህንፀት
ዲዛይን ናይቲ ገዚፍ ፕሮጀክት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ክግበር ከሎ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰብ ሃፍቲ ካልኦት ኣካላትን ተዓዲሞም ነይሮም። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መድረኽ ድማ ምብሳርን ምልላይን ከምዝነበረ እቶም ሃይማኖታዊ መራሕቲ ገሊጾም።
“ኩሎም ዝዓደምናዮም ተረኺቦም እዮም። እቲ ስራሕ ከምዝተጀመረ ኢና ነቶም ዕዱማት ኣበሲርና። ግን ድማ ካብታ ወግዓዊ ዝገበርናላ እዋን ጀሚርና ናብ ስራሕ ኣቲና'ለና። ነዚ ፕሮጀክት ክሕግዛ ዝደልያ ሃገራት ኣለዋ እየን” ይብሉ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣብ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሓላፊ ክፍሊ ታሪኽን ሓድግን ሸኽ መሓመድ ኣሚን፡ “ኣልነጃሺ ኣብ እምነት እስልምና ዝለዓለ ቦታ ካብ ዝወሃቦ መካን መዲናን ቀጺሉ ስሙ ጎሊሑ ዝጥቀስ” ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ገዚፍ ፕሮጀክት ኩሉ ኢትዮጵያዊ ተሳትፎ ብምግባር ከምዝሃንጾ ተዛሪቦም።
ኣተሓባባሪ እቲ ፕሮጀክት ዓብዱልሓዲ መሓመድ እውን ህንጸት ናይቲ ገዚፍ ልምዓት ተሳትፎ ኩሉ ሕብረተሰብ ተሓዊስዎ “ንታሪኽ ብዝምጥን መገዲ” ክህነጽ ምዃኑ ገሊፁ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ብኣካል ዘይተረኸበ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ነዚ ሓሳብ ንዘበገሱ ኣካላት ብምንኣድ ክልላዊ መንግስቲ ንህንጸቱ ዝኸውን ሓገዛት ኣብ ምትእኽኻብን ህንጸት እቲ ፕሮጀክት ግብራዊ ክኸውን ኣብ ምግባርን ኣድላዪ ደገፋት ንምግባር ድልው ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ።
ኣብዚ እዋን ዝተፈላለያ ኮሚቴታት ይጣየሳን ናብ ስራሕ ይኣትዋን ምህላወን ንቢቢሲ ዝገለጹ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ትግራይ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ፡ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ክልተ ኣዋርሕ ሃፍቲ ናይ ምትእኽኻብን ህንጸት ንምጅማር ዘኽእል ኩነታት ናይ ምፍጣርን ስራሕቲ ከምዝስራሕ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ብልክዕ ህንጸቱ ዝጅመረሉ መዓልቲ ዛጊድ ከምዘይተቐመጠ ብምሕባር ድማ “እቲ ስራሕ ኣብ ቀረባ እዋን ክጅመር እዩ። ኣብ ክልተ ዓመት ወይ ኣርባዕተ ዓመት ክዛዘም እዩ ዝብል ትልሚ እንተሒዝና ግን ብልክዕ ኣብቲ ዝተቐመጠ እዋን ክንዛዝሞ ኢና። ጨረታ ወጺኡ ብዝሓሸ ደረጃ ክሃንጽዎ ንዝኽእሉ ክወሃብ እዩ” ኢሎም።