ህንጸት ዘመናዊ መስጊድ ግብጺ፡ ንድኻታት የቘጥዕ

ግብጺ ኣብታ እትሃንጻ ዘላ ሓዳሽ ምምሕዳራዊት ከተማ፡ ክብረ ወሰን ዝሕዝ መስጊድ ሰሪሓ ኣላ፤ እቲ ወጻኢታት ግና ከቢድ ወቐሳ የስዐብ ኣሎ።

ካብታ ብብዝሒ ህዝቢ ተጨናኒቓ እትርከብ ካይሮ፡ ነበርቲ ንምንካይ ብምሕሳብ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ምድረ በዳ ከተማ ክሃንጽ ጸኒሑ።

ወጻኢታት ሓደ ናይ ባህሊ ማእክልን መስጊድን ኣመልኪቱ ዝወጽአ ሓበሬታ ግን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተቓውሞታት ኣልዒሉ።

ኣብ ግብጺ ዋጋ ሸቐጣት ኣብ ዝኸበረሉን ዝቕባበ ልዕሊ 30 ሚእታዊት ኣብ ዝበጸሐሉን እዩ እቲ ሓበሬታ ወጺኡ ዘሎ።

እታ ሓዳሽ ምምሕዳራዊት ከተማ፡ ካብ ካይሮ ንኣንፈት ምብራቕ 45 ኪሜ ርሒቓ እያ እትህነጽ ዘላ።

እቲ እስላማዊ ማእከል ባህሊ፡ 19 ሽሕ ትርብዒት ኪሜ ዝሽፍንን 107 ሽሕ ኣመንቲ ዝሕዝን መስጊድ ዘጠቓልል እዩ።

እቲ መስጊድ ንመስርሒኡ 800 ሚልዮን ፓውንድ ግብጺ (25.9 ሚልዮን ዶላር) ዝወደአ ኰይኑ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ካልኣይ ዝዓበየ መስጊድ እዩ።

መራኸብቲ ብዙሃን እታ ሃገር እቲ መስጊድ፡ ኣብ ዓለም እቲ ብቑመት ዝነውሐ መስበኺ ቦታ ዘለዎ ምዃኑ ሓዊሱ ሰለስተ ክብረወሰናት ከም ዝሓዘ ገሊጸን ኣለዋ።

ክብደትን ስፍሓትን መቕረዝ ናይቲ መስጊድ ካልኦት ክብረወሰን ዝሓዙ ከም ዝዀኑ እውን ተገሊጹ ኣሎ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ኣብ ስነ ስርዓት ምኽፋት እቲ መስጊድ ክርከብ እንከሎ፡ ህንጸት እቲ መስጊድ ዕብየት እታ ሃገር ዘመላኸት ከም ዝዀነ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ግና ከቢድ ተቓውሞ ስዒቡ።

ቁጠባዊ ቅልውላው ግብጺ እናኸፍአ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መተዓዳደጊ ቅርሺ እታ ሃገር ምስ ዶላር እንክነጻጸር ዋጋኡ ብፍርቂ ዝነከየ ኰይኑ፡ ኣብ ሓሙሽተ ዓመታት ዘይተርኣየ ምኽባር ዋጋ ኣስዒቡ።

እታ ሃገር ድማ እናሰፍሐ ዝመጽአ ክፍተት ባጀት ንምምላእ፡ ትካላት መንግስቲ ንሃፋትም እናሸጠት ጸኒሓ እያ።

ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ሚልዮናት ግብጻውያን ዝበልዕዎ ንምርካብ ኣብ ዝተጸገሙሉ እዋን፡ ኣብ ህንጸት ሃይማኖታዊ ትካላት ሓያል ገንዘብ ምፍሳስ ግቡእ ኣይኰነን ብምባል ይነቕፉ።

ሓደ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ሚድያ “ዓቐን ዝሓለፎ ወጻኢ፡ ዕብዳንን ብኽነት ገንዘብን” ከም ዝዀነ ብምግላጽ ጸገም ክፈትሕ ዝኽእል እንተዀይኑ “ዋላ እቲ መስጊድ ብምሉእ ሽጥዎ” ክብል ጽሒፉ።

ካልእ ድማ ኣብ ዓመት ሰለስተ ወርሒ ጥራሕ ንዝኽፈት መስጊድ ክንድዚ ወጻኢ ምፍሳስ ግቡእ ከም ዘይኰነ ብምጥቃስ ይምጕት።

ኣብ 2013 ንዝተወለዐ ህዝባዊ ተቓውሞ ተጠቒሙ ወታሃደራዊ ዕልዋ ግብጺ ብምምራሕ ናብ ስልጣን ዝደየበ ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ ኣብ እዋን ምረቓ እቲ መስጊድ ንሰራሕተኛታት፡ ዘመርትን ተሳተፍትን ኣመስጊኑ።