እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፓስተራት ናብ ዕዳን ዕንድዳን ዘእትውዎም ዘለዉ ኣመንቲ
ኢቨሊን ኦኬሎ፡ ፓስተር ንክጽልየላ፡ ኣማኢት ዶላር ከፊላ ናብ ዕዳ ዕንድዳን ከምዝኣተወት ኣብ እትነግረኒ እዋን፡ ንብዓታ ተዝረሩ ነይራ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ፡ ኣብ ዝተደኮነ ኪቤራ ተባሂሉ ዝፍለጥ መንደር ኣዝዮም ድኻታት ሰባት፡ ኣብ ንእሽቶ ኣጉዶ እያ እትነብር። ኣብዚ እዋን ድማ ንደቃ እተብለዖም ነገር እኳ የብላን።
ብተሌፎን ኣብ ዘካየድናዮ ወግዒ፡ ንኣዋርሕ ዝኾነ ኣታዊ ከምዘይነበራ ነጊራትኒ። ድሕሪኡ ብዛዕባ ሓደ ጸሎቱ ናብራ ከመሓይሽ ዝኽእል ፓስተር፡ ዝውረ ወረ ናብ እዝና በጺሑ፤ ከይዳ በረከቱ ክትካፈል ድማ ወሰነት።
እቲ ፓስተር ጸልዩ ናብራኣ ከመሓይሸላ 115 ዶላር ኣመሪካ ማለት እውን 15 ሽሕ ናይ ኬንያ ሽልንግ ክትከፍል ሓቲቱዋ።
እዚ ክፍሊት “ዘርኢ ምዝራእ” ኢሎም ይጽውዕዎ። ሓደ ጉዳይ ከዐውተልካ ንመራሒ ሃይማኖት እትኸፍሎ መባእ ማለት እዩ።
ወ/ሮ ኦኬሎ፡ ነዚ ክፍሊት ንምፍጻም ካብ ጎረቤታ ተለቂሓ፤ እታ ጎረቢታ እውን ካብ ካልእ ተለቂሓ እዩ ሂባታ። ናይቲ ፓስተር ጸሎት ኣዝዩ ሓያል ከምዝኾነን ኣብ ውሽጢ ሰሙን ገንዘባ ከምዝምለስን ሰባት ሕሹኽ ኢሎምዋ ነይሮም።
እንተኾነ እቲ ዝተጸበየቶ ተኣምር ግን ኣይተፈጸመን። ዝገደደ ዳኣ ናብ ዕዳ ኣእትዩኒ እያ እትብል። እቲ መሓዛኣ ዘምጸአትላ ልቓሕ ኣብ እዋኑ ስለዘይተኸፈለ ዕዳ ወሊዱ። ሕዚ እቲ ዕዳ ልዕሊ 300 ዶላር በጺሑ ኣሎ፤ ከመይ ከምእትኸፍሎ እውን ኣይትፈልጥን። እታ ልቓሕ ዘምጸአትላ መሓዝኣ እውን ኮርያ ኣይተዛርባን ዘላ፤ ንሳ እውን ዛጊድ ስራሕ ኣይረኸበትን።
“ኩሉ ነገር ከቢድ ኮይኑ፡ ዝነበረኒ ተስፋታት ኩሉ በኒኑ እዩ” ትብል።
‘ልዕለ-ተፈጥሮኣዊ መፍትሒታት’
ኬንያ ከቢድ ቅልቅላው ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ካብ ዘጋጥማ ጸኒሑ እዩ። ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ፡ ክሳብ መስከረም 2022 ኣብ ዝነበሩ 12 ኣዋርሕ ፡ ዋጋ ምግቢ ብ 16 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ባንኪ ዓለም ብወገኑ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ቁጽሪ ሸቕሊ ኣልቦ ኬንያውያን ብ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ይገልጽ።
ኣብ መልቲ ሚድያ ዩኒቨርሲቲ ኬንያ በዓልቲ ሞያ ሶሽዮሎጂ ዝኾነት ዶ/ር ግላድየስ ኒያችዮ “ ሰባት ኣዝዩ ተስፋ ዘቑርጽ ህይወት እዮም ዝመርሑ ዘለዉ’ ክትብል ትገልጾ።
እዚ ልዕሊተፈጥሮኣዊ ዝኾኑ መፍትሒታት ናይ ምርካብ ድልየቶም ሓፍ ክብል ከምዝገበሮ እትገልጽ እዛ በዓልቲ ሞያ፡ ኣብዚ እዋን ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ዋላ ተለቂሖምን ተመርቂሖምን ተኣምር ክስረሐሎም፡ ንምኽፋል ድሉዋት ከምዝኾኑ ትገልጽ።
“ሰባት ፈጣሪ ድኻታት ምዃኖም ከምዘይደልዮ ይንገሮም ኣሎ። በዚ ምኽንያት ዘርኢ ይዘርኡ” ትብል።
እዚ መስርሕ ካብቲ ወንጌል ብልጽግና (ፕሮስፐሪቲ ጎስፐል) ዝበሃል፡ ዓስቢ እምነትካ፡ ፈጣሪ ሃብትን ጥዕናን እዩ ዝሽልመካ ዝብል ስብከት ዝነቐለ እዩ። ኣመንቲ ገንዘብ ብምሃብ እምነቶም ክገልጹ ይተባብዑ፡ ነቲ ዝሃብዎ ድማ ኣምላኽ ብብዙሕ ዕጽፊ ከምዝመልሰሎም ይንገሮም።
ወንጌል ብልጽግና ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለዘበን ብዙሕ ተቐባልነት ረኺቡ። ኣብ መወዳእታ 1970ታትን መጀመርታ 1980ታትን፡ ናይጄርያውያን ፓስተራት ነዚ ከጽንዑ ናብ ኣመሪካ ዝተጉዓዙ ኮይኖም፡ እዚ እምነት ኣብ መጀመርታ 2000 ሽሕ፡ ብ ከም ረይንሃርድ ቦንኬ ዝበሉ ኣመሪካውያን ኢቫንጀሊካውያን ተሓጊዙ፡ ካብ ሌጎስ ክሳብ ናይሮቢ ብዙሓት ኣመንቲ ኣፍርዩ። ተቐባልነቱ ሐዚ እውን ብስፍሓት ይቕጽል ኣሎ።
ዶ/ር ኒያችዮ፡ ንኬንያውያን ኣደዳ ዕዳ ዝገበር ዘሎ ካልእ ምኽንያት እውን ትጠቅስ። ኬንያውያን ናብ ስልኮም ብዙሕ ናይ ልቓሕ ዕድላት ዝሓዙ መልእኽቲታት እዮም ዝለኣኹሎም።
“ናይ ልቓሕ ቅጥዒ መሊኦም፡ ሽዑ ልቓሕ ይረኽቡ።”
ወዲ 26 ዓመት ደኒስ ኦፒሊ ከምዚ ዓይነት ጸገም እዩ ኣጋጢምዎ። ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ስራሕ ብዘይመርካቡ ጉህዩ መሓዝኡ ክሕግዞ ሓቲቱ።
“ኬድካ ጸሎት ዝጽልኡልካ ቤተ ክርስትያን ኣሎ ኢሉ መኺሩኒ። ቁሩብ ገንዘብ ትህቦም፤ ድሕሪኡ ይጽልዩልካ። ሽዑ ስራሕ ክትረክብ ትኽእል” ኢሉኒ ይብል።
ንሰለስተ ኣዋርሕ፡ ሕድሕድ ሰንበት ገንዘብ ክልግስ ከምዘለዎ ተነጊርዎ። ብሓፈሻ ድማ 180 ዶላር ሂቡ።
ዘጠራቐመን ገንዘብ ምስወደአ፡ ካብ ኣለቃሕቲ መተግበሪታትን መሓዙቱን 120 ዶላር ተለቂሑ።
“ ነቲ እቲ ፓስተር ስራሕ ከምዝረክብ ዝተዛረበኒ፡ ኣሚነዮ፤ ስለዚ እንተተለቃሕኩ እውን ጸገም ኣለዎ ኢለ ኣይሓሰብኩን። ምኽንያቱ ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ገንዘብ ክኸፍሎ እየ ኢለ ሓሲበ።”
እንተኾነ ዋላ ሓንቲ ስራሕ ከይረኸበ ምስተረፈ፡ ከምዝተዓሸወ ጠርጢሩ። እቶም ዘለቅሕዎ ትካላት ድማ ዕድኡ ክኸፍል ክህውሕዎ ጀሚሮም።
“ሓደ ሓደ ግዘ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኮፍ ኢለ ንባዕለይ የዘናግዕን ብዛዕባ ካልኦት ነገራት ይሓስብን። ኣብዚ መንጎ ዝኾነ ሰብ ደዊሉ ዕዳኻ ክትከፍል ይነግረካ፤ እንተኾነ እትህቦ ነገር የብልካን” ይብል።
“እንተዘይከፊልካዮም እንታይ ስጉምቲ ከምዝወስዱ ስለዘይፈልጥ ይፈርሕ ነይረ።”
ኦፒሊ ዕድል ገይሩ ንእሽቶ ስራሐ ረኺቡ እዩ። ቀስ እናበለ ድማ ነቲ ካብ መሓዝቱን ኣለቃሕትን ዝወሰዶ ገንዘብ እናኸፈለ ዕድኡ ኣቃሊሉ ኣሎ።
“ሐዚ እውን ብፈጣሪ ኣዐርየ እየ ዝኣምን” ዝብል እዚ መንእሰይ፡ “ቁሩብ ጥንቁቕ ምዃን ጥራሕ እዩ ዘድልየኒ” ክብል ገሊጹ።
ክትህብ ዝግበር ድፍኢት
ኣብ ኬንያ ጥራይ ኣይኮነን ሰባት ተኣምር ክግበረሎም ብዝብል ሽሻይ ዕዳ ዝኾኑ ዘለዉ። ኣባል ሓንቲ ኣብ ኣመሪካ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ናይጀርያ ዝኾነት ሓንቲ ሰበይቲ እውን ንሳን ሰብኣያን “ንዘርኢ ምዝራእ” ሓዊሱ ናብ ብዙሕ ዕዳ ገንዘብ ከምዝኣተዉ ትዛረብ።
እዛ ክበጽሓ ዝኽእል ምቁንጻብን ክስን ሰጊኣ ሽማን እትነብረሉ ደቡባዊ ግዝኣትን ከይግለጽ ዝደለየት ሰበይቲ፡ “ሳራ” ኢለ ክጽወዓ እየ።
ሳራ፡ ኣመንትን ኣገልገልትን እቲ ኣባል ዝነበረትሉ ቤተ ክርስትያን፡ 10 ምኢታዊት ካብ ወርሓዊ ደሞዞም ነቶም ኣብ ናይጄርያ ዝርከቡ ፓሰተራትን ቤተ ክርስትያንን ክኸፍሉ ትጽቢት ይግበረሎም ነይሩ። እዚ ድማ ካብቲ “ፈረስት ፍሩት” ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ሙሉእ ደሞዝ ናይታ ፈላመይቲ ወርሒ ናይ ዓመት ዝኸፍልዎ ሙሉእ ደሞዞም ብተወሳኺ እዩ።
እቶም ከባብያዊ መራሕቲ ናይታ ቤተ ክርስትያን መጠን ክእክብዎ ዝግባእ ገንዘብ በቶም ኣብ ናይጄርያ ዘለዉ መራሕቲ ትልሚ ከምዝወሃቦም እትገልጽ ሳራ፡ ንሳቶም ብግዲኦም እቶም ኣመንቲ ዘርኢ ክዘርኡ ጸቕጢ ከምዝገብሩሎም ትገዛረብ። ገለ ሰባት ንናይ እታ ቤተ ክርስትያን ኣገልግሎት ብናይ ባንኪ ናይ ልቓሕ ካርድ (ክረዲት ካርድ) ክኸፍሉ ከምዝረኣየት እውን ተገልጽ።
“ሓደ እዋን ሓንቲ ኣባል እታ ቤተ ክርስትያን ‘ ኣስራት ክኸፍል ጸኒሐ እየ። ነዚ ወርሒ ዘጽንሕ ገንዘብ ግን ዘለኒ ኣይመስለንን’ ክትብል ሰሚዐያ። “
እቶም ፓስተራት ገንዘብ ምሃብ ገዛ ክራይ ካብ ምኽፋል ንላዕሊ ኣድላዪ ምዃኑ ከምዘነግሩዎም ሳራ ትገልጽ።
እቲ ተኣምር ይሰርሕ የለን ኢሉ ንዝሓተተ ድማ “ብደምቢ ኣይጸለኻን። እኹል ዘርኢ ኣይዘራእካን። ሙሉእ እምነት የብልካን” ዝብል መልሲ ከምዝወሃቦ እውን ትገልጽ።
ሳራ ተደጋጋሚ ሕቶ ትሓትት ብምንባራ፡ ሰብኣያ ክገድፋ ከምዝተነገሮ እትገልጽ ኮይና፡ ብኣንጻሩ ንሳን ሰብኣያን ነታ ቤተ ክርስትያን ከምዝገደፍዋ ጠቒሳ።
ናይ መወዳእታ ተስፋ
ስለዚ ንምንታይ ዳኣ ካልኦት ሰባት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰላ ቤ ክርስትያናት ይቕጽሉ?
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር እምነታት ክርስትና ዝኾነ ዶ/ር ዮርግ ሃውሰተይን፡ ሰባት ዋላ “ዝተኣተወሎም ቃል ከምቲ ዝተገለጾ እንተዘይተፈጸመ” ንምንታይ ምኽፋል ደው ከምዘየብሉ ምርዳእ ቀሊል ከምዝኾነ ይዛረብ።
ወንጌል ብልጽግና ማእከላይ ናብራ ንዘለዎም ከም ሳራ ዝበሉ ሰባት፡ ቁጠባዊ ዕብየትን ምወሳኽ ደረጃን ከምዘምጸአሎም ዝገልጹ ነገራት ስለዘቕርበሎም ሰሓቢ ኮይኑ ከምዝረኽብዎ ይሕብር።
ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዘለዉ እውን ተመሳሳሊ ጻውዒት እዩ ዘቕርበሎም።
“ትሳቐዩ ከምዘለኹም ንፈልጥ ኢና፤ ንዓኹም ዝኸውን ተግባራዊን ዝፍጸምን መፍትሒ ኣለና’ እትብል ቤተ ክርስትያን ካብታ ረቂቕን ስርዓታውን ለውጢ ኣብ ምምጻእ እተተኩር ቤተ ክርስትያን ዝሓሸ ተቐባልነት ኣለዋ” ይብል ዶ/ር ዮርግ።
ሰባት ግን ዋላ ናብ ዕዳ እናኣተዉ ምሃብ ደው ዘየብልሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ንዝብል ድማ “እዚኮ ከም ገንዘብ ዘይብልካ ሎተሪ ምቑራጽ ኣይኮነን” ብምባል ሰባት ክረኽቦ ይኽእል እየ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎም ይዛረብ።
ናብ ኬንያ እንትምለስ ኤቨሊን ኦኬሎ፡ እቲ ዘጋጠማ እምነታ ክትገድፍ ከምዘይገበራ ትዛረብ።
“እታ ቤተ ክርስትያን ሕማቕ እያ ኣይብልን፤ ንሳ ጽብቕቲ እያ። እቶም ፓስተራት እዮም ጌጋ ዝፍጽሙ ዘለዉ። ንሳቶም እዮም ገንዘብ ዝሓቱ ዘለዉ።”