እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
95 ን 0 ከምኡ’ውን 91 ን 1 ዝተዛዘሙ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ መርመራ ክካየደሎም እዩ
ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ሴራልዮን፡ 95 ን 0ን 91 ን 1ን ዝተዛዘሙ ክልተ ግጥማት ኣመልኪቱ ምርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር፡ ኣብ ክልተ ጸወታታት 187 ሸቶታት ምምዝጋቡ፡ "ዘሕፍር" ኢሉዎ።
ኣብ ካልኣይ ዙር፡ ሊግ ኩዕሶ እግሪ ሴራሊዮን፡ ካሁንላ ሬንጀርስን ጋልፍ ካኖን ዝተብሃላ ክለባት እየን ንመጋጥምተን ብዓቢ ፍልልይ ስዒረንአን።
ክለብ ካሁንላ ንሉምቤቡ ዩናይትድ 95 ብ 0 እንትትስዕራ፤ ጎልፍ ኮኖ ንኮክዩም ለበና 91 ን 1 ስዒራታ።
ኣብዘን ጸወታታት ዝተመዝገበ በዝሒ ሸቶታት ኣብ ታሪኽ ሴራሊዮን ተራእዩ ዘይፈልጥ ብምዃኑ፡ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ነቲ ውጽኢት ሰሪዝዎ ኣሎ።
እንተዀነ፡ ክልቲአን ጋንታታት ንመጋጥምተን ስዒረን ናብ ላዕለዋይ ጫፍ ፕሪምየር ሊግ ሓሊፈን እየን።
ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ፡ ተዓወትቲ ጋንታት ንመጋጥምተን ብ2 ን 0፡ 7 ን 1 ይመርሓ ነይረን።
ድሕሪ ዕረፍቲ ግን ኣብ ክልቲኡ ጸወታታት ዝተመዝገቡ ልዑል ሸቶታት ኮነ ኢልካ ዝተመዝገቡ ከምዝዀኑ እዩ ጥርጣረ ዘሎ።
ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ቶማስ ቢማ ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ንኸምዚ ዝበለ ዘሕፍር ተግባራት ኣይንዕገስን፡ ግቡእ መቕጻዕቲ ድማ ይጽበዮም" ኢሉ።
“ህጹጽ መርመራ ክንጅምርን ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት ከነለልን ኢና። . . እቶም ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኸቡ ድማ ብመሰረት ሕጊ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ሴራሊዮን ክቕፅዑ እዮም፤ ንኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና እታ ሃገር ድማ ኣሕሊፍካ ክወሃቡ እዮም” ኢሉ ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ብሰፊሕ ፍልልይ ዝተዓወተ ክለብ፡ ካሁንላ ሬንጀርስ፡ ነቲ "ኣንጻር ስፖርታዊ ጨዋነት” ክብል ዝገለጾ ፍጻመ፡ ብትሪ ከምዝኹንኖ ገሊጹ።
በቲ ክለብ ዝተሳዕረ ኣሰልጣኒ ሉምቤቡ ዩናይትድ ብወገኑ፡ "ውጽኢት ጸወታ ንምቕያር ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ፈተነ ከምዝነበረ ኣይፈልጥን" ኢሉ።
ኣሰልጣኒ መሓመድ ያን ጃሎህ ዝመርሓ ጋንታ ድማ፡ 95 ብ 0 ተሳዒራ ከምኡ ድማ 3 ተጻወትታ ብቀይሕ ተባሪሮምዋ እዮም ።
“ውጽኢት ናይቲ ጸወታ ንምቕያር ዝተገበረ ነገር እንተሃልዩ ኣይፈልጥን። ብዛዕባ ካልኦት ግን ክዛረብ ኣይክእልን እየ” ኢሉ።
“ኣብ ካልኣይ ዙር ብዙሕ ሸቶታት ተመዝጊቡና። ኣዝየ እየ ተረቢሸ። . . ክንደይ ሸቶታት ከም ዝተመዝገበና’ኳ ኣይፈለጥኩን።”
ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ሴራሊዮን፡ ተጻወትን ኣካየድቲ ስራሕን እዘን ኣርባዕተ ክለባት፡ ነተን ፀዋታት ዝመርሑ ዳያኑን ኣባላት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ እቲ ከባቢን ክምርምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።