መሓመድ ሳላሕ፡ ንምንታይ ሓድሽ ውዕል ሊቨርፑል ካብ ኩዕሶ እግሪ ሓሊፉ የዛርብ ኣሎ?

ንዝኾነ ደጋፊ ሊቨርፑል ብዛዕባ ሓድሽ ውዕል መሓመድ ሳላሕ ንተወሳኺ ሰለስተ ዓመት እንታይ ከም ዝሓስብ ሕተትዎ እሞ ዝተሓዋወሰ እፎይታን ሓጎስን ክትረኽቡ ኢኹም።

ኣብ 2017 ካብ ኢጣልያዊት ክለብ ኤኤስ ሮማ ካብ ዝግዕዝ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ፕረምየር ሊግ ዝበዝሐ ሸቶታት ዘመዝገበ "ንጉስ ግብጺ" ኮይኑ።

እዚ ቅድሚ ነታ ክለብ ሻምፕዮን ኤውሮጳን እንግሊዝን ክትከውን ምሕጋዙ'ዩ።

ንሱ ግን፡ ካብ ሜዳ ወጻኢ ብዘርእዮ ባህርያትን ኣካይዳኡን ክንድኡ - እንተዘይኮይኑ ካብኡ ንላዕሊ - ናእዳታት ተዓዊቱ'ሎ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኤሊት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዘሎ ኣረኣእያ ንምቕያርን ባህላዊ ዶባት ንምስባርን ሓጊዙ'ዩ።

ሕዚ ሕዚ፡ ኮኾባት ስፖርት፡ ማሕበራዊ ጠንቅታት ከጉልሑ ምርኣይ ዝተለመዱ እንትኾን፡ ‘ሞ ሳላሕ ናብ መርሲሳይድ ምምጽኡ ግን ምስሊ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ብኣብነታት ሕማቕ ባህርያት ኣብ ዝተበከለሉ እዋን'ዩ።

ንሱ ዝገብሮ ናይ ግብረ ሰናይ ኣበርክቶ - ኣብ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕናን ፕሮጀክትታት መሰላት እንስሳታትን - ናእዳ ረኺቡ፡ ሓደ ሓላፊ ርክባት ኩዕሶ እግሪ ነበር "ሱሩ ረሲዑ ኣይፈልጥን" ክብል ርእይቶ ክህብ ደሪኽዎ።

ኣብ ብዙሕ ቦታታት፡ ድሕሪ ሸቶታት መመዝጋቡ ብጸሎት ናይ ምስጋድ ልሙድ ተግባሩ’ዩ ነይሩ።

ኣብ 2015፡ ክልተ ደገፍቲ ሊቨርፑል ነቲ - ኣጋጣሚ ብዓረብኛ "ሳላሕ" ተባሂሉ ዝፍለጥ - ኣብ ኣንፊልድ ስርዓት እስላማዊ ሰላት ዝፍጽሙ ዝነበሩ፡ ብሓደ ተጠቃሚ ትዊተር "ነውራም" ተባሂሉ ተገሊጹ፡ ብሰንኪ'ዚ ርእይቶኡ ሰፊሕ ነቐፌታ በጺሕዎ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣንግልያ ራስኪን ግብጻዊ-ብሪጣንያዊት መምህር ዓለምለኸ ፖለቲካ፡ ዶክተር ሶላቫ ኢብራሂም፡ እቲ ሽዑ ብዛዕባ እስላም ዝነበረ "ዓብላሊ ኣተሓሳስባ"፡ "ዓመጽቲ ወይ ብቐጻሊ ምስ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተኣሳሰር" ከምዝነበረ ትገልጾ።

ስለዚ ከም መጠን ናይ ነዊሕ እዋን ደጋፊት ሊቨርፑል፡ ደገፍቲ ሳላሕ: ንሱ "ህያብ ኣላህ" ምዃኑን "ካልኦት ሸቶታት እንተ ኣመዝጊቡ ኣነ'ውን ኣስላማይ ክኸውን እየ" ኢሎም ክደርፉ ምስ ጀመሩ ዓቢ ህሞት ከም ዝነበረ ትዛረብ።

"ተቐባልነት ጥራይ ዘይኮነስ ከም መርኣያ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ ነይሩ - ንዓረብ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ጥራይ ዘይኮነስ ንመንእሰያት ዓባይ ብሪጣንያ'ውን" ትውስኽ።

ኣብ ትካል ‘ማእከል ዓረብ ሊቨርፑል’ ከም ኣተሓባባሪ ኮይኑ ዝሰርሕ ናጂብ ኣል-ሓኪሚ፡ "ሰባት ንኣስላም ከም ደንቆሮን ኣሸበርትን ጌሮም ይጥምትዎም ስለ ዝነበሩ በታ መዝሙር ተሓጒሱ" ኢሉ።

"ሳላሕ ብተግባራቱ፡ ነዚ ክቕይሮ ክኢሉ" ክበል ወሲኹ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝያዳ ኣባላት ማሕበረሰብ ዓረብ’ቲ ከባቢ፡ ናብ ኣንፊልድ ከምዝውሕዙ ኣስተብሂሉ።

"መብዛሕትኦም መንእሰያት ማልይኡ ተኸዲኖም እዮም ይመጽኡ፡ ብዛዕባኡ ድማ ጽቡቕ ክዛረቡ ይውዕሉ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ማእከል ዓረብ ሊቨርፑል’ውን በቲ "ንጉስ ግብጺ" ከም ዝሕበን ገሊጹ።

ንዘ ኣንፊልድ ራፕ ዝጽሕፍ ደጋፊ ሊቨርፑል ኒል ኣትኪንሰን'ውን ኣብ መላእ መርሲሳይድ "ብርግጽ ናይ ምዝንባል ባእታ ከምዝነበረ" ኣስተብሂሉ'ሎ።

"ሰባት እምነት ኣስላም ካልእ ኮይኑ እንተተሰሚዕዎም፡ ተግባራት ሳላሕ ትርጉም ዘለዎ'ዩ" ይብል።

"ኣብ ሜዳ ምስ ጸለየ፡ ምስ ተዓዘብቲ ንኽጽንብል ምግልባጡ ኣዝየ እየ ዝፈትወሉ፡ ንባዕሉ'ውን የብዕል ኣሎ፡ እዚ ድማ ጽቡቕ ነገር'ዩ።"

ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ ኣቐዲሙ፡ እታ ጋንታ ሳላሕ ከም ኣካል ምድላዋት ጸወታ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ንኽፍጽም ግዜ ብኸመይ ከምዘመዓረራረየ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሓለቓ ጋንታ ክለብ ጆርዳን ሄንደርሰን'ውን፡ እታ ጋንታ ኣብ ምቕራብ ዋንጫታት ኣልኮላዊ መስተ ዘይብሉ ሻምፓኝ ከም እትመርጽ ብምግላጽ፡ "ኣብ ውሽጢ መቐየሪ ክፍልታት ከምኡ ዝበሃል [ዘይፀዋርነት] የለን፤ ስለዚ ኣብ ደገ ዓለም ንምንታይ እዩ ከምኡ ዘይኸውን?"

ሚስተር ኣትኪንሰን፡ እታ ሰፊሕ ከተማ ሊቨርፑል "ወደብ ስለዝኾነት ንነብሳ ካብ ዝተረፈት ዓዲ እንግሊዝ ኣዝያ ዝተፈልየት ገይራ እያ ትርኢ... ዝያዳ ንደገ ክትጥምት ትደሊ" ዝብል እምነት ኣለዎ።

ሳላሕ ኣብ ከባቢ ሊቨርፑልን ኣብ ዙርያኡን ምስ ተራእየ ናይ ጅግና ኣቀባብላ'ውን ይግበረሉ።

ሓደ መንእሰይ ወዲ፡ ኣብ 2019 ንመኪና ሳላሕ እናሃደነ ምስ ዓንዲ ላምባ ተጋጭዩ ጉድኣት በጺሕዎ ነይሩ።

ሉዊስ ፋውለር፡ ኣፍንጭኡ ተበቲኹ'ኳ እንተነበረ፡ ሳላሕ ተመሊሱ ኩነታቱ ዝመርመሮ ዀይኑ፡ ተሓኪሙ ጸኒሕዎ።

ዶክተር ኢብራሂም፡ እቲ ኣጋጣሚ፡ "ሰብኣዊ ምቅርራብን ተበጻሕን" ሳላሕ ዘርኢ'ዩ ትብል።

"ካብ ብዙሓት ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ኣዝዩ ዝያዳ ፍሉጥ'ዩ ግን ኣብ መንጎ ኤሊት ከም ሓደ ኣይረአን። እዚ ምኽንያት ናይቲ መልእኽትታቱ ብቐሊሉ ናብ ህዝቢ ዝመሓላለፈሉ'ዩ ዝመስለኒ" ትብል።

ሳላሕ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ "ካብቲ ሕዚ [ሕብረተሰብ] ዝህበን ዋጋ ንላዕሊ ዝግብአን" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ፡ ካብኡ ንደሓር ድማ ምስ ቦኽሪ ጓሉ ማካ ኣብ ናይ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምልላይ ቪድዮ ተራእዩ'ዩ፡

ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንበዓልቲ ቤቱ ማጊ ንዕኡ ወኪላ ሽልማት ‘ወርቃዊ ኩዕሶ እግሪ’ ክትቅበል ሓቲቱዋ ነይሩ።

ዶክተር ኢብራሂም፡ "እቲ መልእኽቲ ክትሪኦ ኣለካ" ትብል።

"ዘረባን ተግባርን ጥራይ ኣይኮነን - እቲ ሓይሊ ድማ ንሱ'ዩ። ረቂቕን ሓቀኛን'ዩ።"

ኣብ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ኣካዳሚያዊ መጽናዕትታት ናይቲ ሕጂ "ውጽኢት ሰላሕ " ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ብርክት ዝበሉ ብሪጣንያውያን "ብዛዕባ እስልምና ብዝተፈለየ መንገዲ ንኽሓስቡ" ብኸመይ ከም ጽልዋ ከምዘሕደረሎም ሓሳባቶም ኣካፊሎም።

ንዩኒቨርሲቲ ኤዲንበርግ ፡ ተሓባባሪ ናይቲ መጽናዕቲ ዝጸሓፉ ፕሮፌሰር ግራንት ጃርቪ፡ "ብዛዕባ ጽልዋ መሓመድ ሳላሕ ኣገሪሙና። ኣብ ከምዚ ዓይነት መጽናዕትታት፡ ከም ንቡር ሕውስዋስ ነቐፌታን ጽቡቕ ነገራትን ትረክብ። ብሓፈሻ ግን ሰባት ኣብ ሜዳን ወጻእን ብዛዕባ ሳላሕ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣለዎም" ኢሉ።

እቲ ኣጥቃዓይ "ሓይሊ ረቂቕ ዓቕሚ" ከምዘርኢ ይዛረብ፡ "ስፖርት ንባህላዊ ዝምድናታት ጽቡቕ ተኽእሎ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዩ" ይብል።

እቲ ተጻዋታይ ኣብ ምንካይ ‘ጽልኢት እስላም’ - ብፍላይ ኣብታ ጥንታዊ መስጊድ ብሪጣንያ ዘለዋ ከተማ- ዘሕደሮ ጽልዋ፡ ብከንቲባ ከተማ ሊቨርፑል ስቲቭ ሮተራም "ዘደንቕ" ክብል ክግለጽ እንከሎ፡ መጽሔት ታይም ድማ ንሳላሕ ኣብ 2019 ካብቶም 100 ጸለውቲ ሰባት ዓለም ኣስሚራቶ።