ሳካን ራሽፎርድን ብዝሒ ጸርፍን ዘለፋን ዝወረዶም ተጻወትቲ ምዃኖም ፊፋ ገሊጹ

ፊፋ ብዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ኣብ ውድድራት ኢሮን ዋንጫ ኣፍሪቃን ካብ ዝተሰለፉ ተጻወትቲ፡ ልዕሊ ፍርቂ ጸርፍን ዘለፋታትን ከምዘጋጠሞም ብምርግጋጽ፡ ካብኣቶም ሳካን ራሽፎርድን እቶም ዝያዳ ዝተጸረፉን ዝተዘለፉን ተጻወትቲ ምንባሮም ኣነጺሩ።

ፊፋ ምስ ተጻወትቲ ተወሃሂዱ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ልዕሊ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ጸርፍን ምፍርራሕን ዝፍጽሙ ውልቀሰባት ንምልላይ ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ እዋን ፍርቂ ፍጻመን፡ ፍጻመን ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ 2020 ከምኡ’ውን ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ 400 ሽሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተለጠፈ ጽሑፋት ከም ዝዳህሰሰ ኣነጺሩ።

ብመሰረት እቲ ዝተገበረ መጽናዕቲ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ተጻወትቲ ተመሳሳሊ ጸርፍን ዘለፋን ከም ዝበጽሖም ከረጋግጽ ክኢሉ።

እንግሊዝን ኢጣልያን ኣብ ዝገጠማሉ ጸወታ ፍጻመ ዋንጫ ኣውሮጳ፡ ፍጹም ቅላዕ ዝሰሓቱ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ቡካያ ሳካን ማርኮስ ራሽፎርድን እቶም ዝበዝሐ ዘለፋታት ዘጋጠሞም ተጻወትቲ’ዮም።

ፕረዚደንት ፊፋ ግያኒ ኢንፋንቲኖ፡ “ቀንዲ ዕላማና ንኵዕሶ እግሪ ምክልኻል እዩ፡ እዚ ኸኣ ነቶም ቀንዲ ምንጪ ሓጐስ ዝዀኑ ተጻወትቲ ብምክልኻል እዩ ዝጅመር”ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ፡ “ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ንተጻወትቲ፡ ኣሰልጠንቲ፡ ኣካየድቲ ጸወታንን ጋንታታትን ዕላማ ዝገብር ጽሑፋት ይስዕርር ኣሎ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ነገራት ከአ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ብፍጹም ቦታ የብሉን” ኢሉ።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት [ኢሮን ኣፍኮንን] መብዛሕትኡ እቲ ጸርፊ፡ ዘለፋን ምፍርራሕን ካብ ደቂ ዓዶም ነቶም ተጻወትቲ ይመጽኦም ምንባሩ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ብፊፋ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ እቲ ጸርፍን ዘለፋን 40 ሚእታዊት ጽልኣዊ ዘረባ 38 ሚእታዊት ከኣ ዓሌታዊ ጸርፊ ምንባሩ ይሕብር።

ፊፋ እቶም ኣብ ልዕሊ ተጻወትቲ፡ ኣካየድቲ ጸወታን ጋንታታትን ከምዚ ዓይነት ዘለፋታት ዘውርዱ ሰባት ክፍለጡ ቀሊል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር ንዝፍጽሙ ሰባት ንምፍላይ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ።

እቲ ርእይቶ ሓንሳብ ምስ ተለለየ፡ ካልእ ሰብ ከም ዘይርእዮ ክግበር ምዃኑ’ውን ፊፋ ኣነጺሩ።