እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ዝዓበየ መኽዘን ኣብ ገዛ ዝተሰርሐ ነታጕ ኣብ ሓደ ግራት ተረኺቡ
ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብ ቨርጂንያ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ኣብ ዝገበሮ ተፍትሽ ልዕሊ 150 ቦምባታት ከም ዝረኸበ ገሊጹ። እዚ ብዝሒ'ዚ፡ ኣብ ታሪኹ ዝለዓለ ምዃኑ ድማ ገሊጹ።
ብራድ ስፓፎርድ ዝተባህለ፡ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ንደቡብ ኣስታት 290 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ክልተ ንኣሽቱ ደቁን ኣብ ዝነብረሉ ዋይት ካውንቲ፡ ኣጽዋር ይእክብ ከም ዘሎ ብሰባት ስለ ዝተሓበረ እዩ ብ17 ታሕሳስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።
እቶም መርመርቲ፡ ነቲ ነተጕቲ "#NoLivesMatter" [ዝዀነ ህይወት ኣየገድስን] ዝብል ጽሑፍ ኣብ ዘለዎ ንእሽቶ ቦርሳ ብዘይ ውሑስ መንገዲ ኣብ ዓይኒ-ምድሪ ተቐሚጡ ከም ዝረኸቡዎ ይገልጹ። እቲ ጽሑፍ ድማ ንየማናውን ጸረ-መንግስትን ምንቅስቓስ ከም ዘመልክት ይንገር።
ጠበቓታት ናይቲ ጥርጡር፡ ነቲ ንሕብረተሰብ ሓደገኛ እዩ ዝብል ክሲ ብምንጻግ፡ ናብ ቤት-ፍርዲ ክሳዕ ዝቐርብ ካብ ማእሰርቲ ክልቀቕ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
መርመርቲ፡ እቲ ጥርጡር ዛጊት ዘይተመዝገቡ ንኡሳት ጠበናጁ ሒዙ ብምጽንሑ ጥራሕ ተኸሲሱ'ኳ እንተሎ፡ ተወሳኺ ክሲ ክቐርበሉ ከም ዝኽእል ይገልጹ።
እቶም መርመርቲ ብሰሉስ ከም ዘፍለጡዎ፡ "እቲ ዓይነት ውዱእ ነታጒ፡ ኣብ ታሪኽ ኤፍ.ቢ.ኣይ ብብዝሑን ዓይነቱን ልዑል እዩ፡" ይብሉ።
እቲ ስፓፎርድ ዝተባህለ ጥርጡር ንኣሳእል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ከም ልምምድ ዒላማ ተጠቒምሉ ከም ዝነበረን ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ክትቅተል ተስፋ ከም ዝነበሮን እዩ ዝግለጽ።
ሰነዳት ቤት-ፍርዲ ከም ዝሕብሩዎ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ፍቓድ መረጋገጺ ብቕዓት ተዅሲ ንምርካብ ድሌት ከም ዝነበሮ እዩ።
ሓደ ስሙ ዘይተጠቐሰ ጐረቤቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ጥርጡር ኣብ 2021፡ "ኣብ ገዛኡ ዝዳሎ ነታጒ እናሰርሐ እንከሎ" ሰለስተ ኣጻብዕቲ የማናይ ኢዱ ድሕሪ ምስኣኑ'ውን ከም ዘየቋረጾ ሰነዳት ቤት-ፍርዲ ይሕብሩ።
እቲ ከም ኣኽባሪ ሕጊ ዝሰርሕ ዝነበረ ጐረቤት፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ኣብቲ ዕስራ ሄክታር ዝኸውን ሕርሻ እቲ ጥርጡር ኣብ ዝበጽሓሉ፡ መቕረጺ መሳርሒ ከም ዝነበሮ መርመርቲ ይዛረቡ።
እቲ ካብ ጐረቤት ዝተኣከበ መርትዖ፡ ወከልቲ ኤፍ.ቢ.ኣይ ነቲ ንብረት ክፍትሽዎ ከም ዝገበሩን ኣብ ዙርያ ሓደ ገዛ ፋሕ ኢሎም ነታጒ ከም ዝረኸቡን እቲ ሰነድ ክሲ ይሕብር።
ናይ መጀመርታ ገምጋም ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ እቶም መሳርሒታት "ናይ ሻምብቆ ቦምባታት፡" ምዃኖም ኣረጋጊጹ። ዝበዝሑ ኣብቲ ንበይኑ ዝነበረ ጋራጅ ብሕብሪ ተፈላልዮም እዮም ነይሮም። ንገሊኦም ድማ "ቀታሊ" ዝብል ስያመ ተዋሂቡዎም።
ዝበዝሑ ካብቶም ቦምባታት ኣብ ክዳውንቲ ለጊቦም ከም ዝተረኽቡ ሰነዳት ቤት-ፍርዲ ይሕብሩ።
ድሕነቶም ዘይተሓለወ ተወሰኽቲ ቦምባታት ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣብ ዝነበረ ንእሽቶ ናይ ዝባን ቦርሳ ተረኺቦም። ኣብ ልዕሊ እቲ ቦርሳ ድማ "#nolivesmatter" (ዝዀነ ህይወት ኣየገድስን) ዝብል ከም ዝተጻሕፎ እቲ ሰነድ ይውስኽ።
እቲ "#nolivesmatter" ዝተባህለ ስነ-ሓሳብ፡ መጥቃዕቲታት፡ ጃምላዊ ቅትለታትን ገበናዊ ንጥፈታትን ዘተባብዕ ምንቅስቓስ ኰይኑ፡ኣባላቱ ኣብ ነብሰ-ጉድኣትን ምግሃስ እንስሳታትን ክዋፈሩ ዘተባብዕ ምዃኑ ቤት-ጽሕፈት ድሕነትን ድልውነትን ኒውጀርሲ ይሕብር።
ብዘይካ'ቲ ሻምብቈ ቦምባታት፡ መርመርቲ፡ ኤችኤምቲዲ ዝበሃል ኣዝዩ ተነቃፊ ነታጒ ዝሓዘ ዕትሮ ከም ዝረኸቡ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣፍሊጡ። እዚ ዓይነት ቦምባ ኣዝዩ ዘይርጉእ ብምዃኑ ብለውጢ ኵነታት ሙቐት ጥራይ ክፍንጀር ከም ዝኽእልን፡ ንኽፈንጀር ዲቶነተር - መቀጻጸሊ ባእታ ከምዘየድልዮን ኣፍሊጦም።
እቲ ዝተረኽበ ዓታሩ ኤችኤምቲዲ ኣብ ዝባኑ፡ "ሓደገኛ" ከምኡ'ውን "ኣይትተንክፍ" ዝብል መጠንቀቕታ ዝተጻሕፎ ኰይኑ፡ መግቢ ህጻናት ኣብ ዝተኸዘኖ ፍሪዘር ከምዝነበረ ጸብጻብ ቤት ፍርዲ የመልክት።
ኣብ ሓደ ጽገና ማሽናት ዝሰርሕ ዝነበረ ስፓፎርድ፡ እቶም ኣብ ዜናታት ዝጠፍኡ ህጻናት፡ ብመንግስቲ ፌደራል ከም ተኰስቲ ቤት ትምህርቲ ክስልጥኑ ከምዝተወሰዱ ከም ዝገለጸ መዝገብ ቤት ፍርዲ ይሕብር።
ጠበቓኡ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ብመንግስቲ ከም ሓደገኛ ዝተዋህበ መግለጺ፡ "ውጹእ ግምትን ፍርሒ ምዝራእን" ክብል ብምግላጽ፡ ጥርጡር ዝዀነ ገበናዊ መዝገብ ከምዘይብሉ ተኸራኺሩ።
"ሚስተር ስፓፎርድ ንዝዀነ ሰብ ስግኣት ኰይኑ ዝብል ቅንጣብ መርትዖ የለን፤ ሓደ ሰብ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡን ርእይቶታቱን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል እዩ ዝብል ክትዕ ድማ ትርጕም የብሉን፡" ክብል እቲ ጠበቓ ወሲኹ ጽሒፉ።