ዑደት ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኤርትራን ዞባዊ ኵነታትን

ምንጪ ስእሊ, MOI
ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸሪጂ ብሓሙስ 12 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ናብ ኣስመራ ብምእታው ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኤርትራ ገሊጸን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዑደት ናይቲ ብምክትል ምኒስተር፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ንምዕማቝ፡ ኣብ ዞባውያን ዓለማውያን ጉዳያት ሓባራዊ ራእይ ብምዅስኳስ ዝያዳ ምምዕባሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝገለጸሉ ወሲኸን ይገልጻ።
እቲ መግለጺ ቀጺሉ፡ ክልተኦም ወገናት ኣብቲ ቅልጡፍ ምዕባለ ዝርኣዮ ዘሎ ዞባ፡ መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝዀና ሃገራት ሰላምን ምርግጋእን ብዛዕባ ምርግጋጽ ዝምልከት ዓሚቝ ዘተ ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ስዑድያን ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ጸጥታዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን መዳያት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዓት ንምንጥጣፍ ብግብሪ ክስራሕ ከም ዝተረዳድኡ የብርህ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ9 ታሕሳስ 2025 ንኣርባዕተ መዓልቲ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዑደት ብምክያድ ምስ ወራሲ ዓራት ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።
ኣብቲ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ኤክስ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ተፋሰስ ፈለግ ናይልን ወሽመጥ ዓረብን ከም ዝተዘራረቡ ብምግላጽ፡ "ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ቅድሚ ሕጂ በዂሩ ዝጸንሐ ግደ ስዑዲ ኣብ ኵሎም እዞም ጉዳያት ኣልዒሉ፡" ከም ዝተዘራረበ ሓቢሩ ነይሩ።
ልዑል ሳልማን፡ ብዛዕባ እቶም ዘልዓልዎም ጉዳያት ዓሚቝ ልዝብ ንምክያድ ሓደ ጕጅለ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ክሰድድ ምዃኑ'ውን እቲ ብወገን ኤርትራ ዝወጽአ መግለጺ ጠቒሱ ነይሩ።
እዚ ዑደት ናይ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ናብ ኤርትራ፡ ዞባታት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ተሃዋሲ መድረኽ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።
እቲ መግለጺ ማዕከናት ኤርትራ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተ ዘይሃበ፡ ጉዳይ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ቀንዲ ዛዕባታት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
ኣብ መንጎ ዞባውያን ሓይልታት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘሎ ንሕንሕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ የመን ጕልባቡ ድሕሪ ምቕልዑ፡ ናብ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ሊብያን ልሒሙ ብዙሕ ቅልጡፍ ምዕባለታት ይኽሰት ኣሎ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ብሚያዝያ 2023 ዝተጀመረ ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ብኣጽዋር፡ ዓቕሚ-ሰብ፡ ሎጂስቲክስ ወዘተ ንዳዕመ-ሰሪዕ ክትድግፍ ከም ዝጸንሐት ንሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ብዙሓት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም - ዋላ'ኳ ኣቡ-ዳቢ ወትሩ ትኽሕዶ እንተዀነት።
ስዑዲ ዓረብ ብኣንጻሩ፡ ግዝኣትን ልዑላዊ ሓድነትን ሱዳን ክጸንዕ ኣለዎ ብምባል ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ብማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ሱዳን ከም እትድግፍ እኳ እንተ ተገልጸ፡ ብመጠን እቲ ኣቡ-ዳቢ ኣትያቶ ዘላ ክትዋሳእ ከም ዘይጸንሐት እዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።
እዚ መርገጺ ድማ ምስታ ኣብ ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ መሻርኽታ ዝዀነት ግብጺ፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ቀሪኒ ኣፍሪቃን ዝያዳ ከም እትጻመድ ገይሩዋ።
ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ'ቲ ኣብ የመን ዝጀመረቶ፡ መርበባት ኢማራት ዓረብ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን (ሊብያ ሓዊስካ) ንምብጥጣስ'ውን ቈሪጻ ዝተላዓለት ትመስል።
ብሕልፊ እቶም ኣብ ሱዳንን ሶማልያን ዝርከቡ ብኢማራት ዓረብ ከም ዝድገፉ ዝንገረሎም ሓይልታት ከም ቀንዲ ስግኣታት ርግኣት ቀይሕ ባሕሪ ገይራ ከም እትርእዮም ተንተንቲ ይሕብሩ።
እታ ሰደድ ነዳዲኣ ኮነ መስመራት ሕጃ ብኣውራኡ ብቐይሕ ባሕሪ ዝዀነ ስዑዲ ዓረብን ካብ መትረብ ስወጽ ልዑል ኣታዊ ትረክብ ግብጽን፡ ንጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ከም ናይ ህላወአን ሕቶ ገይረን እየን ዝርእየኦ።
ኣብ 2019 መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር ብህዝባዊ ተቓውሞ ምስ ተኣልየ፡ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ነቲ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ እየን ዝድግፋ ነይረን፣ ኲናት ምስ ተባርዐ ግን ተፈላልየን።
ኢማራት ዓረብ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጽምዶ'ውን ኣብዚ ዓቢይ ስእሊ ኣእቲኻ ዝርአ እዩ። ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ብ2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽኣሉ ኣትሒዙ፡ ምስ ኣቡ-ዳቢ ጥቡቕ ርክብ መስሪቱ እዩ።
ኢማራት ኣብ ቍጠባ ኢትዮጵያ ልዑል ሓገዝ ከም እትገብር፣ ካብኡ ሓሊፋ'ውን ኣብቲ ካብ ሕዳር 2020 ክሳዕ ሕዳር 2022 ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ትግራይ ንኣዲስ ኣበባ ፖለቲካውን ቍሳውን ደገፍ ከም ዝገበረት ትውቀስ እያ።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ክፍላ 2024 ምስ በርበራ ዝኣተወቶ ውዕል ወደብን ኣፍደገ ባሕርን በቲ ሓደ፡ ካብ 2023 ኣትሒዛ ብመንገዲ ቀዳማይ ምኒስተራ ኮነ ላዕለዎት ሰበስልጣና ብዛዕባ ዋንነት ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝህቡዎ መግለጺታት በቲ ካልእ፡ ነቲ ኣሰላልፋታት ከም ዝጸንዕ ገይሩዎ እዩ።
እታ ምስ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጺ፡ መንግስቲ ሱዳንን ሶማልያን ዝተሰለፈት ኤርትራ፡ ኣብ ዞባታት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ስትራተጅያዊ ቦታ ስለ ዝተደኰነት እጃማ ኣብቲ ዞባታት ዓቢይ እዩ።
መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ምልውዋጥ ቃላት ሓሊፎም፡ ናብ ውግእ ከይሰጋገሩ ዓቢይ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, ENA
ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ምስ ሱዳን ዘዳውባ - ክልል በኒሻንጉል ጉሙዝ - ሓደ ምስጢራዊ መሰልጠኒ ማእከል ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝሃነጸት ሮይተርስ ኣቃሊዑ።
እቲ መዓስከር፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ሱዳን ትሳተፍ ከም ዘላ ናይ መጀመርታ ጭቡጥ መርትዖ ኰይኑ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ውግእ እናተጋደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ሓደስቲ ወተሃደራት ዝቕርብ ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእል ምዕባለ'ዩ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብቲ ናብ ኢትዮጵያ ዘዳውብ ከባቢታት ኣል-ባሕር ኣል-ኣዝራቕ (ሰማያዊ ኒል) ሓድሽ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ገስጋስ ከም ዘርኣየ ክግለጽ ቀንዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ቍልፊ ከተማ ዝዀነት ኤል-ዑበይድ ካብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሓቶ ከበባ ኣውጺኡዋ።
እቲ ኣብ በንሻንጉል ጉሙዝ ዘሎ ብኢማራት ከም ዝተመወለ ዝተነግረሉ መዓስከር፡ ነቲ ካብ ፖርትሱዳን ናብ ካርቱም ዝምለስ ዘሎ መንግስቲ ሱዳንን ዞባዊ ሰላምን ኣስጋኢ ብምዃኑ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።
ትማሊ 11 ለካቲት ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ልኡል ፈይሰል ቢን ፈርሓን ናብ ኢትዮጵያ ብምጋሽ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ተዘራሪቡ።
ብዛዕባ እዚ ሓድሽ መዓስከር ተዘራሪቦም እንተዀይኖም ግን ዝወጽአ መግለጺ የሎን።
ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ዘተና ኣብ ምሕያል ነዊሕ ዝጸንሐ ርክብ ክልተአን ሃገራት፡ ኣብ ወሰንቲ ክልተኣዊ ጉዳያት ከምኡ ድማ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዘለዎም ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ምትሕብባር ኣብ ምዕባይን ዘተኰረ'ዩ ነይሩ፡" ኢሉ።
ድሕሪ'ቲ ዑደት ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኢትዮጵያ፡ ምክትሉ ድማ ናብ ኣስመራ ብምቕናዕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ።
ኣብዚ ቅንያት፡ መንግስታት ግብጺ፡ ቱርኪ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሓድሕዶምን ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝገብሩዎ ዘለዉ ጽዑቕ ርክባት እዚ ዞባ በጺሑዎ ዘሎ ኣስጋኢ መድረኽ ዘመላኽት ክኸውን ይኽእል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







