ቀይሕ ባሕሪ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝሃለቕሉ ሓደጋ ጃልባ

ስእሊ (ፋይል 2019)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ስእሊ (ፋይል 2019)

ብሰንበት ኣብ ገምገም ባሕሪ የመን፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ኣስታት 150 ሰባት ዝጸዓነት ጃልባ ጥሒላ ልዕሊ 60 ስደተኛታት ሞይቶም።

እታ ጃልባ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል የመን ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ኣብያን ከም ዝተገልበጠትን፡ ሬሳታት 68 ሰባት ከም ዝተረኽበን ሓላፊ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት የመን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ካብቲ ሓደጋ፡12 ሰባት ከም ዝደሓኑን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ድማ ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ከም ዘይተረኽበን'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

መብዛሕትኦም ግዳያት ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ምዃኖም ይእመን ዝበለ እቲ ትካል፡ ነቲ ክስተት "ልቢ ዝሰብር" ክብል ገሊጽዎ።

የመን፡ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ዓረብ ወሽመጥ ዓረብ ስራሕ ንምድላይ ዝሰጋገሩላ ሃገር ኰይና፡ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብሰንኪ ሓደጋ ጀላቡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሞይቶም ወይ ጠፊኦም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት ኢሉ።

እታ ልዕሊ 150 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ወሽመጥ ዓደን እያ ጥሒላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እታ ልዕሊ 150 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ወሽመጥ ዓደን እያ ጥሒላ

ሓላፊ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) የመን ዓብዱሰታር ኤሶቭ፡ እታ ጃልባ ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣስገርቲ ሰባት ዝጥቀሙሉ ሰፊሕ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዘሎ ሓደገኛ መስመር 157 ስደተኛታት ጽዒና ከም ዝነበረት ገሊጹ።

የመን፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝሓሸ ዕድላት ንምድላይ ዝኸዱ ብዙሓት ተስፋ ዝቘረጹ ስደተኛታት ንምስግጋር ዝመርጽዋ ልምድቲ መተሓላለፊት ሃገር እያ።

ብሰንኪ እቲ ትማሊ ዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል እታ ጃልባ፡ ሬሳታት 54 ስደተኛታት ኣብ ደቡባዊ ዞባ ካንፋር ኣብ ምድሪ ከም ዝተረኽበን፡ ካልኦት 14 ድማ ናብ ርእሰ ከተማ ዞባ ኣብያን ዚንጂባር ናብ ዝርከብ መቐበሊ ሬሳታት ሆስፒታል ከም ዝተወስዱ ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ዳይረክቶሬት ጸጥታ ኣብያን ብዛዕባ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ዓቢ ተልእኾ ምድላይን ምድሓንን ዝምልከት መግለጺ ዘውጽአ ኰይኑ፡ ኣብ ሰፊሕ ከባቢ ገምገም ባሕሪ ብዙሓት ሬሳታት ከም ዝተረኽቡ ገሊጹ።

ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት፡ በቲ "ዘሕዝን ክሳራ ህይወት ኣዝዩ ከም ዝሓዘ፡" ሓቢሩ።

"እዚ ልቢ ዝሰብር ፍጻመ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብተስፋ ምቝራጽ፡ ንስነምግባር ዘይብሎም ኣስገርቲ ተቓላዕቲ ኰይኖም ዝምዝመዙን ሓደገኛ ጕዕዞታት ዝፍጽሙን ዘለው ስደተኛታት ንምክልኻል፡ ዝተመሓየሸ ኣገባባት ከም ዘድሊ ዘጕልሕ'ዩ፡" ኢሉ።

ሓላፊ ኣይኦኤም ኣብ የመን ዓብዱሰታር ኤሶቭ፡ ስደተኛታት ብኣስገርቲ ንኸይምዝመዙ ዝከላኸል ሕጋዊ መስርሓት ምሕያል ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

"እቲ ንዅለን ኣባላት ሃገራት... ሰባት ኣብ ክንዲ ብኣሰጋገርቲ ተታሊሎም ወይ ተታሒዞም ሓደገኛታት ጕዕዞታት ዝገብሩ፡ ሰባት ንኽስደዱ ሕጋዊ መገዲ ክኽተሉ ምእንቲ፡ ስሩዕ መገዲ ክዓቢ ኣለዎ ኢና ንብል ዘለና፡" ኢሉ።

ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት፡ ኣቐዲሙ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመን ዝግበር ጕዕዞ "ሓደ ካብቶም ጽዑቓትን ሓደገኛታትን ዝተሓዋወሰ መስመራት ስደት፡" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

እቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝብገሱ ስደተኛታት ክልተ መስመር ይጥቀሙ። እቲ ሓደ ብጅቡቲ ኣቢልካ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ የመን እትርከብ ከተማ ላሂጅ ዘብጽሕ መስመር፣ እቲ ካልኣይ ድማ ብሶማልያ - ቦሳሶ ኣቢሉ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ የመን ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ሻብዋ ዝበጽሕ መስመር።
መግለጺ ስእሊ, እቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝብገሱ ስደተኛታት ክልተ መስመር ይጥቀሙ። እቲ ሓደ ብጅቡቲ ኣቢልካ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ የመን እትርከብ ከተማ ላሂጅ ዘብጽሕ መስመር፣ እቲ ካልኣይ ድማ ብሶማልያ - ቦሳሶ ኣቢሉ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ የመን ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ሻብዋህ ዝበጽሕ መስመር- ኣብ መወዳእታ ናብ ስዑድያ።

ኣብ መጋቢት ልዕሊ 180 ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ ጀላቡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዞባ ደቡብ የመን ብሰንኪ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ክጥሕላ እንከለዋ፡ ክልተ ኣባላት ሰራሕተኛታት ጥራይ ድሒኖም፡ ኵሎም ዝተረፉ ተሳፈርቲ ድማ ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ጠፊኡ ወይ ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ተሰጊኡ ኣሎ።

ኣብ የመን ዝበጽሑ ስደተኛታት'ውን፡ ኣሰጋገርቲ ሰባት ካብ ሓይልታት ጸጥታ ንምህዳም ብዝብል ብፍላጥ ጀላቡ ናብ ሓደገኛ ኵነታት ብምስዳድ ዝያዳ ሓደጋታት ክስዕብ ከም ዝገብሩ ጸብጻብ እቲ ትካል ይሕብር።እዚ ፍጹም ኣቓልቦ ዘይተዋህቦ መስመር ስደት ምዃኑ ድማ ብሰፊሑ ይንገር።

ዋላ'ኳ ሓደጋታት እንተሃለወ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ነቲ ብየመን ዝግበር ሓደገኛ ጕዕዞ ይቕጽሉ'ዮም ዘለው፤ ኣብ 2024 ጥራይ ልዕሊ 60 ሽሕ ስደተኛታት ናብ የመን ኣትዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ፕሮጀክት ዝጠፍኡ ስደተኛታት ኣይኦኤም፡ ኣብቲ መስመር ልዕሊ 3,400 ሞትን ዝጠፍኡ ሰባትን መዝጊቡ - ካብዚ እቶም 1,400 ብሰንኪ ምጥሓል ዝሞቱ'ዮም።